ዘዳግም 29:1-29

  • ኣብ ሞኣብ ምስ እስራኤል እተኣትወ ኺዳን (1-13)

  • ዘይእዙዛት ከይኰኑ እተዋህበ መጠንቀቕታ (14-29)

    • ስዉር ነገር፡ ግሉጽ ነገር (29)

29  እቲ የሆዋ ብዘይካ እቲ ኣብ ሆሬብ ዝኣተዎ ኺዳን፡ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ንሙሴ ምስ እስራኤላውያን ኪኣቱ ዝኣዘዞ ቓላት ኪዳን እዚ እዩ።+ 2  ሙሴ ኸኣ ንብዘለዉ እስራኤል ጸዊዑ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኵሉ እቲ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ኣብ ምድሪ ግብጺ ንፈርኦንን ንዅሎም ገላዉኡን ንዅላ ምድሩን ዝገበሮ ርኢኹም ኢኹም፣+ 3  እቲ ኣዒንትኹም ዝረኣያኦ ዓበይቲ ፍርድታት፡* እቲ ዓበይቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን እውን ርኢኹም ኢኹም።+ 4  ግናኸ፡ የሆዋ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ልቢ ንምርዳእ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ፡ ኣእዛን ከኣ ንምስማዕ ኣይሃበኩምን።+ 5  ‘40 ዓመት ኣብ በረኻ ኽመርሓኩም ከለኹ፡+ ክዳውንትኹም ኣብ ዝባንኩም ኣይበለየን፡ ኣሳእንኩም ድማ ኣብ ኣእጋርኩም ኣይበለየን።+ 6  ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ እንጌራ ኣይበላዕኩምን፡ ወይንን ኣልኮላዊ መስተን ከኣ ኣይሰተኹምን።’ 7  ናብዛ ቦታ እዚኣ ድማ መጻእኩም፣ ሲሆን ንጉስ ሔስቦንን+ ዖግ ንጉስ ባሳንን+ ከኣ ብውግእ ኪቀባበሉና ወጹ፣ ንሕና ድማ ሰዓርናዮም።+ 8  ድሕሪኡ፡ ምድሮም ወሰድና፡ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፍርቂ ነገድ ምናስያውያንን ንርስቲ ሃብናዮም።+ 9  እምበኣር፡ እትገብርዎ ዅሉ ምእንቲ ኺሰልጠኩም፡ ንቓላት እዚ ኺዳን እዚ ሓልውዎን ተኣዘዝዎን።+ 10  “ሎሚ፡ ኵላትኩም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም ዘለኹም፡ ማለት ርእስታት ነገዳትኩም፡ ዓበይትኹም፡ ኣሕሉቕኩም፡ ኵሎም ሰብኡት እስራኤል፡ 11  ደቅኹም፡ ኣንስትኹም፡+ ኣብ ማእከል ሰፈርካ ዘሎ ጓናኻ፡+ ካብ ኣራይ ዕንጨይቲ ኽሳዕ ወራድ ማይ፡ 12  ናብቲ የሆዋ ኣምላኽካ ሎሚ ምሳኻ ዚኣትዎ ዘሎ ኺዳን የሆዋ ኣምላኽካን ናብ ማሕላኡን ምእንቲ ኽትኣቱ እዩ፣+ 13  ከምቲ ዘተስፈወካ፡ ንኣቦታትካ ኣብርሃምን+ ይስሃቅን+ ያእቆብን+ ከኣ ዝመሓለሎም፡ ሎሚ ንዓኻ ህዝቡ ገይሩ ምእንቲ ኬቝመካ፡+ ንሱ ድማ ኣምላኽካ ምእንቲ ኪኸውን+ እውን እዩ። 14  “እዚ ኺዳን እዝን እዚ ማሕላ እዝን ዝገብር ዘለኹ፡ ምሳኻትኩም ጥራይ ዘይኰነስ፡ 15  ምስዞም ሎሚ ምሳና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽና ደው ኢሎም ዘለዉን ምስቶም ሎሚ ምሳና ዘየለዉን እውን እየ። 16  (ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸመይ ንነብር ከም ዝነበርናን ኣብ ጕዕዞና ብማእከል እተፈላለዩ ኣህዛብ ከመይ ከም ዝሓለፍናንሲ፡ ንስኻትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም።+ 17  እቲ ፍንፉን ነገራቶምን እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ጽዩፍ ጣኦታት*+ ዕንጨይትን እምንን ብሩርን ወርቅን ከኣ ትርእዩ ነበርኩም።) 18  ሎሚ ልቡ ኻብ የሆዋ ኣምላኽና መሊሱ ንኣማልኽቲ እቶም ኣህዛብ እቲኦም ኬገልግል ዚኸይድ ሰብኣይ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ዓሌት፡ ወይ ነገድ ከይህልወኩም፡+ ኣብ መንጎኹም መርዛም ፍረን ምረትን ዜፍሪ ሱር ድማ ከይርከበኩም ተጠንቀቑ።+ 19  “ግናኸ፡ ሓደ ሰብ ቃላት እዚ ማሕላ እዚ እንተ ሰሚዑ እሞ፡ ኣብ መገዱ ዘሎ ዅሉ* ኼጥፍእሲ፡ ‘ብመገድታት ልበይ ተሪረ እኳ እንተ ተመላለስኩ፡ ሰላም ክረክብ እየ’ ኢሉ ብልቡ እንተ ተመኪሑ፡ 20  የሆዋ ይቕረ ኺብለሉ ፍቓደኛ ኣይኪኸውንን እዩ።+ ኣብ ክንዳኡስ፡ ዓብዪ ቝጥዓ የሆዋ ኣብቲ ሰብ እቲ ኺነድድ፡ ብዘሎ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ መርገም ከኣ ብርግጽ ኪወርዶ፡+ የሆዋ ድማ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማያት ብርግጽ ኪድምስሶ እዩ። 21  የሆዋ ኸኣ ከምቲ ኣብዛ መጽሓፍ ሕጊ እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ መርገም ኪዳን፡ ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ንመዓት ኪፈልዮ እዩ። 22  “ናይ መጻኢ ወለዶ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸ ጓናን ነቲ መዓት እታ ምድሪ እቲኣ፡ እቲ የሆዋ ኣብኣ ዜምጽኦ ሕማማት ምስ ረኣዩ፡— 23  ከምቲ የሆዋ ብዅራኡን ብቝጥዓኡን ዝገልበጠን ምግልባጥ ሶዶምን ጎሞራን+ ኣድማን ጸቦኢምን+ ከኣ፡ ብዘላ እታ ምድሪ ኸይትዝራእን ከይተብቍልን ዝዀነ ኣትክልቲ ኣብኣ ኸይዓብን፡ ኣብኣ ዜምጽኦ ዲንን ጨውን ንዳድን ምስ ረኣዩ፡— 24  ንሳቶምን ኵሎም ኣህዛብን፡ ‘ስለምንታይ እዩ የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸምዚ ዝገበራ፧+ ስለምንታይከ እዩ እዚ ዓብዪ ቝጥዓኡ ዝነደደ፧’ ኪብሉ እዮም። 25  ሽዑ፡ ከምዚ ኺብሉ እዮም፦ ‘ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም ምሳታቶም ዝኣተዎ ኺዳን የሆዋ ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደጉ እዩ።+ 26  ከይዶም ከኣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዘይፈልጥዎምን ኬምልኽዎም ንዘይፈቐደሎምን* ኣማልኽቲ፡ ኣገልገሉን ሰገዱሎምን።+ 27  እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እተጻሕፈ ብዘሎ መርገም ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብምውራድ ድማ፡ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኣብኣ መጸ።+ 28  ስለዚ፡ የሆዋ ብዅራኡን ብነድሩን ብዓብዪ ቝጥዓኡን ካብ ምድሮም ምሕዩ፡+ ናብቲ ሎሚ ዘለውዎ ኻልእ ምድሪ ኣግዓዞም።’+ 29  “እቲ ስዉር ነገር ናይ የሆዋ ኣምላኽና እዩ፣+ እቲ ግሉጽ ነገር ግና፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ምእንቲ ኽንገብሮ፡ ንዘለኣለም ናትናን ናይ ደቅናን እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ፈተናታት።”
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
ቃ.ቃ.፡ “ርዉይን ጽሙእን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንዘይመቐሎምን።”