ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ራእያት መንፈሳዊ ዓለም

ራእያት እቶም ኣብቲ ዘይርአ ሰማያት ዚነብሩ

ራእያት እቶም ኣብቲ ዘይርአ ሰማያት ዚነብሩ

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዘይርአ ሰማያዊ ዓለም ክንርድኦ ዚሕግዘና ሓያሎ ማራኺ ራእያት ሒዙ ይርከብ። ነዚ ራእያት ተጠንቂቕካ ኽትምርምሮ ንዕድመካ። ኵሉ እቲ ኣብቲ ራእያት ተገሊጹ ዚርከብ ቃል ብቓሉ ኺውሰድ ዘይብሉ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ራእያት ነቶም ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎምን ንዓኻ ብኸመይ ከም ዚጸልዉኻ ኽትርዳእን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

የሆዋ—እቲ ዝለዓለ

“ዝፋን ኣብ ሰማይ ኣብ ቦታኡ ተነቢሩ፡ ኣብቲ ዝፋን እውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ። እቲ ተቐሚጡ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን እምኒ ሰርድዮስን ይመስል ነበረ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ድማ ስመራግዶስ ዚመስል ቀስተ ደበና ነበረ።”—ራእይ 4:2, 3

“ኣብ ዙርያኡ ድማ ብርሃን ነበረ፣ ንሱ እውን ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ቀስተ ደበና ነበረ። ትርኢት እቲ ኣብ ዙርያ ዝነበረ ብሩህ ብርሃን ከምኡ ነበረ። ከም ትርኢት ክብሪ የሆዋ ነበረ።”—ህዝቅኤል 1:27, 28

እዚ ንሃዋርያ ዮሃንስን ንነብዪ ህዝቅኤልን እተዋህበ ራእያት፡ ንግርማ እቲ ልዑል የሆዋ ኣምላኽ በቲ ብቐሊሉ ብኣእምሮና ኽንስእሎ እንኽእል ነገራት፡ ማለት ብዜብለጭልጭ ክቡር ኣእማንን ቀስተ ደበናን ምዕሩግ ዝፋንን እዩ ዚገልጾ። እዚ ራእያት እዚ፡ ስፍራ የሆዋ ብዜደንቕ ጽባቐን ባህታን ህድኣትን ዝመልአ ምዃኑ ይሕብረና።

እዚ ንኣምላኽ ዚገልጽ መግለጺታት፡ ምስቲ “የሆዋ ዓብይን ልዕሊ ዅሉ ውዳሰ ዚግብኦን እዩ። ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ። ኵሎም ኣማልኽቲ ህዝብታት ከንቱ ኣማልኽቲ እዮም፣ የሆዋ ግና እቲ ንሰማያት ዝገበረ እዩ። ክብርን ግርማን ኣብ ቅድሚኡ፡ ብርታዐን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ” ዚብል ቃላት ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ዚሰማማዕ እዩ።—መዝሙር 96:4-6

የሆዋ ልዑል ኣምላኽ እኳ እንተዀነ፡ ብጸሎት ኣቢልና ኽንቀርቦ ይዕድመና፡ ከም ዚሰምዓና እውን የረጋግጸልና እዩ። (መዝሙር 65:2) የሆዋ ኣዝዩ የፍቅረናን ይሓልየልናን እዩ፣ ስለዚ ኸኣ እዩ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ብምባል ዝጸሓፈ።—1 ዮሃንስ 4:8

የሱስ—እቲ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ዝበለ

“[እቲ ክርስትያን ወደ መዝሙር ዝነበረ እስጢፋኖስ] ግና ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ፡ ናብ ሰማይ ጠመተ፣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ድማ ረኣየ፣ ‘እንሆ፡ ሰማያት ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣለኹ’ እውን በለ።”—ግብሪ ሃዋርያት 7:55, 56

እስጢፋኖስ ነዚ ራእይ እዚ ቐቅድሚ ምርኣዩ፡ የሱስ ብምድፍፋእ እቶም እስጢፋኖስ ዚዛረቦም ዝነበረ መራሕቲ ኣይሁድ ተቐቲሉ ነይሩ እዩ። እዚ ራእይ እዚ፡ የሱስ ብህይወት ከም ዝነበረን ከም ዝተንስአን ልዕል ከም ዝበለን ዜረጋግጽ እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ፡ “[የሆዋ] ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ምስ ኣቐመጦ፡ ተራእዩ እዩ፣ ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ዚመጽእ እውን፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ጕይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ልዕል ኣቢልዎ እዩ” ብምባል ጸሓፈ።—ኤፌሶን 1:20, 21

ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሱስ ልዑል ስልጣን ከም ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ልክዕ ከም የሆዋ ንደቂ ሰብ ኣዝዩ ኸም ዚሓልየሎም ይገልጽ እዩ። የሱስ ኣብ እዋን ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ሕሙማትን ስንኩላትን ኣሕውዩ፡ ምዉታት ድማ ኣተንሲኡ እዩ። ብመስዋእታዊ ሞቱ ኣቢሉ ኸኣ ንኣምላኽን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። (ኤፌሶን 2:4, 5) እቲ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እተራእየ የሱስ፡ ድሕሪ ቐረባ እዋን ስልጣኑ ተጠቒሙ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ንዚርከቡ እዙዛት ደቂ ሰብ ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ኬምጽኣሎም እዩ።

መላእኽቲ ንኣምላኽ የገልግልዎ

“[ኣነ ነብዪ ዳንኤል] ዝፋናት ክሳዕ ዚንበር እጥምት ነበርኩ፣ እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ [የሆዋ] ድማ ተቐመጠ። . . . ሽሕ ግዜ ሽሕ የገልግልዎ ነበሩ፣ እልፊ ግዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ።”—ዳንኤል 7:9, 10

ኣብዚ ራእያት ሰማይ እዚ፡ ዳንኤል ሓደ መልኣኽ ዘይኰነስ ኣእላፋት መላእኽቲ እዩ ርእዩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ራእይ ኰን እዩ ነይሩ! መላእኽቲ፡ መስተውዓልትን ሓያላትን ግርማ ዝለበሱን መንፈሳውያን ፍጡራት እዮም። መዓርጎም እተፈላለየ ዀይኑ፡ ሱራፌልን ኪሩቤልን ዚብሃሉ ዝሓቘፈ እዩ። መላእኽቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 250 ግዜ ተጠቒሶም ኣለዉ።

መላእኽቲ ኣቐዲሞም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ኣይኰኑን። ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ንመላእኽቲ እዩ ፈጢሩ። ምድሪ ኽትስረት ከላ፡ መላእኽቲ ይዕዘቡን ብናእዳ ይጭድሩን ነይሮም እዮም።—እዮብ 38:4-7

እሙናት መላእኽቲ ንኣምላኽ ዜገልግሉሉ ሓደ መገዲ፡ ኣብቲ ሎሚ ዚካየድ ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ፡ ማለት ኣብ ምእዋጅ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስታፍ እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ኣብዚ ዕዮ እዚ ዘለዎም ተሳትፎ፡ ንሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ እተዋህበ ራእይ ተገሊጹ ኣሎ፣ ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኬበስሮም ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ብስራት ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ረኣኹ።” (ራእይ 14:6) ሎሚ፡ መላእኽቲ ኸምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ንሰባት ዘይዛረብዎም እኳ እንተዀኑ፡ ነቶም ነቲ ብስራት ዚሰብኩ ዘለዉ፡ ናብቶም ቅኑዕ ዝልቦም ይመርሕዎም እዮም።

ሰይጣን ንሚልዮናት የስሕት

“ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፦ ሚካኤልን [የሱስ ክርስቶስን] መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ፣ እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም፣ ግናኸ፡ ኣይሰዓሩን፣ ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ቦታ ኣይተረኽበሎምን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፣ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱ እውን ምስኡ ተደርበዩ።”—ራእይ 12:7-9

ኣብ ሰማይ ሰላም ዘይነበረሉ ግዜ ነይሩ እዩ። ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ሓደ ኻብቶም መላእኽቲ ኺምለኽ ስለ ዝደለየ፡ ካብ የሆዋ ዓለወ፣ ሰይጣን፡ ማለት “ተጻራሪ” ኸኣ ኰነ። ጸኒሖም ካልኦት መላእኽቲ እውን ኣብቲ ዕልወት ሓበሩ፣ ኣጋንንቲ ተባሂሎም ከኣ ተጸውዑ። እዞም ኣዝዮም እኩያት ኣጋንንቲ፡ ንየሆዋ ተጻረርዎ፣ ንብዙሓት ደቂ ሰብ ድማ ምስ ፍቕራዊ መምርሒ የሆዋ ብዚጻረር መገዲ መርሕዎም።

ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ ብልሹዋትን ጨካናትን እዮም። ጸላእቲ ደቂ ሰብን ኣብዛ ምድርና ብዙሕ ስቓይ ዘስዓቡን እዮም። ንኣብነት፡ ሰይጣን ንማልን ንገላውን እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ቀተለ። ቀጺሉ፡ “ብርቱዕ ንፋስ” ኣምጺኡ፡ ነታ ደቂ እዮብ ዝነበርዋ ቤት ከም እትዓኑ ብምግባር፡ ንዓሰርቲኦም ደቂ እዮብ ቀተሎም። ድሕርዚ፡ ሰይጣን ንእዮብ “ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳብ መንበስበስታ ርእሱ ብዜሳቒ ምጕልንጭዋ ወቕዖ።”—እዮብ 1:7-19፣ 2:7

ድሕሪ ቐረባ ግዜ ግና ሰይጣን ኪጠፍእ እዩ። ናብ ከባቢ ምድሪ ኻብ ዚድርበ ኣትሒዙ፡ “ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ” ይፈልጥ እዩ። (ራእይ 12:12) ሰይጣን ጽልሙት መጻኢ እዩ ዘለዎ፣ እዚ ኸኣ ብሓቂ ብስራት እዩ!

እቶም ካብ ምድሪ ዝመጹ

“ንስኻ [የሱስ] . . . ካብ ብዘሎ ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዓዲግካ ኢኻ፣ ንኣምላኽና ድማ መንግስትን ካህናትን ጌርካዮም ኢኻ፣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸኣ ኪነግሱ እዮም።”—ራእይ 5:9, 10

ልክዕ ከምቲ የሱስ ካብ ምድሪ ናብ ሰማያዊ ህይወት ዝተንስአ፡ ካልኦት እውን ኪትንስኡ እዮም። የሱስ ነቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ፡ “ቦታ ኸዳልወልኩምሲ እኸይድ ኣለኹ። . . . ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንስኻትኩም እውን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ተመሊሰ ኽመጽእን ናባይ ክወስደኩምን እየ” በሎም።—ዮሃንስ 14:2, 3

እቶም ናብ ሰማይ ዚኸዱ፡ ናብኡ ዚኸዱሉ ዕላማ ኣለዎም። ምስ የሱስ ኰይኖም፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ተቐማጦ ምድሪ እትገዝእን በረኸት እተምጽእን መንግስቲ ኬቝሙ እዮም። እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ እታ የሱስ ኣብታ ኣብነት እትኸውን ጸሎት፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ብምባል ንሰዓብቱ ኺጽልዩ ዝመሃሮም መንግስቲ እያ።—ማቴዎስ 6:9, 10

እቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩ እንታይ ኪገብሩ እዮም፧

“[ኣነ ሃዋርያ ዮሃንስ] ካብቲ ዝፋን ከኣ ከምዚ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ፦ ‘እንሆ፡ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።’”—ራእይ 21:3, 4

እዚ ትንቢታዊ ራእይ እዚ፡ እታ ብየሱስን በቶም ካብ ምድሪ ዝተንስኡን ዝቘመት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንግዝኣት ሰይጣን ኣጥፊኣ፡ ንምድሪ ገነት እትገብረሉ እዋን ዜመልክት እዩ። እቲ ንደቂ ሰብ ብዙሕ ስቓይን ሓዘንን ዘስዓበ ነገራት ደጊም ኣይኪህሉን እዩ። ሞት እውን ከይተረፈ ኺሓልፍ እዩ።

እቶም ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሞይቶም ዘለዉ እሞ፡ ናብ ሰማይ ግና ዘይትንስኡ ሰባትከ፧ ኣብ መጻኢ፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ካብ ምዉታት ኪትንስኡ እዮም።—ሉቃስ 23:43

እዚ ራእያት እዚ፡ የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን እቶም እሙናት መላእኽትን እቶም ካብ ምድሪ እተዓደጉ ሰባትን፡ ብዛዕባና ኣዝዮም ከም ዚግደሱን ንጽቡቕና ኸም ዚሓስቡን የረጋግጸልና። ኣብ መጻኢ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዝዀኑ ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ወይ ኣብቲ www.mt1130.com/ti ዚብሃል ወብ ሳይትና ብምእታው፡ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ከተራግፋ ንዕድመካ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]