ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንኬል ጽልኢ ብኸመይ ይስበር፧

2 | ሕነ ኣይትፍደ

2 | ሕነ ኣይትፍደ

ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦

“ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። . . . ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። . . . ‘“ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡” ይብል የሆዋ’ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ . . . ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።”ሮሜ 12:17-19

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧

ክንብደል ከለና ዚስምዓና ቝጥዓ ባህርያዊ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ግና ሕነ ኽንፈዲ ኣይደልየናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሱ ንዅሉ በደል ስለ ዜዐርዮ፡ ንዕኡ ኽንጽበዮ እዩ ዚምሕጸነና።—መዝሙር 37:7, 10

ክትገብሮ እትኽእል፦

ዘይፍጹማት ሰባት ሕነ ምስ ዚፈድዩ፡ ንዓንኬል ጽልኢ እዮም ዜጐሃህርዎ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብ እንተ በዲሉካ ወይ እንተ ጐዲኡካ፡ ሕነ ኣይትፍደ። ሰላማዊ ኽትከውን ጽዓር፡ ንስምዒትካ እውን ተቘጻጸሮ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ በደል ዕሽሽ ምባል፡ ካብ ተወሳኺ ስቓይ ይሰትረካ እዩ። (ምሳሌ 19:11) ልክዕ እዩ፡ ኣብ ገሊኡ መዳይ ንጹር ጥቕሚ ትረኽበሉ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ነገር ፍታሕ ክትረኽበሉ ትውስን ትኸውን። ንኣብነት፡ ግዳይ ገበን እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ እዚ ንፖሊስ ወይ ንኻልኦት ሰበ ስልጣን ንምሕባር ትውስን ትኸውን።

ዓንኬል ምፍዳይ ሕነ፡ ገዛእ ርእስኻ እዩ ዚጐድእ

ነቲ ጸገም ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕ ዘይትኽእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧ ወይ ከኣ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዚከኣለካ ጌርካ ኽነስኻ እንተ ዘይሰሊጡካኸ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እውን፡ ሕነ ኣይትፍደ። ሕነ ምፍዳይ፡ ነቲ ዅነታት የጋድዶ እዩ። ሕነ ኣብ ክንዲ እትፈዲ፡ ንዓንኬል ጽልኢ ስበሮ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንጸገማት ብመገዲ ኣምላኽ ክትፈትሖ ኸም እትኽእል፡ እምንቶ ኸተሕድር ኢኻ። እወ፡ “ኣብኡ ተወከል፡ ንሱ እውን ኬስልጠልካ እዩ።”—መዝሙር 37:3-5