ህውከት ዝመልኣ ዓለም
3 | ርክብካ ሓሉ
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ብሰንኪ ኣብ ዓለም ዘሎ ህውከት፡ ጭንቀት ይውስኽ እዩ ዘሎ። በዚ ኸምዚ፡ ብዙሓት ሰባት ምስ ካልኦት ዘለዎም ርክብ ምዕቃብ ይኸብዶም እዩ።
-
ሰባት ካብ ፈተውቶም ርእሶም የግልሉ።
-
ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ምቅዳዉ ይኸብዶም።
-
ወለዲ ንጭንቀት ደቆም ዕሽሽ ይብልዎ፡ ወይ ፈጺሞም ኣየቕልብሉን።
ክትፈልጦ ዘሎካ
-
ዕርክነት ንኣካላውን ንስምዒታውን ጥዕናኻ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣጸጋሚ ግዝያት።
-
ኣብዛ ዓለም ዘሎ ህውከት ዜስዕቦ ጭንቀት፡ ኣብ ናብራ ስድራ ቤትካ ዘይተጸበኻዮ ፈተና ኼምጽኣልካ ይኽእል እዩ።
-
ዚርብሽ ዜናታት ንደቅኻ ኻብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ኺጸልዎም ይኽእል እዩ።
ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17።
ብዛዕባ ኺሕግዘካን ግብራዊ ሓሳባት ኪህበካን ዚኽእል ሰብ ሕሰብ። መዓልታዊ ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ዚሓልየልካ ሰብ ከም ዘሎ ምፍላጥካ ነቲ ጸገም ክትጻወሮ ኼሐይለካ ይኽእል እዩ።