ምሳሌ 10:1-32
10 ምስላታት ሰሎሞን።+
ጥበበኛ ወዲ ንኣቦኡ የሐጕሶ፣+ዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ።
2 ብእከይ እተረኽበ መዛግብቲ ኣይጠቅምን፣ጽድቂ ግና ካብ ሞት ተናግፍ።+
3 የሆዋ ንጻድቕ ኪጠሚ ኣይሓድጎን፣*+ንእኩያት ግና ዚሃርፍዎ ይኸልኦም።
4 ህኩያት ኣእዳው የድክያ፣+ትጉሃት ኣእዳው ግና የሀብትማ።+
5 ልቦና ዘለዎ ወዲ ብሓጋይ እኽሊ ይእክብ፣ዜሕፍር ወዲ ግና ብቐውዒ በጥ ኢሉ ይድቅስ።+
6 በረኸት ኣብ ርእሲ ጻድቕ እዩ፣+ኣፍ እኩያት ግና ዓመጻ ይሓብእ።
7 መዘከርታ* ጻድቕ ንበረኸት እዩ፣+ስም እኩያት ግና ይምሽምሽ።+
8 ጥበበኛ ዝልቡ ትምህርትታት* ይቕበል፣+ብዕሽነት ዚዛረብ ግና ይርገጽ።+
9 ብንጽህና ዚመላለስ ብደሓን ይመላለስ፣+መገድታቱ ቔናን ዚገብር ግና ይፍለጥ።+
10 ብኽፍኣት ዓይኑ ዚጸቅጥ ጓሂ የምጽእ፣+ብዕሽነት ዚዛረብ ከኣ ይርገጽ።+
11 ኣፍ ጻድቕ ምንጪ ህይወት እዩ፣+ኣፍ እኩያት ግና ዓመጻ ይሓብእ።+
12 ጽልኢ፡ ባእሲ የለዓዕል፣ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኸድኖ።+
13 ጥበብ ኣብ ከናፍር ኣስተውዓሊ ይርከብ፣+ሻቦጥ ግና ንዝባን ልቢ ዘይብሉ እዩ።+
14 ጥበበኛታት ፍልጠት ይዓቝሩ፣+ኣፍ ዓሻ ግና ጥፍኣት ይዕድም።+
15 ንሃብታምሲ ሃብቱ* እተዓርደ ኸተማኡ እዩ።
ንድኻ ድኽነቱ ጥፍኣቱ እዩ።+
16 ተግባር ጻድቕ ናብ ህይወት ይመርሕ፣ፍርያት እኩይ ግና ናብ ሓጢኣት ይመርሕ።+
17 ተግሳጽ ዚሰምዕ፡ መገዲ ህይወት እዩ፣*መግናሕቲ ዕሽሽ ዚብል ግና፡ የስሕት።
18 ጽልኡ ዚሓብእ፡ ሓሶት ይዛረብ፣+ክፉእ ወረ* ዚዝርግሕ ድማ፡ ዓሻ እዩ።
19 ኣብ ብዙሕ ዘረባ፡ ኣበሳ ኣይሰኣንን፣+ከናፍሩ ዚቈጻጸር ግና፡ ኣስተውዓሊ እዩ።+
20 ልሳን ጻድቕ ከም ብሉጽ ብሩር እዩ፣+ልቢ እኩይ ግና ዳርጋ ዋጋ የብሉን።
21 ከናፍር ጻድቕ ንብዙሓት ይዕንግላ፣*+ዓያሹ ግና ሰኣን ልቢ ይሞቱ።+
22 በረኸት የሆዋ የሀብትም፣+ስቓይ* እውን ኣይውስኸሉን።
23 ንዓሻስ ዜሕፍር ነገር ምግባር ከም ጸወታ እዩ፣ጥበብ ግና ንኣስተውዓሊ ሰብ እያ።+
24 ንእኩይ እቲ ዚፈርሆ ይመጾ፣ንጻድቃን ግና እተመነይዎ ይውሃቦም።+
25 ህቦብላ ምስ ዚሓልፍ፡ እኩይ ኣይህሉን፣+ጻድቕ ግና ንዘለኣለም መሰረት እዩ።+
26 ከም መጺጽ ንስኒ፡ ከም ትኪ ንኣዒንቲ፡ሃካይ ንለኣኺኡ* ኸምኡ እዩ።
27 ፍርሃት የሆዋ ህይወት የንውሕ፣+ዓመታት እኩያት ግና ኪሓጽራ እየን።+
28 ትጽቢት* ጻድቃን ሓጐስ የምጽእ፣+ተስፋ እኩያት ግና ኪጠፍእ እዩ።+
29 መገዲ የሆዋ፡ መንቅብ ንዘይብሉ ዕርዱ እያ፣+ንገበርቲ እከይ ግና ጥፍኣቶም እያ።+
30 ጻድቕ ከቶ ኣይወድቕን፣+እኩያት ግና ኣብ ምድሪ ኣይነብሩን።+
31 ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የፍሪ፣ቄናን ልሳን ግና ትምንቈስ።
32 ከናፍር ጻድቕ ባህ ዜብል ይፈልጣ፣ኣፍ እኩያት ግና ቄናን እዩ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ንነፍሲ ጻድቕ ክትጠሚ ኣይሓድጋን።”
^ ወይ፡ “ስም፣ ዝና።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ትእዛዛት።”
^ ወይ፡ “ጥሪቱ።”
^ ወይ፡ “ኣብ መገዲ ህይወት እዩ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “በላበለው።”
^ ወይ፡ “ይመርሓ።”
^ ወይ፡ “ጓሂ፣ ሽግር።”
^ ወይ፡ “ንኣስራሒኡ።”
^ ወይ፡ “ተስፋ።”