ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዝወረዶም መስጐጕቲ ብዓወት ተዋጺኦሙሉ

ንዝወረዶም መስጐጕቲ ብዓወት ተዋጺኦሙሉ

ንዝወረዶም መስጐጕቲ ብዓወት ተዋጺኦሙሉ

ፍሪዳ የስ ብ1911 ኣብ ዴንማርክ ተወልደት: ካብኡ ድማ ምስ ወለዳ ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ጀርመን ዝርከብ ሁዙም ዝበሃል ቦታ ገዓዘት። ድሕሪ ገለ ዓመታት ኣብ ማግደበርግ ስራሕ ረኸበት: ብ1930 ከኣ ሓንቲ ኻብቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝበሃሉ ዘለዉ ብምዃን ተጠምቀት። ብ1933 ሂትለር ኣብ ስልጣን ደበየ: ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ንፍሪዳ ኣብ ትሕቲ ኽልተ ምልካዊ ስርዓታት ን23 ዓመታት ዝቐጸለ ግፍዒ ወረዳ።

ኣብ መጋቢት 1933 መንግስቲ ጀርመን ሓፈሻዊ ምርጫ ኣካየደ። ሓላፊ ቤተ⁠-​መዘክር መዳጐኒ ደምበ ኖይንጋም ዶ/ር ደትለፍ ጋርበ ብዛዕባ እቲ ግዜ እቲ “እቶም ደገፍቲ ብሄራዊ ሶሻሊስት ነቲ ቻንስለሮምን መራሒኦምን ዝነበረ ኣዶልፍ ሂትለር ብዙሓት ሰባት ንኽመርጽዎ ጸቕጢ ኽገብሩ ደለዩ” ብምባል ገለጸ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ነቲ የሱስ ካብ ፖለቲካ ገለልትነቶም ንኽሕልዉን ‘ካብ ዓለም ንኸይኰኑን’ ዝሃቦም ማዕዳ ስለ ዝሰዓቡ ኣየድመጹን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ተኣገዱ።​—⁠ዮሃንስ 17:16

ፍሪዳ ብስቱር ክርስትያናዊ ንጥፈታታ ቐጸለት: ብዘይ​ካዚ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ምሕታም እውን ሓገዛ ኣበርከተት። ብዛዕባዚ ኣመልኪታ “ገለ ኻብቲ መጽሔታት ነቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ዝነበሩ ኣመንቲ ብጾትና ብስዉር ይበጽሖም ነበረ” በለት። ብ1940 ብጌስታፖ ዝበሃሉ ናይ ጸጥታ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትያ ብዙሕ መርመራ ተገብረላ: ድሕርዚ ኸኣ ንሓያሎ ኣዋርሕ ንበይና ኣብ ሓደ ኽፍሊ ተኣስረት። ብኸመይ ግን ነዚ ኽትዋጽኣሉ ኽኢላ፧ ባዕላ ኸምዚ ብምባል መልሲ ትህብ:- “ጸሎት መዕቈብየይ እዩ ነይሩ። ካብ ንግሆ ኣትሒዘ ኣብ መዓልቲ ብተደጋጋሚ እጽሊ ነበርኩ። ጸሎት ሓይሊ ሂቡኒ: ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸይጭነቕ ከኣ ሓጊዙኒ እዩ።”​—⁠ፊልጲ 4:6, 7

ፍሪዳ ኻብ ማእሰርቲ ተፈትሐት: እንተዀነ ግን ብ1944 ጌስታፖ እንደገና ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእተዉዋ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቫልትሃይም ንሸውዓተ ዓመታት ክትእሰር ድማ ተፈርደት። ብዛዕባዚ ፍሪዳ ኸምዚ በለት:- “እቶም ሓለውቲ እሱራት ምስ ካልኦት ኣንስቲ ሓቢረ ኣብቲ መሕጸቢ ኽፍልን ዓይኒ⁠-​ምድርን ክዓዪ መደቡኒ። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓንቲ ቸኮስሎቫክያዊት ሰበይቲ እየ ዝዓዪ ነይረ: ስለዚ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እምነተይን ብዙሕ እነግራ ነበርኩ። ምስኣ ምዝርራበይ ኣበራቲዑኒ እዩ።”

ንሓጺር እዋን ተፈትሐት

ኣብ ግንቦት 1945 እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቫልትሃይም ዝነበሩ እሱራት ብወተሃደራት ሶቭየት ሓራ ወጹ: ፍሪዳ እውን ናብ ማግደበርግ ተመሊሳ ኣገልግሎታ ቐጸለት: እዚ ሓርነታ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን። ድሕሪ ሓጺር እዋን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዒላማ መጥቃዕቲ ዀኑ: ኣብቲ ግዜ እቲ ግን በቶም ሶቭየት ኣብ እትቈጻጸሮ ዞባ ዝርከቡ ሰበ⁠-​ስልጣናት እዩ መጥቃዕቲ ዝወረዶም። ኣብቲ ብዛዕባ ምልካውነት መጽናዕቲ ዝገብር ብሃና ኣረንት እተሰየመ ትካል ዝዓዪ ጌራልት ሃክ: “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መንጎ እቶም ኣብ ጀርመን ብዝሰፈነ ክልቲኡ ውልቀ⁠-⁠ምልካዊ ስርዓታት መስጐጕቲ ዝወረዶም ሒደት ማሕበራዊ ጕጅለ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ።

እቲ ኻልኣይ ስርዓት ዘጋፍዖምከ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ እውን እቲ ቐንዲ ምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነቶም እዩ ነይሩ። ብ1948 ምብራቕ ጀርመን ኵሎም ሰባት ዝሳተፉሉ ምርጫ ገበረት: ከምቲ ሃክ ዝገለጾ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዒላማ መስጐጕቲ ዝዀኑሉ “ቐንዲ ምኽንያት ኣብቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ብዘይ​ምድማጾም እዩ።” ኣብ ነሓሰ 1950 ኣብ ምብራቕ ጀርመን ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣገዱ። ብኣማእታት ዝቝጸሩ ተኣስሩ: ሓንቲ ኻብዚኣቶም ድማ ፍሪዳ ነበረት።

ፍሪዳ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐረበት እሞ ንሽዱሽተ ዓመታት ክትእሰር ተፈርደት። ብዛዕባ እቲ እዋን ኣመልኪታ “ምስ ኣመንቲ ብጾተይ እየ ተኣሲረ: እዚ ድማ ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ” በለት። ብ1956 ምስ ተፈትሐት: ናብ ምዕራብ ጀርመን ገዓዘት። ኣብዚ ግዜ እዚ ጓል 90 ዓመት እያ: ክሳዕ ሕጂ ኸኣ ኣብ ሁዙም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ተገልግል ኣላ።

ፍሪዳ ኣብ ትሕቲ ኽልተ ውልቀ⁠-​ምልካዊ ስርዓታት ን23 ዓመታት መስጐጕቲ ወሪድዋ እዩ። ብዛዕባዚ ኸምዚ ትብል:- “ናዚ ኣካለይ ከማስኑ እዮም ጽዒሮም: ኮምዩኒስት ድማ ሞራለይ ከውድቑ እዮም ፈቲኖም። ይኹን እምበር: ናጻ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ዝነበረኒ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልማድ: ንበይነይ ክኸውን ከለኹ ከየባተኽኩ ምጽላየይ: ብዝከኣል መጠን ምስ ኣመንቲ ብጾተይ ምቅርራበይ: ከምኡውን ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኽበሉ ዘበለ ንኻልኦት ብዛዕባ እምነተይ ምንጋረይ ሓይሊ ሂቡኒ እዩ።”

ፋሽስትነት ኣብ ሃንጋሪ

ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መስጐጕቲ ዘውረደት ካልእ ሃገር ሃንጋሪ እያ። ገሊኣቶም ውልቀ⁠-​ሰባት ኣብ ትሕቲ ኽልተ ምልካዊ ስርዓታት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ትሕቲ ሰለስተ ስርዓታት እውን ግፍዒ ወሪድዎም እዩ። ኣዳም ሲንገር ሓደ ኣብነት ክዀነና ይኽእል እዩ። ኣዳም ኣብ ሃንጋሪ ኣብ እትርከብ ፓክሽ እትበሃል ከተማ ብ1922 ተወልደ: ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ድማ ሰዓቢ እምነት ፕሮተስታንት ነበረ። ብ1937 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣዳም ናብ ቤቱ መጹ: ንሱ ድማ ብኡንብኡ ኣብቲ መልእኽቶም ተገዳስነት ኣሕደረ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህሮ ነገራት: ቤተ⁠-​ክርስትያኑ እትምህሮ ትምህርትታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ዘይምዃኑ ኣረጋገጸሉ። ስለዚ ንናይ ፕሮተስታንት ቤተ⁠-​ክርስትያን ሓዲጉ ምስቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቢሩ ኸገልግል ጀመረ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ፋሽስትነት ኣብ ሃንጋሪ ሰፊኑ ነበረ። ኣባላት ፖሊስ ንኣዳም ካብ ቤት ናብ ቤት ክሰብኽ ብተደጋጋሚ ስለ ዝረኣይዎ: ንኽምርምርዎ ሓዝዎ። ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወርድ ጸቕጢ እናሓየለ ኸደ: ብ1939 ከኣ ንጥፈታቶም ብሕጊ ተኸልከለ። ብ1942 ኣዳም ተታሕዘ: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ: ብዘሰቅቕ መገዲ ድማ ተቐጥቀጠ። ገና ወዲ 19 ዓመት ከሎ ነዚ ዅሉ ስቓይን ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ማእሰርትን ክጻወሮ ዝኸኣለ ደኣ ብምንታይ እዩ፧ ባዕሉ “ገና ኸይተኣሰርኩ ኸሎኹ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዝግባእ አጽንዕ ነበርኩ: ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ርጡብ ምርዳእ ነበረኒ” ኢሉ መለሰ። ከም ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ኽጥመቕ ዝኸኣለ እኳ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ እዩ። ኣብ ነሓሰ 1942 ብጕልባብ ጸልማት ኣብ ጥቓ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ ርባ ተጠምቀ።

ኣብ ሃንጋሪ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርትን ኣብ ሰርብያ ኣብ ዝርከብ ናይ ሸቕሊ ደምበን

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ሃንጋሪ ኣብ ጐድኒ ጀርመን ብምስላፍ ምስ ሕብረት ሶቭየት ተዋግአት: ኣብ ቀውዒ 1942 ኸኣ ኣዳም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህብ ተጸውዐ። ብዛዕባ ኣብቲ ግዜ እቲ ዘጋጠሞ ነገር ከምዚ በለ:- “ብምኽንያት እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርክዎ ነገር ወተሃደር ኰይነ ኸገልግል ከም ዘይክእል ሓበርኩ። ገለልተኛ ኣቕዋም ከም ዘሎኒ ድማ ገለጽኩ።” በዚ ምኽንያት እዚ ን11 ዓመታት ክእሰር ተፈርደ። ኣብ ሃንጋሪ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን።

ብ1943 እቶም ሰበ⁠-​ስልጣን ካብ እተፈላለየ ቦታታት ንዝኣከቡዎም 160 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጃልባ ሰቒሎም ብፈለግ ዳንዩብ ኣቢሎም ናብ ሰርብያ ወሰድዎም። ኣዳም ሓደ ኻባታቶም ነበረ። እዞም እሱራት እዚኣቶም ኣብ ሰርብያ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሳልሳይ ራይኽ ሂትለር ኣተዉ። ኣብ ቦር ዝበሃል ናይ ሸቕሊ ደምበ ድማ ነሓሲ ኣብ ምዕዳን ክዓዩ ተገደዱ። ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ እንደገና ናብ ሃንጋሪ ተመልሱ: ኣብኡ ኸኣ ኣዳም ኣብ ጽድያ 1945 ብወተሃደራት ሶቭየት ሓራ ወጸ።

ሃንጋሪ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኮምዩኒስት

እንተዀነ ግን: እዚ ሓርነት እዚ ነዊሕ ኣይጸንሐን። ኣብ መወዳእታ 1940ታት ኣብ ሃንጋሪ ዝነበሩ ናይ ኮምዩኒስት ሰበ⁠-​ስልጣን: ልክዕ ከምቲ ቅድሚ እቲ ውግእ ምኽታሙ ፋሽስት ዝገብርዎ ዝነበሩ ንንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣገድዎ። ብ1952 ኣዳም ወዲ 29 ዓመት ኣቢሉ ምስ ኰነ: ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ምሃብ ብምእባዩ ተታሕዘ እሞ ክሲ ቐረበሉ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ በዓልቲ ቤትን ክልተ ደቅን ነበርዎ። ኣዳም ነቲ መጋባእያ ኸምዚ ብምባል ገለጸ:- “ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝኣቢ ዘለኹ ሕጂ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰነን። ውግእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን በዚ ምኽንያት እዚ ተኣሲረን ናብ ሰርብያ ተወሲደን እየ። ሕልናይ ስለ ዘየፍቅደለይ እየ ወተሃደር ምዃን ኣብየ። ናይ የሆዋ ምስክር እየ: ስለዚ ኻብ ፖለቲካ ገለልተኛ እየ።” በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ፈለማ ንሸሞንተ ዓመታት ክእሰር ተፈርደ: ጸኒሑ ግን እቲ ማእሰርቲ ናብ ኣርባዕተ ዓመት ተነከየ።

ኣዳም ክሳዕ መፋርቕ 1970ታት ማለት ካብታ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቤት እንዳ ወለዱ መጺኦም ካብ ዘዘራርብዎ ዕለት ኣትሒዙ ንልዕሊ 35 ዓመታት ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኣሕለፈ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብሽዱሽተ ኣብያተ⁠-​ፍርዲ ን23 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈርደ: ብውሕዱ ኣብ ዓሰርተ ኣብያተ⁠-​ማእሰርትን መዳጐኒ ደምበታትን ድማ ተዳጐነ። ኣብ ትሕቲ ሰለስተ ስርዓታት ማለት ኣብ ትሕቲ እቲ ቕድሚ ውግእ ዝነበረ ፋሽስታዊ ስርዓት ሃንጋሪ: ኣብ ሰርብያ ዝነበረ ስርዓት ናዚ: ከምኡውን ድሕሪ እቲ ዝሑል ውግእ ኣብ ዝነበረ ኮምዩኒስታዊ ስርዓት ሃንጋሪ ብተኸታታሊ ሓሳረ መከራ ኣሕሊፉ እዩ።

ኣብዚ ግዜ እዚ ኣዳም ኣብ ፓክሽ ዓዱ ብተኣማንነት ንኣምላኽ የገልግል ኣሎ። ነቲ ዘጋጠሞ ጸገማት ክዋጽኣሉ ዝኸኣለ ደኣ ፍሉይ ክእለት ስለ ዘለዎ ድዩ፧ ኣይፋልን። ባዕሉ እኳ ኸምዚ ብምባል እዩ ገሊጹ:-

“መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ጸሎት: ከምኡውን ምስ ኣመንቲ ብጾት ዝነበረኒ ምቅርራብ ጠቒሙና እዩ። ብተወሳኺውን ክልተ ኻልእ ነጥብታት ከጕልሕ እደሊ። ፈለማ: የሆዋ ምንጪ ብርታዐ እዩ። ምስኡ ጥብቂ ርክብ ምግባረይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ካልኣይ: ነታ ‘ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ’ እትብል ኣብ ሮሜ ምዕራፍ 12 እትርከብ ጥቕሲ ወትሩ እዝክራ ነይረ። ስለዚ ኸኣ ቂም ኣይሓዝኩን። ነቶም ዘጋፍዑኒ ሕነይ ክፈዲ ዝኽእለሉ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ረኺበ ነይረ: እንተዀነ ግን ከምኡ ኣይገበርኩን። ነቲ የሆዋ ዝሃበና ሓይሊ: እከይ ብእከይ ንምምላስ ክንጥቀመሉ የብልናን።”

ኵሉ ዓይነት መስጐጕቲ ዘይህልወሉ እዋን?

ኣብዚ እዋን እዚ ፍሪዳን ኣዳምን ብዘይ​ ገለ ዕንቅፋት ንየሆዋ የምልኽዎ ኣለዉ። እዚ ተመክሮታት እዚ ግን ብዛዕባ ሃይማኖታዊ መስጐጕቲ እንታይ እዩ ዝሕብረና፧ ከምዚ ዝኣመሰለ መስጐጕቲ ዕዉት ዘይምዃኑ እዩ ዘርኢ: ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ክወርድ ከሎ ይፈሽል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር መስጐጕቲ ኣብ ዝወርዶም እዋን ብዙሕ ንብረት እኳ እንተ ጠፍኦም: እዚ ዘይበሃል ስቓይ እውን እንተ ኣሕለፉ: እቲ መስጐጕቲ ግን ዕላምኡ ኣይወቕዐን። ኣብዚ ግዜና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብተን ክልተ ውልቀ⁠-​ምልካዊ ስርዓታት እተበራረዩለን ሃገራት ኣውሮጳ ይስስኑ ኣለዉ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር መስጐጕቲ ምስ ወረዶም እንታይ እዮም ገይሮም፧ ከምቲ ንፍሪዳን ንኣዳምን ዘጋጠሞም ጸብጻብ ዝሕብሮ: “ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር: በቲ እከይ ኣይትሰዐር” ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ምኽሪ እዮም ዓይዮምሉ። (ሮሜ 12:21) ብሓቂዶ ግን እከይ ብሰናይ ክሰዓር ይኽእል እዩ፧ ኣብ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ምስ እትህልወና: እወ ይከኣል እዩ። ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝወረዶም መስጐጕቲ ብዓወት ክዋጽኡሉ ዝኸኣሉ ብመንፈስ ኣምላኽ እዮም: እዚ ኸኣ መርኣያ ናይቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ትሑታት ክርስትያናት ዘፍርዮ ጽቡቕ ፍረ እዩ። (ገላትያ 5:22, 23) እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብዛ ዓመጻ ዝመልኣ ዓለም እንርከብ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዝግባእ እዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ፍሪዳ የስ (ሕጂ ፍሪዳ ቲየል ) ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋንን ሕጅን

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣዳም ሲንገር ኣብ እተኣስረሉ እዋንን ሕጅን