ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽሪ መጽናዕቲ

ቀንዲ ነጥብታት ከልስ

ቀንዲ ነጥብታት ከልስ

ነቲ ኸተጽንዖ ዝጸናሕካስ ሽዑ ንሽዑ ትርስዖ ዲኻ፧ ንዅላትና በብግዜኡ ኸምዚ የጋጥመና እዩ። እሞ ደኣ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ከልሶ።

ከተጽንዕ ከለኻ ኣብ መንጎ እናኣዕረፍካ ነቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ሓሳባት ኣስተብህለሉ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ነታ ደብዳበኡ ዜንብቡ ንምሕጋዝ፡ “ቀንዲ ነጥቢ እቲ እንብሎ ዘሎና ኸኣ እዚ እዩ” በለ። (እብ. 8:1) በዘን ቃላት እዚአን ኣቢሉ ኸኣ ሰማዕቱ ነቲ ዘምጽኦ ስነ መጐተ ኺከታተልዎን እቲ ነጥብታት ምስቲ ዘበገሶ ፍረ ነገር ከም ዚተኣሳሰር ኬስተውዕሉን ሓገዞም።

ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ናይቲ ዘንበብካዮ ምእንቲ ኽትዝክር፡ ኣብ መወዳእታ መጽናዕትኻ 10 ደቒቕ ኣቢሉ ዚኸውን ሓጺር ግዜ መድብ። ክትዝክሮ እንተ ዘይክኢልካ፡ ነቲ ንኡስ ኣርእስትታት ወይ ነቲ ኣብቲ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ናይ መጀመርታ ምሉእ ሓሳባት ብምንባብ ተዘክሮኻ ኸተበራብር ትኽእል ኢኻ። ሓድሽ ነገር እንተ ረኺብካ ኸኣ፡ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ቓላት ጌርካ ኽትገልጾ ፈትን። ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ምኽላስ፡ ነቲ ዘንበብካዮ ምእንቲ ኽትዝክር ጥራይ ኣይኰነን ዚሕግዘካ፡ እቲ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ህይወትካ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ እውን ብንጹር ኪርኣየካ ይጅምር እዩ።