ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 28

መዝሙር 123 ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብተኣማንነት ንገዛእ

ንሓቂ ተለልያዶ፧

ንሓቂ ተለልያዶ፧

“ሕቘኹም ብዕጣቕ ሓቂ ተዓጢቕኩም፡ . . . ጸኒዕኩም ቁሙ።”ኤፌ. 6:14

ኣትኵሮ

ኣብ መንጎ እቲ ኻብ የሆዋ እተምሃርናዮ ሓቅን ሰይጣን ምስ ተጻረርትና ዀይኑ ዚነዝሖ ሓሶትን ዘሎ ፍልልይ ብኸመይ ከም እነለሊ ምፍላጥ።

1. ብዛዕባ ሓቂ እንታይ ይስምዓካ፧

 ህዝቢ የሆዋ ነታ ኣብ ቃል ኣምላኽ እትርከብ ሓቂ ይፈትውዋ እዮም። እምነትና ኣብታ ሓቂ እቲኣ እያ ተሃኒጻ። (ሮሜ 10:17) የሆዋ ንክርስትያናዊት ጉባኤ “ናይታ ሓቂ ዓንድን ደገፍን” ገይሩ ኸም ዘቘማ ንኣምን ኢና። (1 ጢሞ. 3:15) እቶም ‘ዚመርሑና’ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኺገልጹልናን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ መምርሒ ኺህቡናን ከለዉ ድማ፡ ተሓጒስና ንግዝኦም ኢና።—እብ. 13:17

2. ብመሰረት ያእቆብ 5:19፡ ሓቂ ድሕሪ ምፍላጥና እንታይ ሓደጋ እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧

2 ይኹን እምበር፡ ሓቂ ድሕሪ ምቕባልና፡ ነቲ ኻብ ውድብ ኣምላኽ ዚውሃበና ዜተኣማመን መምርሒ ኽንስዕብ ከም ዘሎና እውን ኣሚንና ድሕሪ ምቕባልና፡ ክንስሕት ንኽእል ኢና። (ያእቆብ 5:19 ኣንብብ።) ሰይጣን ከኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ነቲ ውድብ ኣምላኽ ኣብ እትህቦ መምርሒ ዘሎና እምነት ኬጥፍእ ይደሊ እዩ።—ኤፌ. 4:14

3. ንሓቂ ኣጽኒዕና ኽንሕዛ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ኤፌሶን 6:13, 14)

3 ኤፌሶን 6:13, 14 ኣንብብ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ድያብሎስ ብፕሮፓጋንዳ ገይሩ ንኣህዛብ ኬስሕቶም፡ ኣንጻር የሆዋ ኸም ዚቘሙ እውን ኪገብሮም እዩ። (ራእ. 16:13, 14) ነቲ ንህዝቢ የሆዋ ንምስሓት ዚገብሮ ጻዕሪ እውን ኬጻዕጽዖ ኢና እንጽበ። (ራእ. 12:9) ስለዚ፡ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘሎ ፍልልይ ናይ ምልላይ ክእለትና ኸነሰልጥን፡ ንሓቂ እውን እዙዛት ክንከውን ኣሎና። (ሮሜ 6:17፣ 1 ጴጥ. 1:22) ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ንምድሓን ዘሎና ተኽእሎ፡ ኣብኡ እዩ ዚምርኰስ!

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

4 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንምልላይን ነቲ ኻብ ውድብ ኣምላኽ ዚመጽእ መምርሒ ንምቕባልን ዜድልየና ኽልተ ባህርያት ክንምርምር ኢና። ድሕሪኡ፡ ሓቂ ኣጽኒዕና ሒዝና ንምምልላስ ዚሕግዘና ሰለስተ ነገራት ክንርኢ ኢና።

ንሓቂ ንምልላይ ዜድሊ ባህርያት

5. ፍርሃት የሆዋ ንሓቂ ኸነለልያ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

5 ፍርሃት የሆዋ። ግቡእ ፍርሃት የሆዋ እንተ ኣማዕቢልና፡ ንዕኡ ፍቕሪ ስለ እነማዕብል፡ ከነጕህዮ ኣይንደልን ኢና። ስምረት የሆዋ ንምርካብ ከኣ፡ ኣብ መንጎ ቕኑዕን ጌጋን፡ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘሎ ፍልልይ ናይ ምፍላጥ ድሌት ነሕድር ኢና። (ምሳ. 2:3-6፣ እብ. 5:14) መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ንሰባት ዜሐጕሶም ነገር፡ ንየሆዋ ስለ ዜጕህዮ፡ ፍርሂ ሰብ ካብ ፍቕሪ የሆዋ ኺዓዝዝ ከቶ ኣይንፍቀድ።

6. ፍርሂ ሰብ ነቶም ዓሰርተ ሹማምንቲ፡ ሓቂ ኸም ዚጠውዩ ዝገበሮም ብኸመይ እዩ፧

6 ንሰባት ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ እንተ ፈሪህናዮም፡ ካብ ሓቂ ኽንስሕት ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ እቶም ናብ ምድሪ ተስፋ ሰለይቲ ዀይኖም እተላእኩ 12 ሹማምንቲ እንታይ ከም ዝገበሩ እስከ ንርአ። ዓሰርተ ኻብቶም ሰለይቲ፡ ንከነኣናውያን ካብ የሆዋ ንላዕሊ ፈርህዎም። ንእስራኤላውያን ከኣ፡ “እቶም ህዝቢ ኻባና ይሕይሉ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ክንድይብ ኣይንኽእልን ኢና” በልዎም። (ዘሁ. 13:27-31) ብሰብኣዊ ዓይኒ ኺርአ ኸሎ፡ እቶም ከነኣናውያን ካብ እስራኤላውያን ይሕይሉ ነይሮም እዮም፣ እዚ ዚከሓድ ኣይኰነን። እስራኤላውያን ንጸላእቶም ኪስዕርዎም ከም ዘይክእሉ ጌርካ ምድምዳም ግና፡ ንየሆዋ ዝረስዐ ኣረኣእያ እዩ። እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ኣብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ኪገብርዎ ዚደልዮም ነገራት ኬተኵሩ ነይርዎም። ቅድሚ ሓጺር ግዜ፡ እንታይ ከም ዝገበረሎም ኬስተንትኑ ነይርዎም። ከምኡ እንተ ዚገብሩ ነይሮም፡ ብርታዐ ከነኣናውያን ምስቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኺነጻጸር ከሎ፡ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይረብሕ መስተውዓሉ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እያሱን ካሌብን ዘይከምቶም ዘይኣምኑ ሰለይቲ፡ ስምረት የሆዋ ኺረኽቡ ደለዩ። ነቲ ህዝቢ ድማ፡ “የሆዋ ብኣና ባህ እንተ ኢልዎስ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ . . . ብርግጽ ኬእትወና፡ ንዓና እውን ኪህበና እዩ” በልዎ።—ዘሁ. 14:6-9

7. ከመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ዘሎና ፍርሃት ከነሐይል እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

7 ንየሆዋ ዘሎና ፍርሃት ንምሕያል፡ ኣብ ኵሉ ውሳነና ንዕኡ ባህ ኣብ ምባል ከነተኵር ኣሎና። (መዝ. 16:8) ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ‘ኣብዚ ዅነታት እዚ እንተ ዝኸውን፡ እንታይ ውሳነ ምገበርኩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ንኣብነት፡ እቶም ዓሰርተ ሹማምንቲ እስራኤል ኣሉታዊ ወረ ኼምጽኡ ኸለዉ ትሰምዕ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። ነቲ ወረ እቲ ኣሚንካ ብፍርሂ ሰብ ምተሰነፍካዶ፡ ወይስ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕርን ንዕኡ ባህ ንምባል ዘሎካ ድሌትን ምሰዓረ፧ ብዘሎ እቲ ወለዶ እስራኤላውያን ነቲ እያሱን ካሌብን እተዛረብዎ ሓቂ ኣየለለዮን። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ንምእታው ዝነበሮ ኣጋጣሚ ኣምለጦ።—ዘሁ. 14:10, 22, 23

ንመን ምኣመንካ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 7 ርአ)


8. እንታይ ባህርይ ንምምዕባል ኢና ኽንጽዕር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

8 ትሕትና። የሆዋ ንትሑታት እዩ ሓቂ ዚገልጸሎም። (ማቴ. 11:25) ሓቂ ምእንቲ ኽንምሃር፡ ዚውሃበና ሓገዝ ብትሕትና ኽንቕበል ኣሎና። (ግብ. 8:30, 31) ብዘይካዚ ድማ፡ ከይንዕበ እውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። ትዕቢት እንተ ኣሕዲርና፡ ንናይ ውልቅና ርእይቶ ማዕረ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታትን ካብ ውድብ የሆዋ ዚመጽእ መምርሕን ክንሰርዖ ንኽእል ኢና።

9. ከመይ ጌርና ኢና ትሕትናና ዓቂብና ኽንመላለስ እንኽእል፧

9 ትሕትናና ንምዕቃብ፡ ንሕና ምስ ዕቤት የሆዋ ኽንነጻጸር ከለና ንኣሽቱ ኸም ዝዀንና ኽንርስዕ የብልናን። (መዝ. 8:3, 4) ትሑታትን ትምህርቲ ንምቕሳም ፍቓደኛታትን ምእንቲ ኽንከውን እውን፡ ክንጽሊ ንኽእል ኢና። የሆዋ ነቲ ብቓሉን ብውድቡን ኣቢሉ ዚህበና ሓሳባቱ ኻብ ሓሳባትና ንላዕሊ ኽብ ከነብሎ ኺሕግዘና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ የሆዋ ትሕትና ኸም ዚፈቱ፡ ትዕቢትን ትምክሕትን እውን ከም ዚጸልእ ዚሕብር ነጥብታት ኣናዲ። ምርኡይ ዚገብረካ ሓላፍነት እንተ ተዋሂቡካ ኸኣ፡ ትሕትናኻ ዓቂብካ ንምምልላስ ብዝያዳ ጻዕሪ ግበር።

ንሓቂ ብኸመይ ኣጽኒዕና ኸም እንሕዝ

10. የሆዋ ንህዝቡ መምርሒ ንምሃብ ብመን እዩ ዚጥቀም ነይሩ፧

10 ኣብ ቲኦክራስያዊ መምርሒ እምንቶ ኣሕድር። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ የሆዋ ንህዝቡ መምርሒ ንምምሕልላፍ፡ ፈለማ ብሙሴ፡ ደሓር ድማ ብእያሱ ተጠቒሙ እዩ። (እያ. 1:16, 17) እስራኤላውያን ነዞም ሰባት እዚኦም ከም ተወከልቲ የሆዋ ኣምላኽ ገይሮም ኣብ ዝረኣዩሉ እዋን ተባሪኾም እዮም። ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ቈመት ከኣ፡ እቶም 12 ሃዋርያት መምርሒ ይህቡ ነበሩ። (ግብ. 8:14, 15) ድሕሪኡ፡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታት፡ ነቶም ሃዋርያት ተወሰኽዎም። እተን ጉባኤታት ነቲ ኻብቶም እሙናት ሰባት ዚመጽእ መምርሒ ይስዕባ ስለ ዝነበራ፡ “ብእምነት ይጸንዓ፡ መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብቝጽሪ ይውስኻ ነበራ።” (ግብ. 16:4, 5) ኣብዚ ግዜና እውን፡ ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚመጽእ ቲኦክራስያዊ መምርሒ ኽንስዕብ ከለና ንባረኽ ኢና። ግናኸ፡ ነቶም ብየሆዋ እተሸሙ ምቕባል እንተ ንኣቢ፡ የሆዋ ኸመይ ምተሰምዖ፧ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኣብ ዚጕዓዙሉ እዋን እንታይ ከም ዝዀነ ብምምርማር፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

11. እቶም ካብቲ ኺመርሕ ብኣምላኽ እተሸመ ሙሴ ዝዓለዉ ጥንታውያን እስራኤላውያን መወዳእታኦም እንታይ እዩ ዀይኑ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኣብ ዚጕዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ ምርኡያት ሰባት ንሙሴን ነቲ የሆዋ ንዕኡ ዝሃቦ ሓላፍነትን ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ ነበሩ። “[ሙሴ ጥራይ ዘይኰነስ] ብዘሎ እቲ ኣኼባ፡ ኵላቶም ቅዱሳት እዮም፡ የሆዋ ኸኣ ኣብ ማእከሎም እዩ” ኢሎም እውን ተዛረቡ። (ዘሁ. 16:1-3) ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ “ብዘሎ እቲ ኣኼባ” ቕዱስ ምዃኑ ሓቂ እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ንህዝቡ ኺመርሖም ሓርይዎ ነይሩ እዩ። (ዘሁ. 16:28) እቶም ዓለወኛታት ንሙሴ ኺነቕፍዎ ኸለዉ፡ ንየሆዋ እዮም ዚነቕፍዎ ነይሮም። ኣብቲ የሆዋ ዚደልዮ ኣየተኰሩን፣ ኣብቲ ንሳቶም ዚደልይዎ እዮም ኣተኲሮም። ዝያዳ ስልጣንን ተፈላጥነትን እዮም ደልዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ኣምላኽ ንመራሕቲ እቲ ዕልወት ወቕዖም፣ ምሳታቶም ንእተደናገጹ ኣሽሓት እውን ቀዘፎም። (ዘሁ. 16:30-35, 41, 49) ሎሚ እውን የሆዋ ነቶም ንውድባዊ ስርዓት ዚንዕቁ ሰባት ከም ዚቃወሞም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ንመን ምደገፍካ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)


12. ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ኽንዕቅብ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

12 ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ኽንዕቅብ ንኽእል ኢና። ኣብ ገሊኡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ኣወዳድባ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ምትዕርራይ ክንገብር ከም ዘሎና ንጹር ምስ ኰነ፡ እቶም ዚመርሑና ኣሕዋት ዜድሊ ለውጢ ኻብ ምግባር ኣየድሓርሕሩን እዮም። (ምሳ. 4:18) ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ንየሆዋ ባህ ኬብልዎ ስለ ዚደልዩ እዮም ከምኡ ዚገብሩ። ውሳነኦም ኣብቲ ዅሎም ህዝቢ የሆዋ ኺስዕብዎ ዚግባእ መለክዒ ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ንምስራት እውን ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም።

13. “መለክዒ እቲ ጥዑይ ቃል” እንታይ እዩ፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኣሎና፧

13 “እቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ መለክዒ እቲ ጥዑይ ቃል . . . ሓዞ።” (2 ጢሞ. 1:13) “መለክዒ እቲ ጥዑይ ቃል” ተባሂሉ ዘሎ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ክርስትያናዊ ትምህርትታት እዩ። (ዮሃ. 17:17) እዚ ትምህርትታት እዚ፡ ንዅሉ እቲ እንኣምነሉ ነገራት መሰረት ይዀኖ እዩ። ውድብ የሆዋ ነቲ መለክዒ እቲ ጠቢቕና ኽንስዕቦ ምሂራትና እያ። ከምኡ ኽሳዕ ዝገበርና፡ ክንባረኽ ኢና።

14. ገሊኦም ክርስትያናት ን“መለክዒ እቲ ጥዑይ ቃል” ኣጽኒዖም ዘይሓዙ ብኸመይ እዮም፧

14 ካብ “መለክዒ እቲ ጥዑይ ቃል” እንተ ኣላጊስና፡ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ መንጎ ገሊኦም ክርስትያናት፡ መዓልቲ የሆዋ መጺኣ ኸም ዘላ ወረ ይናፈስ ነበረ። ነዚ ወረ እዚ ዘጐሃሃረት ከኣ ብሃዋርያ ጳውሎስ ተጻሒፋ እትብሃል ነዚ እትድግፍ ደብዳበ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ገሊኦም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ግዜ ወሲዶም እቲ ሓቂ እንታይ ምዃኑ ኣብ ክንዲ ዜረጋግጹ፡ ከም ዘለዎ ነቲ ወረ ኣመንዎ፡ ኬናፍስዎ እውን ጀመሩ። ነቲ ጳውሎስ ምሳታቶም ከሎ ዝመሃሮም ትምህርቲ እንተ ዚዝክሩ ነይሮም ግና፡ በቲ ወረ ኣይምተዓሸዉን። (2 ተሰ. 2:1-5) ጳውሎስ ንኣሕዋቱ፡ ዝሰምዕዎ ዘበለ ዅሉ ኸይኣምኑ መኸሮም። ንመጻኢ ምእንቲ ኺሕግዞም ድማ፡ ነታ ናብ ተሰሎንቄ ዝለኣኻ ኻልአይቲ ደብዳበኡ፡ “እዛ ሰላምታ እዚኣ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ፣ እዚኣ ኣብ ኵለን ደብዳበታተይ ምልክት እያ፣ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ” ብዚብል ቃላት ዛዘማ።—2 ተሰ. 3:17

15. ሓቂ ኻብ ዚመስል ሓሶት ከመይ ጌርና ኢና ገዛእ ርእስና ኽንሕሉ እንኽእል፧ ኣብነት ሃብ። (ስእልታት እውን ርአ።)

15 ካብቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ዝጸሓፎ ቓላት እንታይ ንምሃር፧ ምስቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርናዮ ዘይሰማማዕ ነገር ወይ ልቢ ዚሰልብ ወረ እንተ ሰሚዕና፡ ከነስተውዕል ኣሎና። ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር፡ ጸላእትና ኻብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ተላኢኻ እተባህለት ደብዳበ ኣብ ኣሕዋት ከም እትዘውር ገበሩ። እታ ደብዳበ ኸኣ፡ ገሊኦም ኣሕዋት ብርእሳ እትምሓደር ውድብ ኬቝሙ እተተባብዕ እያ ነይራ። ናይ ሓቂ እያ እትመስል ነይራ። እሙናት ኣሕዋት ግና ኣይተዓሸዉን። እቲ ኣብታ ደብዳበ ዚርከብ መልእኽቲ ምስቲ ኣቐዲሞም እተማህርዎ ኸም ዘይሳነ ኣስተውዓሉ። ሎሚ፡ ሓድሓደ ግዜ ጸላእቲ ሓቂ ኼደናግሩናን ኪኸፋፍሉናን ኢሎም ዘመናዊ ተክኖሎጂ ይጥቀሙ እዮም። ‘ካብ ሓሳብና ቐልጢፍና ኣብ ክንዲ እንናወጽ፡’ እቲ ዝሰማዕናዮ ወይ ዘንበብናዮ ምስቲ ድሮ እንፈልጦ ሓቅታት ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ኣብ ግምት ብምእታው ገዛእ ርእስና ኽንሕሉ ንኽእል ኢና።—2 ተሰ. 2:2፣ 1 ዮሃ. 4:1

ሓቂ ብዚመስል ሓሶት ኣይትተዓሾ (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ) a


16. ብመሰረት ሮሜ 16:17, 18፡ ሓደ ሰብ ካብ ሓቂ እንተ ኣላጊሱ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

16 ምስቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ሰባት ዘሎካ ሓድነት ዓቅብ። ኣምላኽ ሓድነት ኣምልኾ ኺህልወና እዩ ዚደሊ። ናብ ሓቂ ኽሳዕ ዝለገብና፡ ሓድነትና ኽንዕቅብ ኢና። ካብ ሓቂ ዜላግሱ ዘበሉ፡ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ኽፍፍል ስለ ዚፈጥሩ፡ ኣምላኽ “ካባታቶም ርሓቑ” ኢሉ ኣጠንቂቑና ኣሎ። እንተ ዘይኰይኑ፡ ንሕና እውን ካብ ሓቂ ኽንርሕቕ ንኽእል ኢና።—ሮሜ 16:17, 18 ኣንብብ።

17. ንሓቂ ብምልላይን ኣጽኒዕና ብምሓዝን እንታይ ጥቕምታት ኢና እንረክብ፧

17 ንሓቂ እንተ ኣለሊናያን ኣጽኒዕና እንተ ሒዝናያን፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ደሓንን ጥዕናን ንረክብ ኢና። (ኤፌ. 4:15, 16) ካብ ናይ ሓሶት ትምህርትታትን ፕሮፓጋንዳን ሰይጣን ንሕሎ ኢና። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ድማ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት የሆዋ ዕቝባ ንረክብ ኢና። ስለዚ፡ ንሓቂ ኣጽኒዕና ንሓዛ፡ ‘ኣምላኽ ሰላም እውን ምሳና ኪኸውን እዩ።’—ፊል. 4:8, 9

መዝሙር 122 ጽኑዓት፡ ዘይትነቓነቑ ኹኑ!

a መግለጺ ስእሊ፦ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር ዝነበሩ ኣሕዋት ካብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዝመጸት እትመስል፡ ከም ሓቂ ግና ካብ ጸላእቲ እተላእከት ደብዳበ ምስ ተቐበሉ ዜርኢ ተዋስኦ። ኣብዚ ግዜና፡ ጸላእትና ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ዜታልል ሓበሬታ ብኢንተርነት ኪነዝሑ ይኽእሉ እዮም።