ንቕሑ! ግንቦት 2013
ካብ ከባቢ ዓለም
ዛዕባታት፦ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዚሰርሑ ሰራሕተኛታት ሓለዋ፡ ኣጽዋር ከም ዝገበቱ፣ ኣብ ኖርወይ፡ መንግስትን ቤተ ክርስትያንን ከም እተፈላለዩ፣ ከምኡውን ኣብ ህንዲ ሕጽረት ምግቢ ኸም ዘሎ።
ንስድራ ቤት
ንውሉድካ ብኸመይ ከም እትግስጾ
ምግሳጽ ኪብሃል ከሎ፡ ምምሃር ማለት እዩ። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ መንእሰይ ዝዀነ ውሉድካ፡ ንኺዓሉ ዘይኰነስ ንኺእዘዝ ብኸመይ ኽትምህሮ ከም እትኽእል ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ቃለ መጠይቕ
ሓንቲ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ንእምነታ እንደገና ዝመርመረትሉ ምኽንያት ገለጸት
ንራኬል ሃል፡ የሱስ እቲ እትጽበዮ ዝነበረት መሲሕ ከም ዝዀነ ዘእመና መርትዖ እንታይ እዩ፧