ገበር
ሓደጋ ምስ ዜጋጥም—ህይወት ኬድሕን ዚኽእል ስጕምትታት
“እዝኒ ዜጽምም ነትጒ ናብ ባይታ ዳርጋ ደርብዩኒ ነይሩ። በቲ ኣየር ዜእቱ መተንፍሶ ድማ፡ ትኪ መጺኡ፣ እቲ ኣብ ነዊሕ ህንጻ ዝነበረ ቤት ጽሕፈትና ኸኣ ቃልቃል ኪብል ጀሚሩ።”—ጆሹዋ።
ምንቅጥቃጥ ምድሪ . . . ህቦብላ . . . ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ . . . ተዅሲ ኣብ ቤት ትምህርቲ። ነዘን ቃላት እዚአን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣርእስተ ዜና ንረኽበን ኢና። ብዛዕባ ዘጋጠመ ሓደጋ ምንባብ ግና፡ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኻብ ምዃን ኣመና እተፈልየ ነገር እዩ። ህይወትካ ንምድሓን ዘሎካ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኸተስፍሕ፡ ቅድሚ ሓደጋን ኣብ እዋን ሓደጋን ድሕሪ ሓደጋን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ቅድሚ ሓደጋ ተዳሎ!
ሓደጋ ኼጋጥሞ ዘይክእል ሰብ የልቦን። ህይወትካ ንምድሓን፡ ኣቐዲምካ ምድላው ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምድላው ግና እንታይ የጠቓልል፧
-
ብኣእምሮኻ ተዳሎ። ንዓኻን ንሰብካን ሓደጋ ኼጋጥመኩም ከም ዚኽእል ኣሚንካ ተቐበሎ። ሓደጋ ድሕሪ ምግጣሙ፡ ክትዳሎ ኣይትኽእልን ኢኻ።
-
ብዛዕባ ሓደጋታት ፍለጥ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኻ ኼጋጥም ዚኽእል ሓደጋታትን መዕቈቢ ዚርከበሉ ቦታታትን ፍለጥ። ቤትካ እተሃንጸሉ መገድን ዚርከበሉ ኸባብን ብእተኻእለ መጠን ዜተኣማምን እንተ ዀይኑ መርምር። ንባርዕ ዜቃልዕ ነገራት ኣወግድ። ትኪ ዜለሊ መሳርሒ ትኸል፣ ነቲ ባትሪኡ ድማ ሓሓሊፍካ፡ ወይ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ቀይሮ።
-
ኣብ ህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ኣዳሉ። ሓይሊ ኤለክትሪክን ማይን ተሌፎንን ኣገልግሎት መጐዓዝያን ኬቋርጽ ይኽእል እዩ። ማኪና እንተ ኣልያትካ፡ ኵሉ ሳዕ ነቲ መዕቈሪ ነዳዲ እንተ ወሓደ ኽሳዕ ፍርቁ ምልኣዮ፣ ኣብ ቤትካ ኸኣ ወትሩ ምግብን ማይን ኣብ ህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ዝሓዘ ሳንጣን ይሃሉኻ።—“ ዜድልየካ ነገራት ኣሎካዶ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።
-
ቍጽሪ ተሌፎን ሓዝ። ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናይ ዘለዉ ፈተውትኻ ቝጽሪ ተሌፎን ሓዝ።
-
ካብ ሓደጋ እተምልጠሉ ውጥን ኣውጽእን ተለማመደሉን። ካብቲ እትነብረሉ ህንጻ እትወጸሉ ዝቐረበ መውጽኢ ኣየናይ ምዃኑ ፍለጦ። ናይ ደቅኻ ቤት ትምህርቲ ንግዜ ሓደጋ ዝገበሮ ውጥን እውን ፍለጦ። ስድራ ቤትኩም ክትራኸበሉ እትኽእል ሓደ ኣብ ቀረባ፡ ሓደ ኸኣ ካብ ከባቢኹም ርሕቕ ዝበለ ቦታታት መድቡ፣ እዚ ድማ ቤት ትምህርቲ ወይ ቤት ንባብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰበ ስልጣን፡ ምስ ስድራ ቤትኩም ኴንኩም ናብዚ መራኸቢ ቦታታት ብምኻድ ክትለማመዱ ይመኽሩ እዮም።
-
ንኻልኦት ክትሕግዝ መድብ። ንኣብነት፡ ብዕድመ ንዝደፍኡን ንስንኩላንን ክትሕግዝ መድብ።
ኣብ እዋን ሓደጋ ቅልጡፍ ስጕምቲ ውሰድ!
እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ጆሹዋ፡ “ሓዊ ምስ ተባርዐ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ኣይሰምበዱን፣ የግዳስ፡ ተደናጕዮም። ገሊኦም ኮምፕዩተሮም የጥፍኡ ወይ መስተዪ ማዮም ይመልኡ ነይሮም። ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ ‘እስከ ንጸበ’ ኢሉ” ብምባል የዘንቱ። ካልኦት እኳ ሰጋእ መጋእ እንተ በሉ፡ ጆሹዋ ግና፡ “ሕጂ ሕጂ ኽንወጽእ ኣሎና!” ኢሉ ጨደረ። ከምኡ ምስ በለ፡ መሳርሕቱ
ደድሕሪኡ ስዒቦም በቲ መደያይቦ ኺወርዱ ጀመሩ። ጆሹዋ፡ “ዝዀነ ሰብ እንተ ወዲቑ፡ ኣልዕልዎ እሞ ጕዕዞኹም ቀጽሉ። ኣጆኹም፡ ኵላትና ኽንድሕን ኢና!” እናበለ ይጭድር ነበረ።-
ኣብ እዋን ባርዕ። ቀልጢፍካ ናብ ዝቐረበ መውጽኢ ተጐምቢሕካ ኺድ። ትኪ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ኸይትርኢ ኺጋርደካ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ግዜ ባርዕ ዜጋጥም መብዛሕትኡ ሞት ከኣ ብሰንኪ ትኪ እዩ። ንንብረትካ ሕደጎ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢት እትገብሮ ነገር፡ ህይወትካ ኼድሕን ወይ ኬጥፍእ ይኽእል እዩ።
-
ኣብ እዋን ምንቅጥቃጥ ምድሪ። ኣብ ትሕቲ ድልዱል ኣቕሓ ገዛ ተሓባእ ወይ ናብ ውሽጣዊ ሸነኽ መንደቕ ገዛ ተጸጋዕ። ፍዅስ ዝበለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኺስዕብ ስለ ዚኽእል፡ ኣጋጣሚ ምስ ረኸብካ፡ ንግዳም ውጻእ፣ ካብ ህንጻታት ከኣ ርሓቕ። ህይወት ንምድሓን እተዋፈሩ ኽኢላታት ንሰዓታት ኪድንጕዩ ስለ ዚኽእሉ፡ እንተ ኽኢልካ ንኻልኦት ከተድሕን ፈትን።
-
ኣብ እዋን ሱናሚ። ማይ ብሃንደበት ካብ ገምገም ባሕሪ እንተ ደኣ ርሒቑ፡ ቀልጢፍካ ናብ በሪኽ ቦታ ኺድ። ስዒቡ ዓበይቲ ማዕበላት ኪመጽእ እዩ።
-
ኣብ እዋን ብርቱዕ ህቦብላ። ከይተደናጐኻ ኻብ ህቦብላ ኼዕቍበካ ናብ ዚኽእል ቦታ ኺድ።
-
ኣብ እዋን ምዕልቕላቕ ማይ። ካብ ዘዕለቕለቐ ህንጻታት ርሓቕ። ማይ ብዝመልአ መገዲ ኣይትኺድ ወይ ማኪና ኣይትዘውር። ምስቲ ውሕጅ፡ ረሳሕ ፈሳሲ ኺሕወስ ይኽእል እዩ፣ ከም ፍርስራሳትን ጐዳጕድን ዝወደቐ መስመራት ሓይሊ ኤለክትሪክን ዝኣመሰለ ሕቡእ ሓደጋ ድማ ኣብኡ ኺህሉ ይኽእል እዩ።
-
ትፈልጥዶ፧ 60 ሰንቲ ሜተር ዝዕምቈቱ ውሕጅ፡ ማኪና ኺወስድ ይኽእል እዩ። ኣብ እዋን ምዕልቕላቕ ማይ ካብ ዜጋጥም ሞት፡ መብዛሕትኡ፡ ሰባት ኣብ ውሕጅ ማኪና ኺዝውሩ ብምፍታኖም እዩ ዚኽሰት።
-
ሰበ ስልጣን ካብቲ ቦታ ኽትወጽእ እንተ ኣዚዞም፡ ቀልጢፍካ ውጻእ! ኣበይ ከም ዘለኻ ንፈተውትኻ ሓብሮም፣ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንዓኻ ኺደልዩ ኺብሉ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኼእትዉ ይኽእሉ እዮም።
-
ትፈልጥዶ፧ ብሞባይል ዚለኣኽ መልእኽቲ ኻብ ናይ ድምጺ ኣገልግሎት ተሌፎን ዝያዳ ዜተኣማምን ኪኸውን ይኽእል እዩ።
-
ኵሉ ሰብ ናብ ግዳም ከይወጽእ ትእዛዝ እንተ ወጺኡ፡ ኣይትውጻእ። ኣብ ግዳም ከሚካዊ፡ ባዮሎጅያዊ፡ ወይ ኑክልየሳዊ ሓደጋ ወይ መጥቃዕቲ እንተ ኣጋጢሙ፡ ካብ ቤትካ ኣይትውጻእ፡ ነቲ ኣየር ዜእቱ መተንፍሶ ዕጸዎ፡ ንዅሉ መዓጹን መሳዅትን ድማ ኣየር ከም ዘየእቱ ግበሮ። ኣብ እዋን ኑክልየሳዊ ሓደጋ፡ ንጸርጊ ምእንቲ ኸይትቃላዕ ናብቲ ዝተሓተን ዝወሸጠን ክፋል እቲ ዘለኻዮ ህንጻ ኺድ። ኣብ ተለቪዥን ወይ ረድዮ ዚቐርብ ዜና እቲ ኸባቢ ስማዕ። ሰበ ስልጣን እቲ ዜስግእ ኵነታት ከም ዘብቅዐ ኽሳዕ ዚሕብሩ ንግዳም ኣይትውጻእ።
ድሕሪ ሓደጋ ድሕንነትካ ሓሉ!
ካብ ሕማምን ሓደጋን ምእንቲ ኽትሕሎ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣስተብህለሉ፦
-
ምስ ፈተውትኻ ጽናሕ። እንተ ተኻኢሉ፡ ኣብ መዕቈብ እቶም ካብ ቤቶም እተመዛበሉ ኣይትጽናሕ።
-
ንእትነብረሉ ቦታ ብጽሬት ሓዞ።
-
ድሕንነትካ ዚሕሉ ናውቲ ተጠቐም። ፍርስራስ ከተጽሪ ኸለኻ፡ እንተ ተኻኢሉ፡ ጓንትን ድልዱል ሳእንን ተሪር ቆብዕን ካብ ደሮና ዚከላኸል ማስኬራን ግበር። ካብ ገመዳት ኤለክትሪክን ካብ እተደጐለ ጓህርን ተጠንቀቕ።
-
መዓልታዊ ልማድካ ዓቅብ። ብእተኻእለ መጠን ልማድካ ኣይትቀይር። ደቅኻ ህዱእን ትስፉውን ምዃንካ ኺርእዩ የድልዮም እዩ። ብስድራ ቤት ኴንኩም ዕዮ ቤት ትምህርቲ ስርሑ፡ ተጻወቱ፡ ኣምልኾኹም እውን ግበሩ። ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዚቐርብ ጸብጻባት ዜና ኣብ ምስማዕ ብዙሕ ግዜ ኣይተሕልፍ፣ ጭንቀትካ ወይ ብስጭትካ ኸኣ ኣብ ኣባላት ስድራ ቤትካ ኣይተውጽኣዮ። ሓገዝ ተቐበል፡ ንኻልኦት ድማ ሓግዝ።
-
ሓደጋ ኸም ዜኽስር ኣሚንካ ተቐበሎ። መንግስትን ካልኦት ረድኤት ዚህቡ ትካላትን፡ ሰባት ብህይወት ምእንቲ ኪቕጽሉ ኣብ ምሕጋዝ ደኣ እምበር፡ ንዅሉ ዝጠፍአ ነገር ኣብ ምትካእ ኣየተኵሩን እዮም። ብህይወት ንምንባር፡ ጽሩይ ማይን ምግብን ክዳንን መጽለልን እዩ ዜድልየና።—1 ጢሞቴዎስ 6:7, 8።
-
ብስምዒታዊ መገዲ ኸም እተጐዳእካ ኣሚንካ ሓገዝ ተቐበል። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣብ ፈለማ ዝነበረካ ስምባድ ምስ ሓለፈ እዩ ዚርአ። ገለ ኻብቲ ምልክታቱ ኸኣ፡ ጭንቀት፡ ምቅይያር ጠባይ፡ ክትሓስብን ክትሰርሕን ክትድቅስን ዘይምኽኣል ኪጥቀስ ይከኣል። ንዚሓልዩልካ ፈተውትኻ ኣዛራርቦም።
ጆሹዋ ኻብቲ ኣብ ቦታ ስራሑ ዘጋጠመ ባርዕ እኳ እንተ ደሓነ፡ ብዙሓት ዚፈልጦም ሰባት ግና ኣይደሓኑን። ስለዚ፡ ክርስትያን ሽማግለታትን ሰብ ሞያ ጥዕና ኣእምሮን ሓጊዞምዎ እዮም። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ድማ፡ “ሓዘን ንቡር መስርሕ ምዃኑን ጸኒሑ ኸም ዚሓልፍን ብምግላጽ ኣጸናኒዖምኒ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ለይቲ ሃተፍተፍ ዜብለኒ ዝነበረ ነገር እናነከየ ኸይዱ። ካልእ ምልክታት ግና ንዝነውሐ ግዜ ቐጺሉ እዩ” ይብል።
ሓደጋታት ብዛዕባ ፍትሓውነት ንዝነበረና ኣረኣእያ እውን ይጸልዎ እዩ። ከም ውጽኢቱ፡ ገሊኦም ሰባት ንኣምላኽ ይወቕስዎ እዮም። ከም ጆሹዋ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሰባት ከኣ፡ ካልኦት ኪሞቱ ኸለዉ ንሳቶም ብምድሓኖም፡ ሕማቕ ይስምዖም እዩ። ጆሹዋ ኸምዚ ይብል፦ “ክሳዕ ሕጂ፡ ዝያዳ ሰባት ከድሕን እኽእል እንተ ነይረ እሓስብ እየ። ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ እዋን ኣብ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ፍትሒ ኺገብርን ንዅሉ ነገር ኬዕርዮን ምዃኑ ዘሎኒ እምነት ግና ኣጸናኒዑኒ እዩ። ክሳዕ ሽዑ ነታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዘላትኒ ህይወት ኣኽቢረ እርእያ፡ ብእተኻእለኒ መጠን ድማ ክዕቅባ እጽዕር እየ።”—ራእይ 21:4, 5። *