ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፋል 6

እዮብ ንጽህናኡ ሓለወ

እዮብ ንጽህናኡ ሓለወ

ሰይጣን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቡ ንንጽህና እዮብ ብድሆ ኣቕረበሉ፣ እዮብ ግን ንየሆዋ ዝነበሮ ተኣማንነት ሒዙ ቐጸለ

ሰብ ክሳዕ መወዳእታ እንተ ተፈቲኑን ተኣዛዝነቱ ዋላ ሓንቲ ስጋዊ ረብሓ ዘይምጽኣሉ እንተ መሲሉን፡ ንኣምላኽ እሙን ኪኸውን ይኽእልዶ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ምስ እዮብ ኣብ ዚተሓሓዝ ጕዳይ ተላዒላን መልሲ ተዋሂቡላን እዩ።

እስራኤላውያን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እዮብ ዚበሃል ዘመድ ኣብርሃም፡ ኣብዚ ሎሚ ምድሪ ዓረብ ዚበሃል ቦታ ይነብር ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ሰማይ ዝነበሩ መላእኽቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተኣከቡ፣ እቲ ዓለወኛ ሰይጣን ድማ ኣብ መንጎኦም ቈመ። የሆዋ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰማያዊ ኣኼባ፡ ኣብቲ እሙን ኣገልጋሊኡ እዮብ ዘለዎ ምትእምማን ገለጸ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸም እዮብ ዝኣመሰለ ንጽህናኡ ዚሕሉ ሰብ ከም ዘይርከብ እውን ሓበረ። ሰይጣን ግን፡ እዮብ ንኣምላኽ ዜገልግሎ፡ ካብ ኣምላኽ ብዙሕ በረኸትን ዕቝባን ስለ ዝረኸበ ምዃኑ ኸሰሰ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ እዮብ ዘለዎ ዅሉ እንተ ተሓዲጉ፡ ንኣምላኽ ከም ዚኽሕዶ ገለጸ።

ኣምላኽ ንሰይጣን፡ ፈለማ ንሃብትን ውሉዳትን እዮብ ኬጥፍእ፡ ጸኒሑ ድማ ንጥዕና እዮብ ኬበላሹ ፈቐደሉ። እዮብ ነቲ ሰይጣን ዝገብሮ ዝነበረ ነገራት ዘይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ኣምላኽ ነዚ ዅሉ መከራ ኼሕልፍ ስለምንታይ ከም ዝፈቐደ ኺርዳእ ኣይከኣለን። ይኹን እምበር፡ እዮብ ንኣምላኽ ዝባኑ ኣይሃቦን።

ሰለስተ ናይ ሓሶት ፈተውቲ እዮብ ናብኡ መጹ። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም፡ በቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ዚርከብ ተኸታታሊ ዘረባ ኣቢሎም፡ ኣምላኽ ንእዮብ ብሰንኪ ሕቡእ ሓጢኣቱ ይቐጽዖ ኸም ዘሎ ኼእምንዎ ፈተኑ። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን፡ ኣምላኽ ብኣገልገልቱ ባህ ከም ዘይብሎን ከም ዘይኣምኖምን ተዛረቡ። እዮብ ነቲ ግጉይ ኣተሓሳስባኦም ኣይተቐበሎን። የግዳስ፡ ክሳዕ ሞቱ ንጽህናኡ ኸም ዚሕሉ ብምትእምማን ገለጸ።

ኰይኑ ግን፡ እዮብ እምብዛ ንርእሱ ይጣበቐላ ብምንባሩ፡ ተጋግዩ እዩ ነይሩ። ነቲ ዅሉ ኽርክር ዝሰምዐ ብዕድመ ኻባታቶም ዝነኣሰ ኤሊሁ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ኪዛረብ ጀመረ። ኤሊሁ ንእዮብ፡ ምርግጋጽ ልዑላውነት የሆዋ ኣምላኽ፡ ካብ ምርግጋጽ ሓቅነት ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ኺግንዘብ ከም ዝነበሮ ብምግላጽ ኣረሞ። ነቶም ናይ ሓሶት ፈተውቲ እዮብ እውን፡ ኣትሪሩ ገንሖም።

ድሕሪኡ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንእዮብ ተዛረቦ፡ ንኣተሓሳስባኡ እውን ኣረሞ። ናብ ሓያሎ መስተንክር ፍጥረታት ከም ዜተኵር ድሕሪ ምግባሩ፡ ሰብ ምስ ዕቤት ኣምላኽ ኪነጻጸር ከሎ ኽሳዕ ክንደይ ደቂቕ ምዃኑ መሃሮ። እዮብ ነቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦ መአረምታ፡ ብትሕትና ተቐበሎ። የሆዋ ኸኣ፡ “ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን” ስለ ዝዀነ፡ ንእዮብ ካብ ሕማሙ ኣሕወዮ፡ ንሃብቱ ዕጽፊ ገይሩ መለሰሉ፡ ዓሰርተ ውሉዳት ብምሃብ ድማ ባረኾ። (ያእቆብ 5:11) እዮብ ከቢድ ፈተና እናኣጋጠሞ ኽነሱ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝነበሮ ንጽህና ብምሕላዉ፡ ነቲ ሰይጣን፡ ሰባት እንተ ተፈቲኖም ንኣምላኽ እሙናት ከም ዘይኰኑ ዘቕረቦ ብድሆ ብዕዉት መገዲ መለሰሉ።

—ኣብ መጽሓፍ እዮብ እተመስረተ።