ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ካብ ከባቢ ዓለም

ኣትኵሮ ኣብ ሃይማኖት

ኣትኵሮ ኣብ ሃይማኖት

ሃይማኖት፡ ምንጪ ሓድነት እዩ ኪኸውን ዘለዎ። መብዛሕትኡ እዋን ግና፡ ጠንቂ ግጭትን ዘይምትእምማንን እዩ ዚኸውን ዘሎ።

ዓለም

ልዕሊ ሰለስተ ርብዒ ዚኸውን ህዝቢ ዓለም፡ ኣብተን ሃይማኖታዊ እገዳ ዘለወን ሃገራት እዩ ዚነብር፣ ጠንቂ እቲ እገዳ፡ መንግስታዊ ፖሊሲ ወይ ማሕበራዊ ጽልኢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመት፡ ብዝሒ እተን ኣብ ልዕሊ ንኣሽቱ ዚብሃላ ሃይማኖታት መጥቃዕቲ ዜውርዳ ሃገራት፡ ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ እዩ።

ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ገሊኦም ሰባት ንሃይማኖት ኣዝዮም ዚጸልኡሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧—ማቴዎስ 23:27, 28፣ ዮሃንስ 15:19

ዓዲ እንግሊዝ

ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ቶኒ ብሌር፡ ኣብታ ኦብዘርቨር እትብሃል ጋዜጣ፡ ጠንቂ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዜጋጥም ዘሎ ግብረ ሽበራ፡ “ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሃይማኖት፡” ማለት ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ምዃኑ ጸሓፈ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኣብዚ ዘመን እዚ ዚግበር ውግእ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መበል 20 ዘመን ዘጋጠመ፡ ብሰንኪ ዝለዓለ ፍልልይ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ኣይኰነን ዚልዓል፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሰንኪ እቲ ንባህላዊ ወይ ንሃይማኖታዊ ሕቶታት ዚምልከት ፍልልይ ኪባራዕ ይኽእል እዩ” በለ።

ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ሃይማኖት መብዛሕትኡ እዋን ጠንቂ ምክፍፋል ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—ማርቆስ 7:6-8

ኣውስትራልያ

ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣውስትራልያ ኸም ዝጸብጸቦ፡ ካብ ሓሙሽተ ተቐማጦ ኣውስትራልያ እቲ ሓደ፡ ኣባል ዝዀነት ትኹን ሃይማኖት ከም ዘይኰነ እዩ ዚገልጽ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ፡ “ዋላ እውን ሓደ ሰብ ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ከም ዝዀነ እንተ ገለጸ፡ ኣብ ንጥፈታት እታ ሃይማኖት ብንቕሓት ይካፈል ማለት ኣይኰነን።” ካብቶም ኣባል ሓንቲ ሃይማኖት ከም ዝዀኑ ዚዛረቡ ሰባት፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ 15 ሚእታዊት፡ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ 22 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ኣብ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት ብንቕሓት ዚካፈሉ።

ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ኣብ መብዛሕትአን እተን ሎሚ ዘለዋ ሃይማኖታት፡ እንታይ ኣሉታዊ ባህርያት እዩ ዚርአ ዘሎ፧—ማቴዎስ 7:15-20