ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

እታ ነዊሕ ጕዕዞ እትጓዓዝ ኣልባጥሮስ ንጕልበታ እትቝጥበሉ መገዲ

እታ ነዊሕ ጕዕዞ እትጓዓዝ ኣልባጥሮስ ንጕልበታ እትቝጥበሉ መገዲ

ዚዝምብያ ኣዕዋፍ፡ ብሒደት ጕልበት እየን ኣብ ኣየር ዚንሳፈፋ። እታ ነዊሕ ጕዕዞ እትጓዓዝ ኣልባጥሮስ ከኣ፡ ዝበለጸት ኣብነት እያ። እዛ ዑፍ እዚኣ፡ 3.4 ሜተር ዝንውሓቱ ኣኽናፍ ዘለዋን 8.5 ኪሎ ግራም ዝኽብደታን ኰይና፡ ብዙሕ ጕልበት ከይተጠቕመት ንኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ክትበርር ትኽእል እያ። ከምኡ ኽትገብር ዝኸኣለት፡ ሳላ ቕርጺ ሰብነታን ሳላ እቲ እትዝምብየሉ መገድን እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ እታ ዑፍ ክትበርር ከላን ንኣኽናፋ ምሉእ ብምሉእ ክትዝርግሖ ኸላን፡ ንኣኽናፋ ኣሲሩ ዚሕዞ ፍሉይ ጅማት ትጥቀም እያ፣ እዚ ኸኣ ጭዋዳታታ ንኸይደክም ይሕግዛ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ክትዝምቢ እትኽእል፡ ነቲ ኻብ ውቅያኖሳት ዚመጽእ ንፋስ ብውሕልነት ስለ እትጥቀመሉ እያ።

ኣልባጥሮስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ኺበርራ ኸለዋ፡ ብተደጋጋሚ ንሓደ መስመር ስዒበን ንላዕሊ ይድይባን ይጥወያን ኣንፈተን ይቕይራን እየን፣ እዚ ኸኣ ናህሪ ንኺውስኻን ጕልበት ንኺረኽባን ይሕግዘን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ እተን ኣዕዋፍ ብኸመይ ከምኡ ኸም ዚገብራ ኺፈልጡ ዝኸኣሉ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እዮም። ነተን ኣዕዋፍ ዚከታተል ፍሉይ መሳርሒታትን ናይ ኮምፕዩተር ሶፍትዌርን ብምጥቃም፡ ኣልባጥሮስ ኣብ ላዕሊ ኺበጽሓ ኸለዋ ነቲ ዜድልየን ጕልበት ዚረኽባኦ፡ ናብቲ ንፋስ ዚነፍሰሉ ሸነኽ ብምዃን ስለ ዚዝምብያ ምዃኑ ፈለጡ። እቶም ተመራመርቲ ኸም ዝገለጽዎ፡ “እቲ ጕልበት ዚረኽባሉ ምንጪ፡” “ዋላ ሓንቲ ዘየሸግርን ዘየቋርጽን እዩ።” እሞኸ ውጽኢቱ እንታይ ኰነ፧ ኣልባጥሮስ ኣኽናፈን ከየንገብገባ ንነዊሕ ሰዓታት ኪዝምብያ ይኽእላ እየን።

መሃንድሳት ነዚ ምፍላጦም፡ ነዳዲ ዚቝጥባ፡ ሕሉፍ ሓሊፈን እውን ብዘይ ሞተር ዚኸዳ መጓዓዝያ ኣየር ንኺሰርሑ ኺሕግዞም ይኽእል ይኸውን።

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ እታ ነዊሕ ጕዕዞ እትጓዓዝ ኣልባጥሮስ ንጕልበታ እትቝጥበሉ መገድን ቅርጺ ሰብነታን፡ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧