ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ዘሎካ ግንዛበ ምሉእ ብምሉእ ኣስፍሕ

ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ዘሎካ ግንዛበ ምሉእ ብምሉእ ኣስፍሕ

“ከም ፍቑራት ውሉዳት፡ ንኣምላኽ ምሰልዎ።”—ኤፌ. 5:1

1. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ነየኖት ባህርያት የሆዋ እዩ ኺጠቅስ ዚኽእል፧ (ለ) ንባህርያት ኣምላኽ ምምርማርና ዚጠቕመና ብኸመይ እዩ፧

ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኽትሓስብ ከለኻ፡ ኣየኖት እየን ናብ ኣእምሮኻ ዚመጻ፧ መብዛሕትና ንፍቕርን ንፍትሕን ንጥበብን ንሓይልን ንጠቅስ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ብዙሕ ተፈታዊ ባህርያት ከም ዘለዎ ንፈልጥ ኢና። አረ ልዕሊ 40 ዚኸውን ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸ እተፈላለየ ባህርያት የሆዋ ኽንጠቅስ ንኽእል ኢና። ኣብ ናይ ብሕቲ ወይ ናይ ስድራ ቤት መጽናዕቲ ኽንምርምሮ እንኽእል ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ዚገልጽ ዜደንቕ ሓቅታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝበለ መጽናዕቲ ኺጠቕመና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ግንዛበ ኸም ዚዓምቝ ኪገብሮ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ የሆዋ ዘሎና ግንዛበ ብዝያዳ ብዝዓመቘ መጠን፡ ናብኡ ንምቕራብን ንዕኡ ንምምሳልን ዘሎና ባህጊ እውን ብዝያዳ ኺድልድል እዩ።—እያ. 23:8፣ መዝ. 73:28

2. (ሀ) ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ዘሎና ግንዛበ ብኸመይ ከም እነስፍሕ ብምሳሌ ኣረድእ። (ለ) እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር ዘሎካ “ግንዛበ ምስፋሕ” እንታይ ማለት እዩ፧ ብዛዕባ ሓደ ነገር ኣፍልጦ ምህላው ማለት እዩ። እዚ ኸኣ በብቝሩብ እዩ እናሰፍሐ ዚኸይድ። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ብዛዕባ ሓደ ጥዒምናዮ ዘይንፈልጥ ምግቢ ዘሎና ግንዛበ እነስፍሕ፡ ብምሽታት፡ ብምጥዓም፡ ድሕሪኡ ኸኣ ነቲ ምግቢ ባዕልና ብምድላው እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ ሓደ ባህርይ ኣምላኽ ዘሎና ግንዛበ እነስፍሕ፡ ነቲ ባህርይ ብምፍላጥ፡ ብዛዕባኡ ብምስትንታን፡ ድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ናብራና ኽንመስሎ ብምጽዓር እዩ። (ኤፌ. 5:1) ዕላማ እዛ ዓንቀጽ እዚኣን እተን ቀጺለን ዘለዋ ኽልተ ዓንቀጻትን፡ ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ትዅረት ዘይንገብረሉ ባህርያት የሆዋ ዘሎና ግንዛበ ንኺሰፍሕ እዩ። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ባህርይ ከነጽንዕ ከለና፡ ነዚ ዚስዕብ ክንምርምር ኢና፦ እንታይ ማለት እዩ፧ የሆዋ ነቲ ባህርይ ብኸመይ እዩ ኣርእዩዎ፧ ንሕናኸ ንየሆዋ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

 የሆዋ ተቐራቢ እዩ

3, 4. (ሀ) ንሓደ ተቐራቢ ሰብ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ (ለ) የሆዋ ተቐራቢ ምዃኑ ዜረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧

3 ፈለማ ብዛዕባ ተቐራቢ ምዃን እስከ ንርአ። ንሓደ ተቐራቢ ሰብ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ ‘ሕያዋይ፡ ብቐሊሉ ዚቕረብ፡ ከይተሰከፍካ ኸተዘራርቦ እትኽእል’ ትብል ትኸውን። ነቲ ሓደ ሰብ ዚብሎ ዘሎ ብምስማዕን ነቲ ዜርእዮ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ብምርኣይን፡ ተቐራቢ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኸም ኣብ ገጽ ዚንበብ መግለጺታትን ካልእ ኣፍኣዊ ዘይኰነ ምልክታትን ዜጠቓልል እዩ።

4 የሆዋ ተቐራቢ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ነዚ ሰፊሕ ዩኒቨርስ ዝፈጠረ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ እኳ እንተ ዀነ፡ ንጸሎትና ኺሰምዖን ምላሽ ኪህበሉን ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (መዝሙር 145:18፣ ኢሳይያስ 30:18, 19 ኣንብብ።) ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜን ቦታን ንነዊሕ እዋን ክንዛረቦ ንኽእል ኢና። ከም ዘይነቕፈና ስለ እንፈልጥ፡ ከይተሰከፍና ኽንቀርቦ ንኽእል ኢና። (መዝ. 65:2፣ ያእ. 1:5) ቃል ኣምላኽ ንየሆዋ፡ ሰባት ኪርድእዎ ብዚኽእሉ መገድታት ገይሩ ምግላጹ፡ የሆዋ ኪቕረብ ከም ዚደሊ ዚሕብር እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት፡ ‘ኣዒንቲ የሆዋ ናባና ኸም ዚጥምታ፡’ ከምኡውን ‘የማነይቲ ኢዱ ኸም እትድግፈና’ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (መዝ. 34:15፣ 63:8) ነብዪ ኢሳይያስ እውን ንየሆዋ ምስ ጓሳ ብምምስሳል፡ “ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቝፉ ኸኣ ኪስከሞም . . . እዩ” ኢሉ ነበረ። (ኢሳ. 40:11) ሕስብ እሞ ኣብሎ! የሆዋ ኸምታ ኣብ ሕቝፊ ሓደ ሓላዪ ጓሳ እትሕቈፍ ዕየት፡ ኣዚና ኽንቀርቦ ይደሊ እዩ። ክሳዕ ክንደይ ተቐራቢ ኣቦ ዀን እዩ! ኣብዚ መዳይ እዚ ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኣዝዩ ኽቡር ባህርይ

5. ሽማግለታት ተቐረብቲ ኪዀኑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣብዚ ቐረባ ግዜ፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፍለ ዓለም ንዚነብሩ ቐናኣት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ “ሓደ ሽማግለ እንታይ ዓይነት ባህርይ ኪህልዎ ትደሊ፧” እትብል ሕቶ ቐሪባትሎም ነበረት። መብዛሕትኦም ድማ፡ “ተቐራቢ” ዚብል መልሲ ሃቡ።  ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ነዛ ባህርይ እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ኬንጸባርቓ ኸም ዘለዎ ዚከሓድ ኣይኰነን፣ ኰይኑ ግና፡ ብፍላይ ሽማግለታት ተቐረብቲ ኪዀኑ ኣለዎም። (ኢሳ. 32:1, 2) ሓንቲ ሓብቲ፡ ነታ ባህርይ ከም ኣገዳሲት ገይራ እትርእያ ስለምንታይ ምዃና ኽትገልጽ ከላ፡ “ሓደ ሽማግለ ተቐራቢ እንተ ዀይኑ ጥራይ ኢና ኻብቲ ዘለዎ ኻልእ ባህርያት ጥቕሚ ኽንረክብ እንኽእል” በለት። እዝስ ርትዓዊ ኣዘራርባ ደይኰነን፧ ይኹን እምበር፡ ንሓደ ሰብ ተቐራቢ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

6. ተቐራቢ ንምዃን ዜድሊ ቐንዲ ረቛሒ እንታይ እዩ፧

6 ተቐራቢ ንምዃን ዜድሊ ቐንዲ ረቛሒ፡ ንኻልኦት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ምርኣይ እዩ። ሓደ ሽማግለ ንኻልኦት ዚሓልየሎምን ምእንታኦም ኢሉ ጥቕሚ ርእሱ ዚስውእን እንተ ዀይኑ፡ ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ እንተላይ ንኣሽቱ ቘልዑ፡ ከይተሰከፉ ይቐርብዎ እዮም። (ማር. 10:13-16) ወዲ 12 ዓመት ዝዀነ ካርሎስ፡ “ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ሽማግለታት፡ ፍሽኽ ኪብሉን ለውሃት ዝመልኦ ተግባር ኪገብሩን ከለዉ እርእዮም እየ፡ እዚ ኸኣ ይፍተወኒ እዩ” በለ። ሓቂ እዩ፡ ሓደ ሽማግለ፡ ተቐራቢ ኸም ዝዀነ ምዝራቡ እኹል ኣይኰነን፣ ብተግባር ኬርኢ ኣለዎ። (1 ዮሃ. 3:18) ከምኡ ኺገብር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

7. እቲ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ እንገብሮ ባጅ፡ መብዛሕትኡ እዋን ንምይይጥ ዚዕድም ስለምንታይ እዩ፧ ካብዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

7 ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እሞ ርአ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ሓደ ሓውና ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ድሕሪ ምእካቡ፡ ባጁ ገይሩ ብነፋሪት ናብ ዓዱ ይምለስ ነበረ። ኣብታ ነፋሪት ዝነበረ ሓደ ኣአንጋዲ፡ ነቲ ኣብቲ ባጅ ተጻሒፉ ዝነበረ “መንግስቲ ኣምላኽ ትምጻእ!” ዚብል ቃላት ምስ ረኣየ፡ ነቲ ሓውና፡ “ሓቅኻ፡ እወ ትምጻእ፣ ኣነን ንስኻን ብዛዕባ እዚ ኽንዘራረብ ኣሎና” በሎ። ከምቲ ዝበሎ ኸኣ፡ ምስቲ ሓውና ተዘራረቡ፣ ተሓጒሱ ድማ መጽሔታትና ወሰደ። መብዛሕትና ተመሳሳሊ ተመክሮ ኺህልወና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ እንገብሮ ባጅ፡ መብዛሕትኡ እዋን ንምይይጥ ዚዕድም ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ንሰባት፡ “ከይተሰከፍካ ኸተዘራርበኒ ትኽእል ኢኻ። ናበይ እኸይድ ከም ዘለኹ ሕተተኒ” ዚብል መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፈሎም። እቲ ባጅ፡ ብዛዕባ እምነትና ንሰባት ክንነግሮም ፍቓደኛታት ምዃንና ዚሕብር ንጹር ምልክት እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ክርስትያን ሽማግለታት ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም፡ “ከይተሰከፍካ ቕረበኒ” ዚብል መልእኽቲ ዜመሓላልፍ ንጹር ምልክት ኬርእይዎም ኣለዎም። ገለ ኻብቲ ምልክታት እንታይ እዩ፧

8. ሽማግለታት ንኻልኦት ብሓቂ ኸም ዚግደሱሎም ዚሕብር ምልክት ኬርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ እዚኸ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚጸልዋ ብኸመይ እዩ፧

8 ባህሊ ኸከም ዓዱ ኺፈላለ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ እዋን ግና፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ፍሽሑው ገጽ እንተ ኣርኢናዮም፡ ከምኡውን ህድእ ኢልናን ብምዉቕ መገድን ሰላም እንተ ኢልናዮም፡ ብሓቂ ኸም እንግደሰሎም ኢና እነርኢ። ኣብዚ መዳይ እዚ ተበግሶ ኺወስድ ዘለዎ መን እዩ፧ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብቲ ማቴዎስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ፡ “የሱስ [ናብ ደቀ መዛሙርቱ] ቐሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም” ዚብል ንረክብ ኢና። (ማቴ. 28:18) ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ዘለዉ ሽማግለታት ተበግሶ ወሲዶም ናብ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ብምቕራብ፡ የዘራርብዎም እዮም። እዚ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ጽልዋ እዩ ኼሕድር ዚኽእል፧ ሓንቲ ጓል 88 ዓመት ፈላሚት፡ “ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላክ ክኣቱ ኸለኹ፡ ሽማግለታት ፍሽሑው ገጽ ኬርእዩንን ብዜተባብዕ መገዲ ኺዛረቡንን ከለዉ፡ ብዝያዳ ኸም ዝፈትዎም እዩ ዚገብረኒ” በለት። ካልእ ሓብቲ ኸኣ ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ሓደ ሽማግለ፡ ናብ ኣኼባ ምስ መጻእኩ ብፍሽሑው ገጽ እንተ ተቐቢሉኒ፡ ንእሽቶ ነገር ኪመስል ይኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንዓይ ግና ዓብዪ ነገር እዩ” በለት።

ተቐራብን ንምሕጋዝ ድሉውን

9, 10. (ሀ) የሆዋ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ዝሰርዐ፧ (ለ) ሽማግለታት ንኻልኦት ንምሕጋዝ ድሉዋት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

 9 ንኽንሕግዝ ድሉዋት እንተ ዘይኴንና፡ ተቐረብቲ ኽንከውን ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ ኣብዚ መዳይ እዚ ሰናይ ኣብነት ይዀነና እዩ። ከመይሲ፡  “ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” እዩ። (ግብ. 17:27) ሽማግለታት ንኻልኦት ንምሕጋዝ ድሉዋት ኪዀኑ ኻብ ዚኽእሉሉ መገድታት እቲ ሓደ፡ ቅድሚ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምጅማሩን ድሕሪኡን ምስ ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብምዝርራብ እዩ። ሓደ ፈላሚ፡ “ሓደ ሽማግለ ኸመይ ከም ዘለኹ ኺሓትተንን ንመልሰይ ጽን ኢሉ ኺሰምዖን ከሎ፡ እተኸበርኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” በለ። ንኣስታት 50 ዓመት ንየሆዋ ዘገልገለቶ ሓንቲ ሓብቲ እውን፡ “ድሕሪ ኣኼባ ግዜ ወሲዶም ዜዘራርቡኒ ሽማግለታት፡ ዋጋ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ ኸም ዚስምዓኒ እዮም ዚገብሩ” በለት።

10 ክርስትያን ጓሶት፡ ካልእ ብዙሕ ሓላፍነታት ከም ዘለዎም ዚከሓድ ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ ብቐንዱ ነተን ኣባጊዕ እዮም ኣቓልቦ ኺገብሩለን ዚግብኦም።

የሆዋ ኣየዳሉን እዩ

11, 12. (ሀ) ኣድልዎ ዘይምህላው እንታይ የጠቓልል፧ (ለ) የሆዋ፡ ዘየዳሉ ብምዃን ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

11 ሓደ ኻብቲ ተፈታዊ ባህርያት የሆዋ፡ ዘየዳሉ ምዃኑ እዩ። ኣድልዎ ዘይምህላው ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ፍትሓዊ ምዃን፡ ከምኡውን ካብ ሌላን ጕሌላን ወይ ምፍልላይ ናጻ ምዃን ማለት እዩ። ኣድልዎ ዘይምህላው፡ ክልተ ነገራት፡ ማለት ኣመለኻኽታን ተግባርን ዚሓቍፍ እዩ። ክልቲኡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ሓደ ዘየዳሉ ሰብ፡ ሌላን ጕሌላን ኣይገብርን እዩ። እታ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ “ዘየዳሉ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ መግለጺት፡ ቃል ብቓሉ፡ “ገጽ ዘይወስድ፡” ማለት ገጽ ርእዩ ዘየበላልጽ ማለት እያ። (ግብ. 10:34ኪንግደም ኢንተርሊንያር) ስለዚ፡ ዘየዳሉ ሰብ፡ ንኻልኦት ሰባት ብትርኢቶምን ብዅነታቶምን ዘይኰነስ፡ ብባህርያቶም እዩ ዚልክዖም።

12 የሆዋ ዘየዳሉ ብምዃን ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ይዀነና እዩ። ቃሉ፡ “ዘየዳሉ”ን “ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ”ን ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ ዘዳግም 10:17 ኣንብብ።) ብግዜ ሙሴ ዘጋጠመ ሓደ ፍጻመ፡ ነዚ ዜርኢ እዩ ነይሩ።

ኣዋልድ ጸሎፍሓድ፡ ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ ተገንዚበን ነበራ (ሕጡብ ጽሑፍ 13, 14 ርአ)

13, 14. (ሀ) ነተን ሓሙሽተ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እንታይ እዩ ኣጋጢምወን፧ (ለ) የሆዋ ኸመይ ገይሩ እዩ ኸም ዘየዳሉ ዘርኣየ፧

 13 እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም፡ ሓሙሽተ ዘይተመርዓዋ ኣሓት፡ ጸገም ኣጋጠመን። እንታይ እዩ ነይሩ፧ ልክዕ ከም ካልኦት ስድራ ቤታት እስራኤል፡ ስድራ ቤተን እውን ነቲ ንኣቦአን እተዋህቦ ርስቲ ኸም እትቕበል ይፈልጣ ነበራ። (ዘሁ. 26:52-55) ይኹን እምበር፡ እቲ ኻብ ነገድ ምናሴ ዝነበረ ኣቦአን ጸሎፍሓድ ሞተ። ብመሰረት እቲ ሽዑ ዝነበረ ልምዲ ድማ፡ እቲ ርስቲ ንኣወዳት ደቂ ጸሎፍሓድ እዩ ኺውሃብ ነይርዎ፣ ኰይኑ ግና፡ ጸሎፍሓድ ኣዋልድ ጥራይ እዩ ወሊዱ ነይሩ። (ዘሁ. 26:33) ነቲ ርስቲ ኺርስተዮ ዚኽእል ወዲ ተባዕታይ ስለ ዘይነበረ፡ ነቲ ርስቲ ንኣዝማድ ብምሃብ እተን ኣዋልድ ጥራይ ኢደን ይተርፋ ደዀን ይዀና፧

14 እተን ሓሙሽተ ኣዋልድ ናብ ሙሴ ቐሪበን፡ “ወዲ ስለ ዘይነበሮስ፡ ስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ማእከል ዓሌቱ ዚጠፍእ፧” ኢለን ሓተታኦ። ድሕሪኡ  ድማ፡ “ኣብ ማእከል ሓወቦታትና ርስቲ ሀበና” ኢለን ለመናኦ። እሞኸ ሙሴ፡ ‘ኣነ እሞ እንታይ እየ ኽገብረክን፧ እቲ ሕጊ እዩ ኸምኡ ዚብል’ ድዩ ኢልወን፧ ኣይፋሉን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ “እቲ ነገረን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ።” (ዘሁ. 27:2-5) የሆዋኸ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ንሙሴ፡ “ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሀበን፡ እቲ ርስቲ ኣቦኤን ናባታተን ኣሕልፎ” በሎ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ሕጊ ብምምሕያሽ፡ ካብኡ ንላዕሊ ገበረ። ንሙሴ ኸኣ፡ “ሰብ፡ ወዲ ኸይሐደገ እንተ ሞተ፡ እቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ” ኢሉ ኣዘዞ። (ዘሁ. 27:6-8፣ እያ. 17:1-6) ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኸኣ፡ ኵለን ከምኡ ዓይነት ጸገም ዘጋጠመን እስራኤላውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ርስቲ ኺውሃበን ጀመረ።

15. (ሀ) የሆዋ ንህዝቡ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ሓጋዚ ዘይብሎም ብኸመይ እዩ ዚሕዞም፧ (ለ) የሆዋ ኸም ዘየዳሉ ዜርኢ ኻልእ እንታይ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧

15 እቲ የሆዋ ዝገበሮ ውሳነ፡ ለውሃት ዝመልኦን ኣድልዎ ዘይብሉን እዩ ነይሩ። የሆዋ ነተን ዚሕግዘን ዘይነበረን ኣዋልድ ጸሎፍሓድ፡ ምስ ካልኦት እስራኤላውያን ብማዕረ ኣኽቢሩ ሓዘን። (መዝ. 68:5) እዚ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ ብዘይ ኣድልዎ ኸም ዚሕዞም ዜርኢ ሓደ ኣብነት እዩ።—1 ሳሙ. 16:1-13፣ ግብ. 10:30-35, 44-48

ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና

16. ዘየዳሉ ብምዃን ዝመጸ ንየሆዋ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧

16 ዘየዳሉ ብምዃን ዝመጸ ንየሆዋ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ ኣድልዎ ዘይምህላው፡ ክልተ ነገራት ከም ዜጠቓልል ኣይትረስዕ። ዘይነዳሉ እንተ ዄንና፡ ሌላን ጕሌላን ኣይንገብርን ኢና። ሓቂ እዩ፡ ኵላትና፡ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ኸም ዘሎናን ከም ዘይነዳሉን ጌርና ንሓስብ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ዚስምዓና ስምዒት፡ ብሚዛናዊ መገዲ ኽንርእዮ ኼጸግመና ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ዘይነዳሉ እንተ ዄንና ንምፍላጥ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ የሱስ፡ ሰባት ብዛዕባኡ እንታይ ይብሉ ኸም ዘለዉ ኺፈልጥ ምስ ደለየ፡ ነቶም ዚኣምኖም ፈተውቱ፡ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ ኣለዉ፧” ኢሉ ሓተቶም። (ማቴ. 16:13, 14) ንስኻኸ ንምንታይ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ዘይትገብር፧ ንእትኣምኖ ፈታዊኻ፡ ዘይተዳሉ እንተ ዄንካ ብቕንዕና ኺነግረካ ሕተቶ። ካብ ገሊኡ ዓሌት ንዝመጹ ሰባት፡ ብዙሕ ገንዘብ ንዘለዎም ሰባት፡ ወይ ከኣ ንእተማህሩ ሰባት ኣብሊጽካ ኸም እትርእዮም ይነግረካ ይኸውን፣ እሞኸ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ኣመለኻኽታኻ ንኸተተዓራርን ዘየዳሉ ብምዃን ዝመጸ ንዕኡ ብዝያዳ ንኽትመስሎን ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ናብ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ኣቕርብ።—ማቴ. 7:7፣ ቈሎ. 3:10, 11

17. ንኻልኦት ብዘይ ኣድልዎ ኽንሕዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

 17 ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ንዅሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣኽብሮትን ሳህልን ብዜርኢ መገዲ ብምሓዝ፡ ዘየዳሉ ብምዃን ዝመጸ ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣጋይሽ ክንዕድም ከለና፡ እተፈላለዩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እንተላይ ነቶም ባህሎም ካባና ዚፍለን ድኻታትን ዘኽታማትን መበለታትን ክንዕድም ኣሎና። (ገላትያ 2:10፣ ያእቆብ 1:27 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት፡ እንተላይ ንስደተኛታት ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮም ኣሎና። ብኣስታት 600 ቛንቋታት እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ኣሎና። እዚ ንባዕሉ፡ ኣድልዎ ኸም ዘይብልና ዜርኢ ጭቡጥ መርትዖ እዩ።

18. ተቐራብን ዘየዳሉን ብምዃን ዝመጸ፡ ንባህርያት የሆዋ ኸም እተማስወሉ ብኸመይ ኢኻ እተርኢ፧

18 የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ተቐራብን ዘየዳሉን ምዃኑ ኸነስተንትን ከለና፡ ንዕኡ ዘሎና ሞሳ እናዓመቘ እዩ ዚኸይድ። ሞሳና እናዓመቘ ኪኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ንባህርያት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኽንቀድሖ ኽንድረኽ ኢና፣ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን ምስቶም እንሰብከሎም ሰባትን ኣብ ዘሎና ርክብ ድማ፡ ነቲ ባህርያት ከነንጸባርቖ ኢና።

“እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም . . . ቀረባኦም እዩ።”—መዝ. 145:18 (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ . . . ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ።”—ዘዳ. 10:17 (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)