ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 2 2020 | መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ሰባት ነዛ ሕቶ እዚኣ ንዘመናት ኪሓትቱ ጸኒሖም እዮም። መልሳ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ኺርከብ ይከኣል እዩ።

“መንግስትኻ ትምጻእ”—ሚልዮናት ዚደጋግምዋ ጸሎት

ትርጉም እዛ ጸሎት እዚኣ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንምንታይ ሕቶታት ኢና መልሲ ኽንረኽበሉ ዘሎና፧

መንግስቲ ኣምላኽ እተድልየና ስለምንታይ እያ፧

ዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ገዛእ ርእሶም ኼመሓድሩ ኸለዉ፡ ጸገማት ናይ ግድን የጋጥም እዩ።

ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዩ፧

እተፈላለዩ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንነት ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚልለየሉ ዝርዝር ነገራት ጽሒፎም ኣለዉ። ኣብ ኵሉ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ሓደ ጥራይ እዩ ነቲ መግለጺ እቲ ዚበቅዕ።

መዓስ እያ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ እትገዝኣ፧

ገሊኦም እሙናት ሰዓብቲ የሱስ እውን፡ ነዚ ኺፈልጡ ደልዮም ነይሮም እዮም። እሞኸ ንሕቶኦም እንታይ ኢሉ መሊሱሎም፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ጸገማት ክትፈትሕ እትኽእል እንኮ መንግስቲ ምዃና የሱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እታ መንግስቲ እቲኣ ነቲ ኣብኣ ዘሎና እምንቶ ምእንቲ ኸነደልድል፡ ድሮ እንታይ ገይራ ኣላ፧

ሕጂ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ቁም!

የሱስ ንሰዓብቱ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ኪደልዩ ተማሕጺንዎም እዩ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ኸምኡ እትገብር፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ብዙሓት ሰባት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ይጽልዩ እዮም፣ ግናኸ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝዀነትን እንታይ ከም እትገብርን ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧