መዝሙር 105:1-45

  • የሆዋ ንህዝቡ ብተኣማንነት ዝገበረሎም ተግባር

    • ኣምላኽ ኪዳኑ ይዝክር (8-10)

    • “ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም” (15)

    • ኣምላኽ ነቲ ባርያ ዝዀነ ዮሴፍ ተጠቕመሉ (17-22)

    • ኣምላኽ ኣብ ግብጺ ዝገበሮ ተኣምራት (23-36)

    • እስራኤል ካብ ግብጺ ወጸ (37-39)

    • ኣምላኽ ነቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ቓል ዘከረ (42)

105  ንየሆዋ ኣመስግንዎ፡+ ስሙ ጸውዑ፡ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣፍልጡ!+  2  ዘምሩሉ፡ ውዳሰ ዘምሩሉ፡*ብዛዕባ ዅሉ ዜደንቕ ግብርታቱ ኣጸቢቕኩም ሕሰቡ።*+  3  ብቕዱስ ስሙ ተመክሑ።+ ልቢ እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ይተሓጐስ።+  4  ንየሆዋን ንብርታዐኡን ድለዩ።+ ወትሩ ገጹ* ድለዩ።  5  እቲ ዝገበሮ ዜደንቕ ግብርታቱንተኣምራቱን ዝፈረዶ ፍርድታትን ዘክሩ፣+  6  እወ፡ ኣቱም ዘርኢ ኣብርሃም እቲ ጊልያኡ፡+ኣቱም ሕሩያቱ ደቂ ያእቆብ ዘክሩ።+  7  ንሱ የሆዋ ኣምላኽና እዩ።+ ፍርድታቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ እዩ።+  8  ኪዳኑ ንዘለኣለም፡+ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ* ድማ ንሽሕ ወለዶታት ይዝክር፣+  9  እወ፡ ነቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ ኺዳን፡+ነቲ ንይስሃቅ ዝመሓለሉ ማሕላ ይዝክሮ።+ 10  ነዚ ንያእቆብ ስርዓት፡ንእስራኤል ድማ ናይ ሓዋሩ ኺዳን ገይሩ ኣቘመሉ፡ 11  ከምዚ ኢሉ፦ “ብጽሒት ርስትኹም ክትከውን፡+ምድሪ ከነኣን ክህበካ እየ።”+ 12  እዚ ዝዀነ፡ ብቝጽሪ ሒደት ከለዉ፡+እወ፡ ኣዝዮም ሒደትን ኣብታ ምድሪ ጓኖትን ከለዉ እዩ።+ 13  ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ካብ መንግስቲ ናብ ካልእ ህዝቢ ኸዱ።+ 14  ሓደ ሰብ እኳ ኺጭቍኖም ኣይፈቐደን፣+ምእንታኦም ግና ነገስታት ገንሐ፡+ 15  ከምዚ ኢሉ፦ “ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፡ንነብያተይ ከኣ ክፉእ ኣይትግበርዎም።”+ 16  ጥሜት ናብታ ምድሪ ጸውዐ፣+ቀረብ እንጌራኦም እውን ኣቋረጸ።* 17  ቀቅድሚኦም ሰብኣይ፡እቲ ባርያ ኪኸውን እተሸጠ ዮሴፍ፡ ለኣኸ።+ 18  ንኣእጋሩ ብመቝሕ ኣሰርዎ፣*+ክሳዱ* ድማ ኣብ ሓጺን ኣተወ። 19  ቃሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡+ቃል የሆዋ ኣጽረዮ። 20  ንጉስ ልኢኹ ኣፍትሖ፣+እቲ ገዛኢ ህዝብታት ሓራ ኣውጽኦ። 21  ኣብ ልዕሊ ቤተ ሰቡ ጐይታ፡ኣብ ልዕሊ ዅሉ ንብረቱ ድማ ገዛኢ ገበሮ፣+ 22  ኣብ ልዕሊ መሳፍንቱ ኸም ዝደለዮ ስልጣን ኪህልዎ፡*ንዓበይቱ ኸኣ ጥበብ ኪምህሮምሲ ኸምኡ ገበረ።+ 23  እስራኤል ድማ ናብ ግብጺ መጸ፣+ያእቆብ ከኣ ኣብ ምድሪ ካም ጓና ዀይኑ ተቐመጠ። 24  ኣምላኽ ድማ ንህዝቡ፡ ኣዝዮም ከም ዚፋረዩ ገበሮም፣+ካብ ተጻረርቶም እውን ኣበርትዖም።+ 25  ንህዝቡ ኺጸልእዎም፡ ንገላዉኡ እውን ኪተናዀልዎምሲ፡+ልቢ እቶም ተጻረርቲ ኺልወጥ ፈቐደ። 26  ንጊልያኡ ሙሴን+ነቲ ዝሓረዮ ኣሮንን+ ለኣኾም። 27  ትእምርትታቱ ኣብ መንጎኦም፡ተኣምራቱ ድማ ኣብ ምድሪ ካም ገበረ።+ 28  ጸልማት ሰደደ፡ እታ ምድሪ እውን ጸልመተት፣+ካብ ቃላቱ ኸኣ ኣይዓለዉን። 29  ማያቶም ናብ ደም ለወጠ፣ዓሳታቶም ድማ ቀተለ።+ 30  ምድሮም ብቝርዖብ ሓሰኽሰኽ በለት፣+ናብ ክፍልታት ነገስታት እኳ ኣተዋ። 31  ጽንጽያ ኸልቢ ኺወርርዎም፡ጻጹት እውን ኣብ ኵላ ሃገሮም ኪዀኑ ኣዘዘ።+ 32  ንዝናሞም ናብ በረድ ቀየሮ፣ናብ ምድሮም ከኣ በርቂ* ሰደደ።+ 33  ተኽሊ ወይኖምን ኦም በለሶምን ወቕዐ፣ኣእዋም ሃገሮም ድማ ሰባበረ። 34  ኣንበጣ ኺወርርዎም፡ቍጽሪ ዘይብሎም ኩብኩብታ ኸኣ ኪመጽዎም ተዛረበ።+ 35  ንሳቶም ንዅሉ ኣትክልቲ እታ ምድሪ በልዕዎ፣ንፍረ እታ ምድሪ ድማ በልዕዎ። 36  ንዅሉ በዅሪ ምድሮም፡ንመጀመርታ ስብእነቶም ቀተለ።+ 37  ንህዝቡ ብሩርን ወርቅን ኣትሒዙ ኣውጽኦም፣+ካብ ነገዳቱ ድማ ሓደ እኳ ኣይተዓንቀፈን። 38  ራዕዲ እስራኤል* ኣብ ልዕሊኦም ወዲቑ ነበረ እሞ፡ንሳቶም ምስ ወጹ፡ ግብጺ ተሓጐሰት።+ 39  ኪጋርዶም ደበና፡+ብለይቲ ኼብርህ ከኣ ሓዊ ዘርግሐ።+ 40  ለመኑ እሞ ብርኒጎታት ኣምጽአ፣+ብእንጌራ ሰማይ ድማ ኣጽገቦም።+ 41  ከውሒ ኸፈተ እሞ ማያት ኣውሓዘ፣+እዚ ኸኣ ከም ፈለግ ብምድረ በዳ ወሓዘ።+ 42  ከመይሲ፡ ንሱ ነቲ ንጊልያኡ ኣብርሃም ዝኣተወሉ ቕዱስ ቃል ዘከረ።+ 43  ስለዚ፡ ንህዝቡ ብፍስሃ፡ንሕሩያቱ ድማ ብእልልታ ኣውጽኦም።+ 44  ምድሪ ኣህዛብ ሃቦም፣+ጻማ ጻዕሪ ህዝብታት ከኣ ተረስተዩ፣+ 45  እዚ ዝገበረ ኸኣ ስርዓታቱ ኺሕልዉ፡+ሕግታቱ ድማ ኪገብሩ እዩ። ንያህ ወድስዎ!*

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ተዛረቡ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣዚሙሉ።”
ወይ፡ “ኣብ ቅድሚኡ ምዃን።”
ቃ.ቃ.፡ “እቲ ዝኣዘዞ ቓል።”
ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ በትሪ እንጌራ ሰበረ።” እንጌራ ንምንባር ዜገልግል በትሪ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ኣሳቐይዎ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “ንመሳፍንቱ ኸምቲ ነፍሱ ዝደለየቶ ገይሩ ኺኣስሮም።”
ወይ፡ “ሃልሃልታ ሓዊ።”
ቃ.ቃ.፡ “ራዕዶም።”
ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።