ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምሳታቶም ተዓራረኽ

ምሳታቶም ተዓራረኽ

እቲ ጸገም

ካብቶም ብኣሉታዊ ዓይኒ እንርእዮም ሰባት ገዛእ ርእስና እንተ ፈሊና፡ ነቲ ኣቐዲምና ናይ ምፍራድ ባህርይና ነጋድዶ ኢና። ምስቶም ከማና ዘበሉ ሰባት ጥራይ እንተ ተዓራሪኽና፡ ሓሳባትናን ስምዒታትናን ተግባራትናን ጥራይ ቅቡል ከም ዝዀነ ኺመስለና ይኽእል እዩ።

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ

“ልብኹም ጋህ ኣብሉ።”—2 ቈረንቶስ 6:13

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ “ልብና” ንዚስምዓና ስምዒትን ንእንፈትዎ ነገራትን ኬመልክት ይኽእል እዩ። ነቶም ከማና ዝኣመሰሉ ሰባት ጥራይ ንፈቱ እንተ ዄንና፡ ልብና ዕጹው ወይ ጸቢብ ይኸውን። ነዚ ጸገም እዚ ንምውጋድ፡ ምስቶም ካባና እተፈልዩ ንምትዕርራኽ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና።

ምሳታቶም ምትዕርራኽ ብኸመይ ይሕግዝ፧

ምስ ካልኦት ብብሕቲ ኽንፋለጥ ከለና፡ ገሊኡ ተግባሮም ካብ ናትና እተፈልየሉ ምኽንያት ኪርድኣና ይጅምር እዩ። ናባታቶም እናቐረብና ብዝኸድና መጠን ከኣ፡ ከም ክፍሊ ጕጅለና ጌርና ኢና እንርእዮም። ብዝያዳ ኸነኽብሮም ንጅምር፣ መኻፍልቲ ሓጐሶምን ሓዘኖምን እውን ንኸውን።

ንናዛረ እስከ ከም ኣብነት ንውሰዳ። ኣብ ሓደ እዋን ንስደተኛታት ኣቐዲማ ትፈርዶም ነይራ እያ። እንታይ ከም ዝሓገዛ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ምሳታቶም ግዜ ኣሕሊፈ፡ ምሳታቶም እውን ሰሪሐ። ካብቲ እቲ ማሕበረ ሰብ ብዛዕባኦም ዜውርዮ ብኣንጻሩ ዝዀኑ ሰባት ረኺበ። ካልእ ባህሊ ምስ ዘለዎም ሓንሳእ ምስ ተዓራረኽካ፡ ኣቐዲምካ ኣይትፈርዶምን ኢኻ፣ የግዳስ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ እናፈቶኻዮምን እናኣኽበርካዮምን ትኸይድ።”

ክትገብሮ እትኽእል

ካብ ካልእ ዓዲ፡ ዓሌት፡ ወይ ቋንቋ ምስ ዝዀኑ ሰባት ንምዝርራብ ኣጋጣሚ ርኸብ። ከምዚ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ፦

  • ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እተወሰነ ነገር ኪነግሩኻ ሕተቶም።

  • ናብ መኣዲ ዓድሞም።

  • ታሪኾም ስማዕ፡ ንዓታቶም እንታይ ከም ዜገድሶም ድማ ፍለጥ።

ተመክሮታቶም ንስብእናኦም ብኸመይ ከም ዝቐረጾ ኽትርዳእ እንተ ፈቲንካ፡ ነቶም ካብ ጕጅለኦም ዝዀኑ ሰባት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸተማዕብል ትኽእል ትኸውን።