ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ

“ገንዘብ እንተሎ፡ ብሰማይ መገዲ ኣሎ” ዚብል ኣበሃህላ ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ብእተወሰነ መዳይ ሓቅነት ኣለዎ። ከመይሲ፡ ምግብን ክዳንን ክንዕድግ፡ ገዛ ኽራይ ክንከፍል ወይ ቤት ክንዕድግ ገንዘብ የድልየና እዩ። ኣሰናዳኢ ሓንቲ መጽሔት “ገንዘብ ኣብ ሕብረተ ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ገንዘብ ከም መለዋወጢ ዀይኑ ኣብ ጥቕሚ እንተ ዘይውዕል፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ወርሒ ራዕድን ውግእን ምዀነ ነይሩ” ብምባል ጸሓፈ።

ይኹን እምበር፡ ገንዘብ ናይ ገዛእ ርእሱ ድሩትነት ኣለዎ። ኣርነ ጋርቦርግ ዚብሃል ኖርወያዊ ገጣሚ፡ ብገንዘብ “ምግቢ እምበር ሸውሃት ኣይዕደግን፣ መድሃኒት እምበር ጥዕና ኣይዕደግን፣ ምሹእ ዓራት እምበር ድቃስ ኣይዕደግን፣ ፍልጠት እምበር ጥበብ ኣይዕደግን፣ ዜብለጭልጭ ነገር እምበር መልክዕ ኣይዕደግን፣ ጽባቐ እምበር ፍቕሪ ኣይዕደግን፣ መዘናግዒ እምበር ሓጐስ ኣይዕደግን፣ ፈተውቲ እምበር ኣዕሩኽ ኣይዕደግን፣ ኣገልገልቲ እምበር ተኣማንነት ኣይዕደግን” በለ።

ሓደ ሰብ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምስ ዚሕዝ፡ ገንዘብ ሸቶኡ ንኺወቅዕ ከም ዚሕግዞ ደኣ እምበር፡ ከም ቀንዲ ሸቶ ህይወቱ ገይሩ ስለ ዘይርእዮ፡ ዕግበት ኪረክብ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት እዩ፣ ገሊኦም ነዚ እናተመጣጠሩ ንርእሶም ብብዙሕ ስቓይ ወጋግኡ’ ብምባል የጠንቅቕ።—1 ጢሞቴዎስ 6:10

ፍቕሪ ገንዘብ ደኣ እምበር፡ ገንዘብ ባዕሉ ጐዳኢ ኸም ዘይኰነ ኣስተብህል። ኣብ ገንዘብ እምብዛ ምትኳር፡ ኣዕሩኽን ኣባላት ስድራ ቤትን ኪኸፋፍል ይኽእል እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ዳንኤል፦ * “ንቶማስ ዓርከይ ከም ሓደ ምቝሉልን ቅኑዕን ሰብ እየ ዝፈልጦ ነይረ። ንሱ ነታ ዘገልገለት ማኪናይ ክሳዕ ዝገዝኣ ኸኣ ኣብ መንጎና ዋላ ሓንቲ ጸገም ኣይነበረናን። ማኪናይ ዝዀነ ይኹን ብልሽት ከም ዝነበራ ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ይኹን እምበር፡ ነታ ማኪና ንኺገዝኣ ብጽሑፍ ውዕል ገበረ፣ እቲ ውዕል፡ ነቲ ንብረት ብኸምቲ ዘለዎ ዅነታት ይዕድጎ ኸም ዘሎን ምስ ዓደጎ ኺመልሶ ኸም ዘይክእልን ዚገልጽ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ግና እታ ማኪና ተበላሸወት። ቶማስ፡ ዘታለልክዎ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ገንዘቡ ኽመልሰሉ ግዲ በለኒ። ኣዝየ እየ ሰንቢደ! ከረድኦ እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ንሱ ግና ብቝጥዐ ተዛረበኒ። ናይ ገንዘብ ጕዳይ ምስ ተላዕለ፡ ካልእ ሰብ እዩ ዀይኑ።”

ኤሰን፦ “ነስሪም እታ እንኮ ሓብተይ እያ። ኵሉ ግዜ ንሰማማዕ ስለ ዝነበርና፡ ብሰንኪ ገንዘብ ርክብና ኺበላሾ ኸም ዚኽእል ሓሲበ ኣይፈልጥን እየ። ከምኡ እዩ ግና ኣጋጢሙ። ወለድና ቐቅድሚ ሙማቶም ነቲ ዝሓደጉልና ንእሽቶ ውርሻ ብማዕረ ኣብ ክልቴና ኽንማቐሎ ተላብዮምና ነበሩ። ሓብተይ ኣንጻር ድሌታት ወለደይ ብምኻድ፡ ካብ እጃማ ንላዕሊ ኽትወስድ ደለየት። ንመምርሒታት ወለደይ ክስዕብ ስለ ዝመረጽኩ ድማ ተቘጥዐት፣ ከተጕባዕብዐለይ እውን ጀመረት። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ተቐዪማትኒ እያ ዘላ።”

ገንዘብን ኣቐዲምካ ምፍራድን

ብዛዕባ ገንዘብ እተዛብዐ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት፡ ንኻልኦት ብቐሊሉ እዮም ዚፈርዱ። ንኣብነት፡ ሓደ ሃብታም ሰብ፡ ድኻታት ሰባት ናብራኦም ንምምሕያሽ ከም ዘይጽዕሩ ገይሩ ይሓስብ ይኸውን። ወይ ድማ ሓደ ውሑድ ኣታዊ ዘለዎ ሰብ፡ ርኹባት ሰባት ፍቕረ ንዋይ ዘለዎምን ስሱዓትን ከም ዝዀኑ ገይሩ ተቐዳዲሙ ይድምድም ይኸውን። ሓንቲ ርኹባት ስድራ ቤት ዘለዋ ሊን እትብሃል መንእሰይ፡ ግዳይ ኣቐዲምካ ምፍራድ ኰይና እያ። ከምዚ ኸኣ በለት፦

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብ ዚህቦ ምኽሪ ከምቲ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ውጽኢታዊ ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ውጽኢታዊ እዩ

“ከም ጓል ኣዝዩ ሃብታም ኣቦ እየ ዚፍለጥ ነይረ። ስለዚ ኸኣ ሰባት ብዙሕ ግዜ፡ ‘ገለ ነገር እንተ ደሊኺ፡ ንኣቦኺ ሃበኒ ምባል ጥራይ እዩ ዜድልየኪ’ ወይ ‘ንሕና ኸማኺ ሃብታማት ስለ ዘይኰንና፡ ከምቲ ስድራኺ ዘለዎም ጽቡቓት ማካይን ክንዕድግ ኣይንኽእልን ኢና’ ይብሉኒ ነበሩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ንኣዕሩኸይ ከምኡ ኸይብሉ ነገርክዎም፣ ቃላቶም ስለምንታይ ከም ዚሃስየኒ እውን ገለጽኩሎም። ከም በዓልቲ ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ከም ንኻልኦት ሰናይ እትገብር ሰብ ክፍለጥ እየ ዝደሊ ነይረ።”

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንገንዘብ ኣይዅንንን እዩ፣ ዋላ እውን ነቶም ብዙሕ ገንዘብ ዘለዎም ኣይነቕፎምን እዩ። እቲ ነጥቢ፡ ሓደ ሰብ ዘለዎ መጠን ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ድሮ ዘለዎ ወይ ብዛዕባ እቲ ኼጥርዮ ዚደሊ ገንዘብ ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብ ዚህቦ ምኽሪ ሚዛናዊ እዩ፣ ከምቲ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን ውጽኢታዊ ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ውጽኢታዊ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት እስከ ርአ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዐር።”—ምሳሌ 23:4

ብመሰረት ዘ ናርሲሲዝም ኢፒደሚክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ደድሕሪ ሃብቲ ዚጐይዩ ሰባት “ኣእምሮኣዊ ጥዕና ይስእኑ እዮም፣ ኣብ ርእሲ እዚ፡ ከም ምሕርሓር ጐረሮን ቃንዛ ሕቘን ሕማም ርእስን ዝኣመሰለ ብዙሕ ጸገማት ጥዕና ኣለዎም፣ ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ የዘውትሩ፡ ሓሽሽ ድማ ይወስዱ እዮም። ስለዚ፡ ደድሕሪ ገንዘብ ምጕያይ፡ ሕማቕ ናብራ ኸም እትነብር እዩ ዚገብረካ።”

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ።”—እብራውያን 13:5

ሓደ ዕጉብ ሰብ፡ ብገንዘብ ፈጺሙ ኣይጭነቕን እዩ ማለት ኣይኰነን፣ ይኹን እምበር፡ ህይወቱ ብጭንቀት ክትወሓጥ ኣይፈቅድን እዩ። ንኣብነት፡ ገንዘባዊ ኽሳራ ምስ ዜጋጥሞ፡ እምብዛ ኣኽቢዱ ኣይርእዮን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኺህልዎ እዩ ዚጽዕር፣ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ዋሕድን ብዝሕን እፈልጥ እየ። ኣብ ኵሉን ብዅሉ ዅነታትን ናይ ጽጋብን ጥሜትን፡ ናይ ርኽበትን ስእነትን ምስጢር እፈልጥ እየ።”—ፊልጲ 4:12

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ብሃብቱ ዚእመን ይወድቕ።”—ምሳሌ 11:28

ተመራመርቲ ኸም ዚገልጽዎ፡ ብሰንኪ ናይ ገንዘብ ጸገም ብዙሕ ሓዳር ኣብ ፍትሕ በጺሑ እዩ። ናይ ገንዘብ ጸገም ጠንቂ ምፍጻም ነፍሰ ቕትለት እውን ኰይኑ እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ ልዕሊ ሓዳሮም አረ ልዕሊ ህይወቶም እውን ከይተረፈ ገንዘብ እዩ ዜገድሶም። ብኣንጻር እዚ ግና እቶም ሚዛናዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ብገንዘብ ኣይእመኑን እዮም። የግዳስ፡ ነቲ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ” ዚብል ቃላት የሱስ ሒዝዎ ዘሎ ጥበብ ይግንዘብዎ እዮም።—ሉቃስ 12:15

ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘሎካ፧

ርእስኻ ምምርማር፡ ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወካ ኸም ዜድልየካ የዘኻኽረካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ፦

  • ብኣቋራጭ ንምህብታም ዚግበር ሜላታት ይስሕበኒ ድዩ፧

  • ካብቲ ዘሎኒ ገንዘብ ንኻልኦት ክልግሰሎም ይኸብደኒ ድዩ፧

  • ምስቶም ብቐጻሊ ብዛዕባ ገንዘብን ብዛዕባ ዚውንንዎ ነገራትን ዚዛረቡ ሰባት ክተዓራረኽ ናይ ምድላይ ዝንባለ ኣሎኒ ድዩ፧

  • ገንዘብ ንምርካብ ኢለ እሕሱን ዘይስነ ምግባራዊ ነገራት እገብርን ድየ፧

  • ገንዘብ፡ ኣገዳሲ ሰብ ከም ዝዀንኩ ገይረ ኸም ዝሓስብ ይገብረኒ ድዩ፧

  • ወትሩ ብዛዕባ ገንዘብ ድየ ዝሓስብ፧

  • እቲ ንገንዘብ ዚምልከት ዘሎኒ ኣረኣእያ ንጥዕናይን ንህይወት ስድራ ቤተይን ብኣሉታዊ መገዲ ይጸልዎ ኣሎ ድዩ፧

    ንኻልኦት ሰባት ብምምቓል ናይ ልግሲ ባህሪ ኣማዕብል

ካብዘን ሕቶታት ንሓንቲ እውን ትኹን ‘እወ’ ኢልካ እንተ መሊስካ፡ ንፍቕረ ንዋያዊ ኣተሓሳስባን ድፍኢትን ክትነጽጎ ጽዓር። ምስቶም ኣብ ገንዘብን ጥሪትን እምብዛ ዜድህቡ ሰባት ኣይትተዓራረኽ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቶም ካብ ጥሪት ንላዕሊ ነቲ ልዑል ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዝያዳ ኣገዳሲ ገይሮም ዚርእይዎ ሰባት ተቐራረብ።

ፍቕሪ ገንዘብ ኣብ ልብኻ ሱር ኪሰድድ ፈጺምካ ኣይተፍቅደሉ። ንገንዘብ ልዕሊ ኣዕሩኽካን ስድራ ቤትካን ከምኡ እውን ልዕሊ ስምዒታውን ኣካላውን ጥዕናኻ ኣይትስርዓዮ። ነዚ ምኽሪ እዚ ኽትትግብሮ እንተ ጽዒርካ፡ ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኸም ዘሎካ ዜርኢ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 7 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።