ሕቶ 5
መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
“ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ጽልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፣ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።”
“ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ፡ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ በረኸት ኪረኽቡ እዮም።”
“መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።”
“እቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኽ ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርኩም ኪጭፍልቖ እዩ።”
“ኵሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽ ንዅሉ፡ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዘኦ ኺግዛእ እዩ።”
“እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ፡ . . . ክርስቶስ እዩ። ብተወሳኺ፡ ናይ ክርስቶስ እንተ ዄንኩም፡ ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም።”
“መንግስቲ ዓለም ናይ ጐይታናን ናይቲ ክርስቶሱን ኰይና እያ፣ ንዘለኣለመ ኣለም እውን ኪነግስ እዩ።”
“እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፣ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱ እውን ምስኡ ተደርበዩ።”
“ንሱ ኸኣ ነቲ ገበል፡ ነቲ ድያብሎስን ሰይጣንን ዝዀነ ናይ ጥንቲ ተመን ሓዞ፣ 1,000 ዓመት እውን ኣሰሮ።”