ንቕሑ! ቍ. 3 2017 | መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂዶ ኻብ ኣምላኽ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧ ወይስ ምሉእ ብምሉእ ሓሳባት ሰባት ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ፧
እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዜብርህ ሰለስተ መርትዖ ተቕርብ።
ገበር
መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂዶ “ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ” እዩ፧
ገሊኦም መጽሓፍ ቅዱስ ብገለ መገዲ ምስ ኣምላኽ ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ይኣምኑ። ገሊኦም ከኣ ጥንታዊ ኣፈ ታሪኽ፡ ጽውጽዋይ፡ ታሪኽ፡ ከምኡ ድማ ብሰብ እተጻሕፈ ሕግታት ዝሓዘ መጽሓፍ ከም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ
ገበር
መጽሓፍ ቅዱስ—ብዅሉ መዳያት ልክዕ ዝዀነ መጽሓፍ
ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ብዛዕባ ባእታታት ፍጥረት ቅድሚ ምግላጾም ብዙሕ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ብልክዕ ገሊጹ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምትንሳእን ምውዳቕን ሃጸያት ተነብዩ፡ ንኣገደስቲ ሕቶታት ህይወት ከኣ ዜዕግብ መልሲ ይህብ እዩ።
ንስድራ ቤት
ኣገዳስነት ስራሕ ገዛ
ንደቅኹም ስራሕ ገዛ ኸይትህብዎም ተዕጠጥዩ ዲኹም፧ ተዕጠጥዩ እንተ ዄንኩም፡ ስራሕ ገዛ ንደቅኹም ብኸመይ ሓላፍነት ምስካም ከም ዚምህሮም፡ ሓጐስ ድማ ኸም ዜምጻኣሎም ርኣዩ።
ስርዓተ መትኒ መዓናጡ—“ካልኣይ ሓንጐል” ሰብነትካ
እዚ እተሓላለኸ ‘ከሚካላት ዚቃመመሉ ቤት ዕዮ’ መብዛሕትኡ ኣብ ከብድኻ ይርከብ። ብልክዕ እንታይ እዩ ዚጠቕመካ፧
ቃለ መጠይቕ
ሓደ ነዳፊ ሶፍትዌር ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ
ዶ/ር ፋን ዩ ከም ተመራማሪ ስነ ሕሳብ ኰይኑ ዕዮኡ ኽጅምር ከሎ፡ ብፍልቀት ይኣምን ነበረ። ሕጂ ግና ህይወት ከም እተነድፈትን ብኣምላኽ ከም እተፈጥረትን እዩ ዚኣምን። ስለምንታይ፧
ተነዲፉ ድዩ፧
ጸምሪ ጣቝስታ ባሕሪ
ገሊኦም መጥበውቲ እንስሳታት፡ ኣብ ትሕቲ ቘርበቶም ሙቐት ኣካላቶም ኪዕቅቡ ዚሕግዞም ስብሒ ኣለዎም። ጣቝስታ ባሕሪ ኸኣ ሙቐት ኣካላቱ ዚዕቅበሉ ፍሉይ መገዲ ኣለዎ።
ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት
ከመይ ገይረ እየ ዝያዳ ናጽነት ክረክብ ዝኽእል፧
ከም ዓብዪ ኽትርአ ዚግብኣካ ይመስለካ ይኸውን፡ ወለድኻ ግን ነዚ ኣይሰማምዑሉን ይዀኑ። ምእንቲ ኺኣምኑኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧
ሰባት ዝጸሓፍዎ እንተ ዀይኑ፡ ቃል ኣምላኽ ኪብሃል ይከኣል ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መን ሓሳባት ሒዙ ኣሎ፧