መገዲ ሓጐስ
ነታ መገዲ ብኸመይ ትረኽባ፧
ሕጉስ ከም ዝዀንካ ጌርካ ዲኻ እትሓስብ፧ እንተ ዄንካ፡ እንታይ እዩ ዜሐጕሰካ፧ ስድራ ቤትካ ድዩ፡ ስራሕካ ድዩ፡ ወይስ ሃይማኖታዊ እምነትካ፧ ምናልባት ትምህርቲ ኸም ምውዳእ፡ ጽቡቕ ስራሕ ከም ምርካብ፡ ወይ ሓዳስ ማኪና ኸም ምዕዳግ ዝኣመሰለ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ እትረኽቦ ዜሐጕስ ነገር ተስፋ ጌርካ ትጽበ ትህሉ ትኸውን።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደ ሸቶ ኺበጽሑ ወይ ዚደልይዎ ነገር ኪረኽቡ ኸለዉ፡ እተወሰነ ሓጐስ ይረኽቡ እዮም። እቲ ሽዑ ዚስምዖም ሓጐስ ግና ክሳዕ ክንደይ እዩ ዚጸንሕ፧ መብዛሕትኡ እዋን፡ ግዜያዊ እዩ፣ እዚ ድማ ዜጕሂ እዩ።
ሓጐስ ሓንሳእ ተሰሚዑካ ቐልጢፉ ዚጠፍእ ስምዒት ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ንነባሪ ደስታ፡ ፍስሃ፡ ባህታ፡ ዕግበት እዩ ዜመልክት።
ሓጐስ ቀጻሊ ዚስምዓካ ባህታ ብምዃኑ እውን፡ ከም መዓልቦ ወይ ሸቶ ዘይኰነስ፡ ከም ጕዕዞ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ “ከምዚ ምስ ረኸብኩ፡ ክሕጐስ እየ” ዚብል ሰብ፡ ንሓጐሱ ‘ይሕደረለይ’ እዩ ዚብል ዘሎ።
ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፡ ንሓጐስ ምስ ጽቡቕ ጥዕና እስከ ነመሳስሎ። ከመይ ኢሉ እዩ ኣካላዊ ጥዕና ኺህልወና ዚኽእል፧ ጥዕና ምእንቲ ኺህልወና፡ ኣብ ኣመጋግባ ንጥንቀቕ፡ ምውስዋስ ኣካላት ንገብር፡ ኣብ ናብራ ህይወትና እውን ብጥበብ ንመላለስ ኢና። ብተመሳሳሊ እውን፡ ሓጐስ ምእንቲ ኺህልወና፡ ብሓደ መገዲ ኽንመላለስ ኣሎና ኺብሃል ይከኣል እዩ። ብጽቡቕ መገዲ ህይወት እንተ ተጓዒዝና፡ ማለት ምስ ጽቡቕ ስርዓታት ተሰማሚዕና ንነብር እንተ ዄንና ጥራይ ኢና ሓጐስ ኪህልወና ዚኽእል።
ኣብ መገዲ ሓጐስ ደኣ እሞ እንታይ ክንምርሓሉ ዚግባእ ስርዓታት ኣሎ፧ ገሊኡ ስርዓታት ካብ ካልእ ንላዕሊ ኣገዳስነት ዘለዎ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ዚስዕብ ግና ወሳኒ ግደ ኣለዎ፦
-
ዕግበትን ልግስን
-
ኣካላዊ ጥዕናን ተጻዋርነትን
-
ፍቕሪ
-
ይቕረታ
-
ዕላማ ዘለዎ ህይወት
-
ተስፋ
ሓደ ጥበብ ዝሓዘ ኣኽቢርካ ዚርአ መጽሓፍ፡ “ብመገዶም መንቅብ ዘይብሎም . . . ሕጉሳት እዮም” ይብል። (መዝሙር 119:1) ሕጂ፡ ነዚ እስከ ንመርምሮ።