ምሳሌ 16:1-33

  • የሆዋ ውሽጣዊ ድራኸታት ይምርምር (2)

  • ተግባርካ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ (3)

  • ቅኑዕ ሚዛን ካብ የሆዋ እዩ (11)

  • ትምክሕቲ ቕድሚ ውድቀት እያ (18)

  • ሸያብ ጸጕሪ፡ ዘውዲ ጽባቐ እዩ (31)

16  ሰብ ሓሳባት ልቡ የዳሉ፣*እቲ ዚህቦ ምላሽ* ግና ካብ የሆዋ እዩ።+  2  ሰብሲ ዅሉ መገድታቱ ቕኑዕ* ይመስሎ፣+የሆዋ ግና ውሽጣዊ ድራኸታት* ይምርምር።+  3  እትገብሮ ዘበለ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ፣*+ውጥናትካ እውን ኪዕወት እዩ።  4  የሆዋስ ኵሉ ንዕላማኡ ገበሮ፣እወ፡ ንእኩይ እኳ ንመዓልቲ ጥፍኣት ገበሮ።+  5  ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዅሉ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ።+ ከይተቐጽዐ ኸም ዘይተርፍ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።*  6  ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕርን ብተኣማንነትን፡ ስሕተት ብዕርቂ ይኽደን፣+ንየሆዋ ምፍራህ ከኣ ካብ ክፉእ የርሕቕ።+  7  የሆዋ ብመገድታት ሰብ ባህ ምስ ዚብሎ፡ንጸላእቱ እኳ ምስኡ ሰላም የግብሮም።+  8  ካብ ብዙሕ እቶት ብዘይ ፍትሕስ፡ሒደት ምስ ጽድቂ ይሓይሽ።+  9  ሰብ ብልቡ መገዱ ይሓስብ ይኸውን፣ስጕምትታቱ ዜቕንዐን ግና የሆዋ እዩ።+ 10  ውሳነ ኣምላኽ ኣብ ከናፍር ንጉስ ኪህሉ ይግባእ፣+ኣብ ፍትሒ ኸቶ ዘይእሙን ኪኸውን የብሉን።+ 11  ቅኑዕ መምዘንን ሚዛንን ካብ የሆዋ እዩ፣ኵሉ እቲ ኣብ ከረጺት ዘሎ መምዘኒ፡ ተግባሩ እዩ።+ 12  ዝፋን ብጽድቂ እዩ ዚጸንዕ እሞ፡+እኩይ ተግባራት ኣብ ነገስታት ፍንፉን እዩ።+ 13  ዘረባ ጽድቂ ንነገስታት ባህ የብሎም። ብቕንዕና ዚዛረብ እውን የፍቅሩ።+ 14  ነድሪ ንጉስሲ ኸም ልኡኽ ሞት እዩ፣+ጥበበኛ ሰብ ግና የህድኦ።*+ 15  ኣብ ብርሃን ገጽ ንጉስ፡ ህይወት ኣሎ፣ሞገሱ ኸኣ ከም ደበና ዝናም ጽብሓት እዩ።+ 16  ምጥራይ ጥበብሲ ኻብ ወርቂ ኽንደይ ኰን ይበልጽ!+ምጥራይ ኣእምሮ ድማ ካብ ብሩር ይሕረ።+ 17  ጐደና ቕኑዓት ካብ ክፉእ ትርሕቕ። ንመገዱ ዚሕልዋ፡ ንህይወቱ* የዕቍባ።+ 18  ትምክሕቲ ቕድሚ ውድቀት እያ፣መንፈስ ትዕቢት ከኣ ቅድሚ ምዕንቃፍ እዩ።+ 19  ምስ ዕቡያት ምርኮ ኻብ ምምቓልሲ፡ኣብ መንጎ ዓቃላት፡* ትሑት* ምዃን ይሓይሽ።+ 20  እቲ ኣብ ነገር ልቦና ዜርኢ፡ ኣሳልጦ* ይረክብ፣ብየሆዋ ዚእመን* ድማ ሕጉስ እዩ። 21  ጥበበኛ ዝልቡ ብዓል ኣእምሮ ይብሃል፣+ጥዑም ዝዘረባኡ* ዜእምን እዩ።+ 22  ልቦና ንዚውንኖ ምንጪ ህይወት እዩ፣ዓያሹ ግና ብዕሽነቶም ይግሰጹ። 23  ልቢ ጥበበኛ ንኣፉ ልቦና ይህቦ፣+ንዘረባኡ ኸኣ ዜእምን ይገብሮ። 24  ባህ ዜብል ቃላት ኣብ ጎጎኡ ዘሎ መዓር እዩ፣ንነፍሲ* ጥዑም፡ ንኣዕጽምቲ ድማ ፈውሲ እዩ።+ 25  ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፣ኣብ መወዳእታ ግና ናብ ሞት ትመርሕ።+ 26  ሸቃሊ ብጥሜቱ* ይግደድ እዩ እሞ፡ሸውሃቱ* ኸም ዚጽዕር ይገብሮ።+ 27  ዘይጠቅም ሰብ ክፍኣት ይዅዕት፣+ዘረባኡ ኸም ዜሕርር ሓዊ እዩ።+ 28  መሸገሪ* የባእስ፣+ሓማዪ ኸኣ ንናይ ቀረባ ፈተውቲ ይፈላሊ።+ 29  ዓማጺ ሰብ ንብጻዩ የስሕቶ፣ናብ ጌጋ መገዲ ድማ ይመርሖ። 30  ጕድኣት ኪሓስብ ከሎ፡ ዓይኑ ይጸቅጥ። ክፍኣቱ ኺፍጽም ከሎ፡ ከናፍሩ ይርምጥጥ። 31  ብመገዲ ጽድቂ ኺርከብ ከሎስ፡+ሸያብ ጸጕሪ፡ ዘውዲ ጽባቐ* እዩ።+ 32  ንቝጥዓ ደንጓዪ፡+ ካብ ጅግና፡ስምዒቱ ዚቈጻጸር* ድማ፡ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ይበልጽ።+ 33  ዕጫ ናብ ሕቝፊ ይወድቕ፣+ኵሉ እቲ ብእኡ ዚውሰን ውሳነ ግና ካብ የሆዋ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቅኑዕ ምላሽ።” ቃ.ቃ.፡ “ምላሽ ልሳን።”
ቃ.ቃ.፡ “ምስንዳው ልቢ ናይ ሰብ እዩ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንጹህ።”
ቃ.ቃ.፡ “መናፍስቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ናብ የሆዋ ኣንከባልሎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢድ ንኢድ፡ ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን እዩ።”
ወይ፡ “ብኣጋኡ የህድኦ።”
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “ትሑታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ትሑት ዝመንፈሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጽቡቕ።”
ወይ፡ “ዚውከል።”
ቃ.ቃ.፡ “ጣዕሚ ኸናፍር።”
ወይ፡ “ንመቐረት።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ብኣፉ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ወይ፡ “ተንኰለኛ።”
ወይ፡ “ኽብሪ።”
ቃ.ቃ.፡ “መንፈሱ ዚገዝእ።”