ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፋል 25

ብዛዕባ እምነትን ኣኻይዳን ፍቕርን እተዋህበ ምኽሪ

ብዛዕባ እምነትን ኣኻይዳን ፍቕርን እተዋህበ ምኽሪ

ያእቆብን ጴጥሮስን ዮሃንስን ይሁዳን ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ንምትብባዕ መልእኽትታት ጸሓፉ

ያእቆብን ይሁዳን ንየሱስ ብኣደ ኣሕዋቱ እዮም ነይሮም። ጴጥሮስን ዮሃንስን ከኣ ካብቶም 12 ሃዋርያት የሱስ እዮም ነይሮም። እዞም ኣርባዕተ ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዚርከባ ሸውዓተ መልእኽትታት ጽሒፎም እዮም። እዘን መልእኽትታት እዚኣተን ብስም ጸሓፊአን እየን ዚጽውዓ። እቲ ኣብዘን መልእኽትታት እዚኣተን ዚርከብ መንፈስ ዝነፈሶ ማዕዳ፡ ክርስትያናት ንየሆዋን ንመንግስቱን ተኣማንነቶም ሓልዮም ንኪቕጽሉ ኺሕግዛኦም ተባሂለን እየን ተጻሒፈን።

ክርስትያናት እምነት ኬርእዩ ይግባእ። እምነት ከም ዘሎካ ምዝራብ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ናይ ሓቂ እምነት ብግብሪ እያ እትርአ። ያእቆብ፡ “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ” በለ። (ያእቆብ 2:26) ፈተናታት ኬጋጥም ከሎ ብእምነት ስጕምቲ ምውሳድ፡ ትዕግስቲ ንኸተማዕብል የኽእለካ። ሓደ ክርስትያን ዕዉት ንኪኸውን፡ ካብ ኣምላኽ ጥበብ ኪልምንን ኣምላኽ ከም ዚህቦ ኺኣምንን ኣለዎ። ትዕግስቲ ናብ ስምረት ኣምላኽ ይመርሕ። (ያእቆብ 1:2-6, 12) ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ብእምነት ንጽህናኡ እንተ ሓልዩ፡ የሆዋ ኣምላኽ እውን ብግዲኡ ይድግፎ እዩ። ብዛዕባ እዚ ያእቆብ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ያእቆብ 4:8

እምነት ሓደ ክርስትያን ንፈተናታትን ርኹስ ጽልዋታትን ክትጻወር እትኽእል ክትከውን ኣለዋ። ይሁዳ በቲ ኣብቲ ግዜኡ ዜስፋሕፍሕ ዝነበረ ሕማቕ ስነ-ምግባራዊ ሃዋህው ተገዲዱ፡ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “በታ . . . እምነት ክትጋደሉ” ኢሉ መኸሮም።—ይሁዳ 3

ክርስትያናት ብንጹህ ኣኻይዳ ኪመላለሱ ይግባእ። የሆዋ ንኣምለኽቱ ብዅሉ ቕዱሳት፡ ማለት ንጹሃት፡ ኪዀኑ ይጽበዮም እዩ። ጴጥሮስ፡ “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ . . . ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 1:15, 16) ክርስትያናት ኪመስልዎ ዚግባእ ኣርኣያ ኣለዎም። ጴጥሮስ፡ “ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:21) ክርስትያናት ስርዓታት ኣምላኽ ብምስዓቦም መከራ ዚጸግቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ “ሰናይ ሕሊና” ግን ኣለዎም። (1 ጴጥሮስ 3:16, 17) ጴጥሮስ ንክርስትያናት፡ ነታ ኣምላኽ ዚፈርደላ መዓልቲ ፍርዲ ዀነ ነታ ‘ጽድቂ ዚነብረላ’ ሓዳስ ዓለም እናተጸበዩ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ብዜንጸባርቕ ቅዱስ ኣነባብራን ተግባርን ኪመላለሱ መዓዶም።—2 ጴጥሮስ 3:11-13

“ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ።”ያእቆብ 4:8

ክርስትያናት ፍቕሪ ኼርእዩ ይግባእ። ዮሃንስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ብተወሳኺ እውን፡ ኣምላኽ “ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ” ወዱ ብምልኣኽ፡ ነታ ዓባይ ፍቕሩ ኸም ዘርኣየና ገለጸ። እሞኸ ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ ይግባእ፧ ዮሃንስ፡ “ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ፡ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ” በለ። (1 ዮሃንስ 4:8-11) ከምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ እነርእየሉ ሓደ መገዲ፡ ንክርስትያናት ብጾትና ተቐቢልና ብምእንጋድ እዩ።—3 ዮሃንስ 5-8

እንተዀነ ግን፡ ሰባት ንየሆዋ ዘላቶም ፍቕሪ ብኸመይ እዮም ዜርእዩ፧ ዮሃንስ፡ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ነዚ መልሲ ይዀነና እዩ። (1 ዮሃንስ 5:3፣ 2 ዮሃንስ 6) እምበኣር፡ እቶም ንኣምላኽ ዚእዘዝዎ፡ ነቲ “ናብ ህይወት ዘለኣለም ዜብጽሕ” ፍቕሪ ኣምላኽ ወትሩ ኸም ዚረኽቡ እተረጋገጸ እዩ።—ይሁዳ 21

—ኣብ ያእቆብ፣ 1 ጴጥሮስ፣ 2 ጴጥሮስ፣ 1 ዮሃንስ፣ 2 ዮሃንስ፣ 3 ዮሃንስ፣ ይሁዳ እተመስረተ።