ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

መሲሕ

መሲሕ

መሲሕ ናብዛ ዓለም እዚኣ መጺኡ ንሰባት ካብ ሕማምን መከራን ሞትን ከም ዜድሕኖም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። እሞኸ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ መሲሕ ድዩ፧

ሰባት ነቲ መሲሕ ዜለልይዎ ብኸመይ እዮም፧

ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ መሲሕ ወይ ክርስቶስ፡ ክልተ እተፈላለየ ግደ እዩ ዘለዎ፣ እዚ ግደ እዚ ኸኣ፡ ናይ ነዊሕ እዋን ፍልልይ ኣለዎ። * እቲ መሲሕ ነቲ ናይ መጀመርታ ግዲኡ ንምፍጻም፡ ሰብ ኪኸውን ነበሮ። ሰባት ብቐሊሉ ምእንቲ ኼለልይዎ ድማ፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ብዙሕ መዳያት ህይወቱን ኣገልግሎቱን ተነብዮም እዮም። አረ ቐንዲ ዕላማ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስሲ “ብዛዕባ የሱስ ንምምስካር እዩ።”—ራእይ 19:10

የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ከም ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር መጠን ብዓለምለኻዊ ደረጃ እንታይ ከም ዚገብር ብንእሽቶ ኣርኣየ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

እቲ መሲሕ . . .

የሱስ ንዅሉ እዚ እተጠቕሰን ንኻልእ ብዙሕ ትንቢታትን ፈጺምዎ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሕሙማት ኣሕውዩን ንምዉታት ኣተንሲኡን እዩ። እዚ ኸኣ፡ እቲ መሲሕ ንሱ ምዃኑ ዚሕብር ዝያዳ መርትዖ እዩ ዚዀነና፣ ኣብ ርእሲኡ ግና፡ የሱስ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝፈጸሞ ነገራት ኣብ መጻኢ ኣብ መላእ ምድሪ ኸም ዚፍጽሞ ንዚገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ መብጽዓ ምሉእ ብምሉእ ከም እንኣምኖ እዩ ዚገብረና። (ሉቃስ 7:21-23፣ ራእይ 21:3, 4) የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ነቲ መሲሓዊ ዕዮኡ ዚፍጽመሉ እዋን እናተጸበየ፡ ኣብ ‘የማን ኣምላኽ’ ተቐሚጡ እዩ።—መዝሙር 110:1-6

“ክርስቶስ ምስ ዚመጽእከ፡ ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ዚበዝሕ ትእምርትታትዶ ኺገብር ኰይኑ፧”ዮሃንስ 7:31

እቲ መሲሕ ንግዲኡ ዚዛዝሞ ብኸመይ እዩ፧

እቶም ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ እቲ መሲሕ ካብ መግዛእቲ ሮሜ ናጻ ኼውጽኦምን መንግስቲ እስራኤል ኪመልስን እዮም ዚጽበይዎ ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:6) እቶም ኣይሁድ ዝዀኑ ሰዓብቲ የሱስ፡ ንሱ ኸም ሓደ ዓብዪ ስልጣን እተዋህቦ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር መጠን፡ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ነቲ ግዲኡ ኸም ዚዛዝሞ እተረድኦም፡ ጸኒሑ እዩ።—ማቴዎስ 28:18

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

እቲ መሲሕ ኣብቲ ኻልኣይ ግዲኡ . . .

የሱስ፡ መሲሕ ብምዃን ነቲ ናይ መጀመርታ ግዲኡ ፈጺምዎ እዩ። ነቲ ኻልኣይ ግዲኡ እውን ኪዛዝሞ እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባኡ ኸነጽንዕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይሲ፡ የሱስ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” ኢሉ እዩ።—ዮሃንስ 14:6

“ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ፡ ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ። . . . ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ።”መዝሙር 72:7, 8

^ እታ “መሲሕ” እትብል ቃል፡ ካብ እብራይስጢ ዝመጸት እያ። እታ ምስኣ እትመሳሰል “ክርስቶስ” እትብል ቃል ከኣ ካብ ግሪኽኛ እያ መጺኣ።—ዮሃንስ 1:41

^ እታ ናይ መጀመርታ ጥቕሲ ንትንቢት፡ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ንፍጻመ እያ እተመልክት።