ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ! ቍ. 4 2017 | ናብራኻ ሃታሃታ ዝመልኦ ድዩ፧

ኣብዚ ግዜና፡ ናብራ ብዙሓት ሰባት ሃታሃታ ዝመልኦ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሓድሓደ ግዜ ርክባት ይሕርፍፍ እዩ፣ ስድራ ቤታት እውን ይህሰያ እየን።

ኣብ ኣጠቓቕማ ግዜና ሚዛናውያን ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ሓደ ጥበበኛ ሰብ፡ “ካብ ምሉእ ሕፍኒ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ፡ ሓደ ዕማዅ ዕረፍቲ ይሓይሽ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—መክብብ 4:6

እዛ ሕታም “ንቕሑ!” እዚኣ፡ ንግዜና ብጥበብ ክንጥቀመሉ ዚሕግዘና ግብራዊ ሓሳባት ሒዛ ኣላ፣ ሓደ ኻብኡ ኸኣ ቀዳምነት ክንህቦ ዚግባእ ነገራት ብኸመይ ከም እንሰርዕ ዚገልጽ እዩ።

 

ገበር

ናብራኻ ሃታሃታ ዝመልኦ ድዩ፧

ብዙሓት ሰባት ነቲ ስራሖምን ናብራ ስድራ ቤቶምን ዚጠልቦ ነገራት ኬማልኡ ኸም ዚኸብዶም ገሊጾም እዮም። ምንጪ እዚ ጸገም እዚ እንታይ እዩ፧ ነዚ ንምፍታሕከ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

እተደንቕ ተርን ኣርክቲክ

ተርን ኣርክቲክ ካብ ዞባ ኣርክቲክ ናብ ኣንታርክቲካ በጺሐን ብምምላስ ኣብ ዚገብራኦ ጕዕዞ፡ ኣስታት 35,200 ኪ.ሜ. ዚኣክል ርሕቀት ከም ዚጐዓዛ እዩ ዚእመን ነይሩ። ኣብ ቀረባ እዋን እተገብረ መጽናዕትታት ግና፡ ዝያዳ መሳጢ እዩ።

‘ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሓይሽ’

ጽቡቕ ስምን ኣኽብሮት ካልኦት ሰባትን ከነጥሪ ንኽእል ኢና፧ ግናኸ፡ ብኸመይ፧

ንስድራ ቤት

ውሉዳት ካብ ቤት ምስ ዚወጹ

ሰብ ሓዳር፡ ደቆም ዓብዮም ካብ ቤት ምስ ወጹ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ጸገም የጋጥሞም እዩ። ኣብቲ ብዘይ ውሉዳቶም ዝተረፈ ገዛ፡ ጓኖት ኰይኖም ምእንቲ ኸይስምዖም እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ቃለ መጠይቕ

ሓደ ተመራማሪ ሓንጐል ብዛዕባ እምነቱ ዝገለጾ

ፕሮፌሰር ራጀሽ ካላርያ ብዛዕባ ስራሑን እምነቱን ይገልጽ። ብስነ ፍልጠት ከም ዚግደስ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ነቲ ብዛዕባ መበቈል ህይወት ዝነበሮ ኣረኣእያ ዳግመ ግምት ዝገበረሉ ስለምንታይ እዩ፧

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ፈተና

ገለ ኻብቲ ንፈተና ኢድካ ምስ እትህብ ዚመጽእ ሳዕቤናት፡ ምፍራስ ሓዳርን ስእነት ጥዕናን ናይ ሕልና ስቓይን ኪጥቀስ ይከኣል እዩ። ካብዚ መፈንጠራ እዚ ብኸመይ ከነምልጥ ንኽእል፧

ተነዲፉ ድዩ፧

ውዕዉዕ ሰማያዊ ዝሕብሩ ፍረ ፖሊያ

እዚ ፍረ እዚ ባህርያዊ ሕብሪ ወይ ዚቕልሞ ነገር እኳ እንተ ዘይብሉ፡ ኣብ ካልእ ተኽሊ ዘየሎ ኣዝዩ ድሙቕ ሰማያዊ ሕብሪ ኣለዎ። እዚ ዜደንቕ ሕብሪ እዚ ኺህልዎ ዝኸኣለ ደኣ ኸመይ ኢሉ እዩ፧

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጉስ ስድራ ቤት ኪህልወኒ ይሕግዘኒ ድዩ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ፡ ንሚልዮናት ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ቤቶም ሓጐስ ኺረኽቡ ሓጊዝዎም እዩ።