ሓበሬታ ንኣንበብቲ
ክቡር ኣንባቢ
ኣብዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ነዚ ዚስዕብ ንሓድሕዱ ዚዛመድ ሕቶታት ዚምልስ ሓሙሽተ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ቐሪቡ ኣሎ፦
ቀዳማይ፡ የሆዋ ንሰብኣውያን ደቁ፡ ምስ ሓጢኣት ኪቃለሱ ንምድጋፍ እንታይ እዩ ገይሩሎም፧
ካልኣይ፡ ናይ ሓቂ ንስሓ እንታይ ምዃኑ፡ የሆዋ ብኸመይ ምሂሩና፧ ንሓጥኣንከ ናብ ንስሓ ኺበጽሑ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧
ሳልሳይ፡ ጉባኤ ቈረንቶስ ነቲ ብፍታዉ ዝሓጥአን ዘይተነስሐን ሰብ ብኸመይ ክትሕዞ ኸም ዚግባእ እንታይ መምርሒ ተዋሂብዋ፧
ራብዓይ፡ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሽማግለታት ንኸቢድ ሓጢኣት ብኸመይ ኪሕዝዎ ይግባእ፧
ሓምሻይ፡ ሓደ ዘይንሳሕ ሓጥእ ካብ ጉባኤ ምስ ተወገደ፡ እታ ጉባኤ ኸመይ ገይራ እያ ብፍቕርን ብምሕረትን እትሕዞ፧