ካብ ከባቢ ዓለም
ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ
ኣብታ ብ29 ጥቅምቲ 2012 እትጅምር ሰሙን ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዘጋጠመ ገበናት፡ ምስተን ኣብ 2011 ዝነበራ ተመሳሰልቲ ሓሙሽተ መዓልትታት ኪነጻጸር ከሎ፡ ብመዳይ ቅትለትን መጥቃዕትን ክትራን ኣመና ነክዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ንምብራቓዊ ገማግም ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዘዕነወ ህቦብላ ሳንዲ፡ ንመብዛሕትኡ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከም ዚቋረጽ ገይሩ ነይሩ እዩ። ኣፈኛ ሓይሊ ፖሊስ ዝዀነ ፖል ብራውን፡ “ድሕሪ ባህርያዊ ሓደጋ ወይ ከምቲ [ብ11 መስከረም 2001 ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ] ዝኣመሰለ ዓብዪ ዕንወት፡ እቲ ልሙድ ገበናት ከም ዚንኪ ንርኢ ኢና” በለ። ስርቂ በዚሑ ምንባሩ ግና ንብራውን ኣይገረሞን። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ብዙሕ መብራህቲ ዘይብሉ ቦታታት ኣሎ” በለ።
ኣንታርክቲካ
ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ መበቈላዊ ኢኮሎጂ ኣንታርክቲካ ብባዕዳዊ ጅር ይውረር ብምህላዉ ስግኣት ሓዲርዎም ኣሎ። ናብታ ኽፍሊ ዓለም እቲኣ በብዓመቱ ዚመጹ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚግመቱ በጻሕቲ፡ ከይተፈለጦም ነፍሲ ወከፎም ብገምጋም 9.5 ዘርኢ ሒዞም ከም ዚመጹ፡ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጫማታቶም ወይ ኣብ ቦርሳታቶም ለጊቡ ኸም ዚመጽእ ይግመት። ድሮ እኳ ኣብ ምዕራባዊ ሓውሲ ደሴት ኣንታርክቲካ፡ ባዕዳዊ ዝጅሩ ኣትክልቲ ተረኺቡ ኣሎ።
ነዘርላንድስ
ጓል 83 ዓመት ሰበይቲ ንፈለማ እዋን ካብ ቲታንዩም ብ3-D ሌዘር ፕሪንተር (ቅርጺ ዚሰርሕ ማሽን) እተሰርሐ ዓጽሚ ምንጋጋ ተተኺሉላ። እዛ ብሰንኪ ረኽሲ ዓጽሚ ምንጋጋኣ ተበላሽዩ ዝነበረ ሰበይቲ፡ ሕጂ ኸም ንቡር ክትበልዕን ከተተንፍስን ክትዛረብን ክኢላ ኣላ። እቲ ሌዘር ፕሪንተር ነቲ ቲታንዩም በብቐጸላ እናኣጣበቐ ዓጽሚ ምንጋጋ ምስ ሰርሓላ እዩ ብመጥባሕቲ ተተኺሉላ።
ጀርመን
ኣብ ጀርመን፡ ኣብ ገሊኡ ህዝባዊ ቦታታት ሽጋራ ምትካኽ ብኸፊል ካብ ዚእገድ ኣብ ውሽጢ ዓመት፡ ኣብ ሓደ ጕጅለ ኣብ እተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣንጃይና ፐክቶሪስ ብዚብሃል ሕማም ልቢ ናብ ሆስፒታል ዚመጹ ሰባት ቍጽሮም ብ13.3 ሚእታዊት ነክዩ፣ ወቕዒ ልቢ ዜጋጥሞም ሰባት ከኣ ቍጽሮም ብ8.6 ሚእታዊት ነክዩ።