እዮብ 33:1-33
33 “ሕጂ ግና፡ ኦ እዮብ፡ ዘረባይ ስማዕ፣ንዅሉ እቲ ዝብሎ ድማ ጽን በል።
2 በጃኻ እሞ ርአ! ኣፈይ ክኸፍት እየ፣ልሳነይ* እውን ክትዛረብ እያ።
3 ቃላተይ ካብ ቅንዕና ልበይ እዩ ዚመጽእ፣+ከናፍረይ ከኣ ዝፈልጦ እየን ብቕንዕና ዚነግራ።
4 መንፈስ ኣምላኽ እዩ ገይሩኒ፣+ትንፋስ እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ እዩ ህያው ገይሩኒ።+
5 እንተ ኽኢልካስ መልሰለይ፣ኣብ ቅድመይ ቌምካ መጐተኻ ኣቕርብ።
6 እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከማኻ እየ፣ኣነ እውን ካብ መሬት እየ ተቐሪጸ።+
7 ስለዚ፡ ንዓይ ፈሪህካ ኽትሽበር የብልካን፣ካባይ ዚመጽእ ጸቕጢ እውን ኪኸብደካ የብሉን።
8 ግናኸ፡ እናሰማዕኩኻ ኸምዚ ኢልካ፡እወ፡ እዚ ቓላት እዚ ሰሚዐ እየ፦
9 ‘ኣነ ንጹህ ብዘይ ኣበሳ እየ፣+ጽሩይ ብዘይ ሓጢኣት እየ።+
10 ኣምላኽ ግና ንምጽራረይ ምኽንያት ይረክብ፣ከም ጸላኢኡ እውን ይርእየኒ።+
11 ንኣእጋረይ ኣብ ጕንዲ የእትወን፣ንዅለን መገድታተይ ከኣ ይቋመተን።’+
12 እዚ ብምባልካስ ቅኑዕ ኣይኰንካን እሞ፡ ክምልሰልካ እየ፦
ኣምላኽ ካብ መዋቲ ሰብ ኣጸቢቑ ይዓቢ እዩ።+
13 ስለምንታይ ኢኻ እተማርሮ፧+
ንዘረባኻ ስለ ዘይመለሰልካ ዲኻ፧+
14 ኣምላኽሲ ሓንሳእ፡ ክልተ ሳዕ ይዛረብ፣ዜቕልብ ግና የልቦን።
15 ብሕልሚ፡ ብራእይ ለይቲ፡+ሰባት ከቢድ ድቃስ ምስ ደቀሱ፡ኣብ ዓራቶም እውን ምስ ደቀሱ፡ ይዛረብ።
16 ሽዑ፡ ንኣእዛኖም ቀሊዑ፡+ትምህርቱ ይቐርጸሎም፣*
17 ንሰብ ካብ ክፉእ ግብሩ ኺመልሶ፡+ካብ ትዕቢት ኪስውሮ ይዛረብ።+
18 ኣምላኽ ንነፍሱ* ኻብ ጕድጓድ፡*+ንህይወቱ ድማ ብሰይፊ* ኸይትጠፍእ ይባልሃ።
19 ሰብ ኣብ ዓራቱ ብስቓይንብቐጻሊ ጭንቂ ኣዕጽምቱን እውን ይግናሕ።
20 ሽዑ፡ ህይወቱ ንእንጌራ፡ነፍሱ እውን ንጥዑም ምግቢ ትፍንፍኖ።+
21 ዘይርአ ኽሳዕ ዚኸውን ስጋኡ ይምህምን፣እቲ ሕቡእ ዝነበረ ኣዕጽምቱ ይወጽእ።*
22 ነፍሱ* ናብ ጕድጓድ፡*ህይወቱ እውን ናብ ቀተልቲ ትቐርብ።
23 ንሰብ ቅኑዕ ዘበለ ዚነግሮ፡እተላእከሉ ልኡኽ፡*ካብ ሽሕሲ ሓደ ጠበቓ እንተ ዚህሉ፡
24 ሽዑ፡ ኣምላኽ ሞገሱ የርእዮ እሞ፡‘ናብ ጕድጓድ* ካብ ምውራድ ይድሓን!+
በጃ ረኺበ ኣለኹ!+
25 ስጋኡ ኻብ ናይ መንእሰይ ይለምልም፣*+ናብ መዓልትታት ንእስነቱ ይመለስ’ ይብል።+
26 ንኣምላኽ ኪልምኖ እሞ፡+ ንሱ ኪቕበሎ፡ንሱ ኸኣ ገጹ ብእልልታ ኺርእዮ፡ጽድቁ ድማ ናብቲ መዋቲ ሰብ ኪመልስ እዩ።
27 እቲ ሰብ እቲ ንሰባት ከምዚ ይብሎም፦*
‘ሓጢአ፡+ ቅኑዕ ዘበለ እውን ኣቕኒነ፣ዚግብኣኒ ግና ኣይረኸብኩን።*
28 ንሱ ንነፍሰይ* ናብ ጕድጓድ* ከይትኸይድ ተበጅይዋ፣+ህይወተይ ከኣ ብርሃን ክትርኢ እያ።’
29 እወ፡ ኣምላኽ ንሰብ እዚ ዅሉ፡ክልተ ሳዕ፡ ሰለስተ ሳዕ ይገብረሉ።
30 ካብ ጕድጓድ* ኪመልሶ፡*ብብርሃን ህይወት ኪበርሃሉ ኢሉ ኸምኡ ይገብረሉ።+
31 ኦ እዮብ፡ ኣቕልብ! ስምዓኒ!
ስቕ በል እሞ፡ ክዛረብ።
32 እትብሎ እንተ ኣልዩካ፡ መልሰለይ።
ቅኑዕ ምዃንካ ኸረጋግጽ እደሊ እየ እሞ፡ ተዛረብ።
33 እትብሎ እንተ ዘይብልካ ግና፡ ስምዓኒ፣ስቕ በል እሞ፡ ክምህረካ።”
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ልሳነይ ምስ ትንሓገይ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ይሓትመሎም።”
^ ወይ፡ “ብኣጽዋር (ብተወርዋሪ)።”
^ ወይ፡ “መቓብር።”
^ ወይ፡ “ንህይወቱ።”
^ ወይ፡ “ይግየጽ።”
^ ወይ፡ “ህይወቱ።”
^ ወይ፡ “መቓብር።”
^ ወይ፡ “መልኣኽ።”
^ ወይ፡ “መቓብር።”
^ ወይ፡ “ይጥዐ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ይዝምረሎም።”
^ ወይ፡ “ግናኸ፡ ኣይጠቐመንን” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ንህይወተይ።”
^ ወይ፡ “መቓብር።”
^ ወይ፡ “መቓብር።”
^ ወይ፡ “ንነፍሱ ኺመልሳ።”