ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ቋንቋ ዚፈጥሮ ዕንቅፋት ምስጋሩ—ዕዮ ትርጉም ከመይ ይመስል፧

ቋንቋ ዚፈጥሮ ዕንቅፋት ምስጋሩ—ዕዮ ትርጉም ከመይ ይመስል፧

“ሓድሓደ ግዜ፡ ከም ዕዮ ትርጉም ገይሩ ዚኸብድ ዕዮ የለን ይብሃል እዩ።”—“ዘ ካምብሪጅ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ላንጔጅ።”

ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪትርጐም ቅድሚ ምጅማሩ፡ ብጥንቃቐ መደብ ይወጸሉን ምርምር ይግበረሉን ይጽሓፍን እዩ። ኣብ እዋን እዚ መስርሕ እዚ፡ እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዘሎ ኽፍሊ ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቲ ጽሑፍ ልክዕ ምዃኑን ብቕኑዕን ብዘመናውን ቋንቋ እተጻሕፈ እንተ ዀይኑን ብልዑል ጥንቃቐ ይከታተል። *

ብድሕርዚ፡ ክፍሊ ጽሕፈት ነቲ ጽሑፍ ናብተን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ብኣማእታት ዚቝጸራ ጕጅለታት ትርጉም ይልእኾ፣ መብዛሕትኦም ከኣ እቲ ዚትርጉምዎ ቛንቋ ኣብ ዚዝረበሉ ኸባቢ እዮም ዚነብሩን ዕዮኦም ዚገብሩን። ዚበዝሑ ኻባታቶም ናብ ቋንቋ ኣዲኦም እዮም ዚትርጉሙ። ንእንግሊዝኛን ንቛንቋ ኣዲኦምን ኣጸቢቖም ዚርድኡ ኪዀኑ ድማ ኣለዎም።

ተርጐምቲ ዕዮኦም ዚፍጽሙ ብኸመይ እዮም፧

ገራንት ዝስሙ ኣብ ብሪጣንያ ዚዓዪ ተርጓሚ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ምስ ጕጅለ ተርጐምቲ ስለ ዝዓዪ፡ ኣብ መንጎና ጽቡቕ ምትሕብባር ኪህሉ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ትርጉም ንዜጋጥመና በዳሂ ግድላት ሓቢርና ኢና መፍትሒ እንደልየሉ። ከምኡ ኽንገብር ከሎና፡ ኣብ ቃላት ዘይኰነስ ኣብ ጕጅለ ቓላት ኢና እነተኵር። ናይ ሓቂ ትርጉምን ዕላማን እቲ ጽሑፍ እንታይ ምዃኑ ተጠንቂቕና ንሓስበሉ፣ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ ንመን ተባሂላ ኸም እተጻሕፈት ድማ ንርእስና ብቐጻሊ ነዘኻኽራ ኢና።”

ከም ተርጐምቲ መጠን ሸቶኹም እንታይ እዩ፧

“ሸቶና፡ እቲ ኣንባቢ ነቲ እተተርጐመ ጽሑፍ ኬንብቦ ኸሎ፡ እቲ ጽሑፍ ብቛንቋ ኣዲኡ እተጻሕፈ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ንምግባር እዩ። ኪንበብ ከሎ ትርጉም ኪመስል የብሉን። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ ባህርያዊ ዝዀነ ቓላት ክንጥቀም ንጽዕር ኢና። በዚ መገዲ እዚ ኣቢልና ኣቓልቦ እቲ ኣንባባይ ንስሕብ፣ ንሱ ድማ ጥዑም ምግቢ የስተማቕር ከም ዘሎ ዀይኑ ንባቡ ይቕጽል።”

እቲ ቛንቋ ኣብ ዚዝረበሉ ኸባቢ ምንባር እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧

“ምስቶም ተዛረብቲ እቲ ቛንቋ ዝዀኑ ህዝቢ ስለ እንነብር፡ ንሳቶም ብዚርድእዎ መገዲ ኽንትርጉም ይሕግዘና እዩ። ኣብዚ ኣብ ወይልስ፡ መብዛሕትኦም ተዛረብቲ ወይልስኛ ብምዃኖም፡ እቲ ቛንቋ መዓልቲ መዓልቲ ኽዝረበሉ ንሰምዕ ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ገሊኡ ቓላትን መግለጺታትን፡ ባህርያውን ዚርዳእን ሰሓብን እንተ ዀይኑ ንምፍላጥ ኣብቲ ህዝቢ ኽንፍትኖ ንኽእል። እዚ ኸኣ ነቲ ትርጉም ብትኽክል ከነመሓላልፎ ይሕግዘና።”

ዕዮኹም ዚውደብ ብኸመይ እዩ፧

“ንነፍሲ ወከፍ ፕሮጀክት ሰለስተ ኣባላት ዝሓቘፈት ጕጅለ እዩ ዚምደበሉ። ፈለማ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጕጅለ፡ ነቲ ሓሳባት ምእንቲ ኺርድኦን ንመን ከም እተጻሕፈ ምእንቲ ኺፈልጥን ንመሰረታዊ ትሕዝቶኡ ምእንቲ ኺመምን ነቲ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ጽሑፍ የንብቦ። ንገዛእ ርእስና ድማ፡ ‘ፍረ ነገርን ዕላማን እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ እዩ፧ ካብኡኸ እንታይ ክመሃር እኽእል፧’ ብምባል ንሓትታ። ከምዚ ምግባርና ኣብ ትርጉም ኪሕግዘና ብዛዕባ ዚኽእል እተፈላለየ ነገራት ክንሓስብ ይሕግዘና።

“ቀጺሉ፡ ኣባላት እታ ጕጅለ ሓሳባቶም የካፍሉ፡ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኺምሃር ድማ ይኽእል። እቲ ጽሑፍ ኣጸቢቑ ተረዲኡና እንተ ዀይኑን ነቲ ሓሳባት ከምቲ ኣብቲ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ጽሑፍ ዘሎ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ጌርና ብኸመይ ከነመሓላልፎ ኸም እንኽእልን ንመያየጥ ኢና። ሸቶና፡ ነቲ ጽሑፍ ብኸምቲ እቲ ጸሓፊ ንልቢ ኣንበብቱ ኺትንክፍ ሓሊንዎ ዝነበረ መገዲ ጌርና ብምትርጓም ንልቢ ኣንበብትና ንምትንካፍ እዩ።”

ኣባላት እታ ጕጅለ ብምትሕብባር ዚዓይዩ ብኸመይ እዮም፧

“ሸቶና፡ ኣንበብቲ ነቲ ጽሑፍ ሓንሳእ ምስ ኣንበብዎ ጥራይ ከም ዚርድእዎ ጌርካ ምትርጓም እዩ። ነዚ ንምግባር፡ ንነፍሲ ወከፍ እተተርጐመት ሕጡብ ጽሑፍ ዓው ኢልናን ደጋጊምናን ነንብባ ኢና።

“እቲ ተርጓሚ፡ ንሓንቲ ሕጡብ ጽሑፍ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ቋንቋና ይትርጉማ፡ ነዚ ኸኣ ኣብ ኮምፕዩተርና ንርእዮ። ካብቲ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ጽሑፍ ዝዀነ ይኹን ሓሳብ ምእንቲ ኸይጐድል ወይ ምእንቲ ኸይውሰኽ፡ ነቲ እተተርጐመ ምስ እንግሊዝኛ ነነጻጽሮ። ብባህርያዊ መገድን ብቕኑዕ ፊደላትን ሰዋስውን ከም እተጻሕፈ ድማ ነረጋግጽ። ድሕርዚ፡ ሓደ ኻባና ነታ ሕጡብ ጽሑፍ ዓው ኢሉ የንብባ። ኬንብብ ከሎ ሰጋእ እንተ ኢሉ፡ እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ንሓስብ። እታ ዓንቀጽ ተተርጒማ ምስ ተወድአት፡ ሓደ ኻባና ዓው ኢሉ የንብባ፣ እቶም ዝተረፍና ኸኣ ምትዕርራይ ንዜድልዮ ቓላት ምልክት ንገብርን መዘኻኸሪ ንጽሕፍን።”

ከቢድ ዕዮ እዩ ዚመስል!

“እወ፡ ከቢድ እዩ! ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ ኸኣ ንደክም ኢና። ስለዚ፡ ግቡእ ዕረፍቲ ወሲድና ንጽባሒቱ ንግሆ ነቲ ጽሑፍ እንደገና ንርእዮ። ድሕሪ ገለ ሰሙናት፡ ክፍሊ ጽሕፈት ነቲ ኣብቲ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ጽሑፍ እተገብረ ናይ መወዳእታ ምትዕርራይ ይሰዱልና። ድሕርዚ፡ ብሓድሽ መንፈስ ነቲ እተተርጐመ ጽሑፍ ተመሊስና ነንብቦን ነጻፍፎን።”

እንታይ ናይ ኮምፕዩተር ንዋት ኢኹም እትጥቀሙ፧

“ኮምፕዩተር፡ ናይ ተርጐምቲ ስራሕ ኪሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገሊኡ ዕዮና ዜቕልሎ ናይ ኮምፕዩተር ንዋት ኣማዕቢሎም እዮም። ሓደ ኻብዚ ንዋት እዚ፡ ብቐጻሊ እንጥቀመሉ ቓላትን ሓረጋትን እንእክበሉ መዝገበ ቓላት እዩ። ካልእ ንዋት ከኣ ንኹሉ እቲ ብጕጅለና እተተርጐመ ጽሑፋት ምርምር ክንገብር የኽእለና፣ እዚ ድማ ነቲ ንምትርጓሙ ኣሸጋሪ ዝዀነ ቓላት ቅድሚ ሕጂ ብኸመይ ከም እተተርጐመ ንኽንፈልጥ ይሕግዘና።”

ንዕዮኹም ብኸመይ ኢኹም እትርእይዎ፧

“ዕዮና፡ ንህዝቢ ህያብ ከም ዝዀነ ጌርና ኢና እንርእዮ። ሰባት ባህ ኢልዎም ምእንቲ ኼንብብዎን ካብኡ ኺጥቀሙን ከኣ እቲ ዝበለጸ ዕዮ ኽንዓዪ ኢና እንደሊ። ሓንቲ ኣብ መጽሔት ወይ ኣብ ወብ ሳይትና እትወጽእ ዓንቀጽ፡ ንልቢ ሓደ ኣንባቢ ኽትትንክፍን ኣብ ህይወቱ ጽቡቕ ጽልዋ ኽትገብረሉን ከም እትኽእል ምፍላጥና የሐጕሰና እዩ።”

ነባሪ ጥቕሚ

ኣብ መላእ ዓለም፡ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቛንቋኦም ብምንባብ ይጥቀሙ ኣለዉ። እቲ ኣብ ጽሑፋቶምን ቪድዮታቶምን ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይቶምን ዚርከብ ግብራዊ ጥበብ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ። ከመይሲ፡ እቲ የሆዋ ዝስሙ ኣምላኽ ኣብዚ ቕዱስ መጽሓፍ እዚ፡ መልእኽቱ “ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን” ኪበጽሖም ከም ዚደሊ ነጊሩና እዩ።—ራእይ 14:6 *

^ ሕ.ጽ. 4 እቲ ጽሑፍ መጀመርታ ብእንግሊዝኛ እዩ ዚዳሎ።

^ ሕ.ጽ. 25 ብጽሑፍን ብድምጽን ብቪድዮን እተዳለወ ጽሑፋት ብቛንቋኻን ብኣማእታት ብዚቝጸር ካልእ ቋንቋታትን ኣብ www.mt1130.com ኣቲኻ ርአ።