ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እንታይ ክንበልዕ ኢና፧”

“እንታይ ክንበልዕ ኢና፧”

“እንታይ ክንበልዕ ኢና፧”

የሱስ የገልግለሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ምግብን መስተን ብተደጋጋሚ ዚለዓል ርእሰ ነገር ነበረ። እታ ክርስቶስ ፈለማ ዝፈጸማ ተኣምር እውን ማይ ናብ ወይኒ ምቕያር ነበረት፣ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ድማ ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ሰባት ብሒደት እንጌራን ዓሳን ገይሩ መጊቡ እዩ። (ማቴዎስ 16:7-10፣ ዮሃንስ 2:3-11) ምስ ድኻታት ብምብላዕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ሃብታማት ሰባት ዘዳለውዎ ድግስ ብምክፋል እውን እዩ ዚፍለጥ። አረ ጸላእቱሲ በላዕን ሰታይን ከም ዝዀነ ገይሮም ከሲሶምዎ እዮም። (ማቴዎስ 11:18, 19) ከም ሓቂ ግን ከምኡ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ምግብን መስተን ንሰባት ኣዝዩ ኸም ዜገድሶም ይፈልጥ ነበረ፣ ነዚ ተጠቒሙ ኸኣ ዓሚቝ መንፈሳዊ ትምህርትታት መሃረ።—ሉቃስ 22:14-20፣ ዮሃንስ 6:35-40

ብግዜ የሱስ ልሙድ ዝነበረ ምግብን መስተን እንታይ እዩ፧ እቲ ምግቢ ብኸመይ ይዳሎ ነበረ፧ ነዚ ምግቢ እዚ ንምድላውከ ኽሳዕ ክንደይ ጻዕሪ ይግበር ነይሩ፧ መልሲ ናይዚ ሕቶታት እዚ፡ ነቲ ኣብ ወንጌላት ተጠቒሱ ዘሎ ገሊኡ ፍጻመታትን ኣገላልጻን ብዝያዳ ንኽትርድኦ ኺሕግዘካ እዩ።

“ናይ ዕለት እንጌራና” ሃበና

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ኪምህሮም ከሎ፡ ንህይወት ብዛዕባ ዜድልየና ነገራት ንኣምላኽ ምሕታት ግቡእ ምዃኑ ገለጸ፣ ሓደ ኻብዚ ኸኣ “ናይ ዕለት እንጌራና” እዩ። (ማቴዎስ 6:11) እንጌራ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፋል መዓልታዊ ምግቢ ስለ ዝነበረ፡ እታ “ምግቢ ንምብላዕ” እተመልክት ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ሓረግ፡ ቃል ብቓሉ “እንጌራ ምብላዕ” ማለት እያ። ከም ስርናይን ስገምን ኣጃን ሰዓዕን ብልቱግን ዝኣመሰሉ እንጌራ ንምድላው ዜድልዩ ኣእካል፡ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ዝዓበየ ኽፋል መዓልታዊ ምግቢ እዩ ነይሩ። ተመራመርቲ ኸም ዝሓበርዎ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ዓመት ዳርጋ 200 ኪሎ ግራም እኽሊ ይምገብ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ሰብ ካብ ዜድልዮ ካሎሪ ንፍርቂ ዚኸውን ዚሽፍን እዩ።

እንጌራ ኣብ ዕዳጋ ኺዕደግ ይኽእል ነበረ። መብዛሕትአን ስድራ ቤታት ግን ባዕለን ይስንክታ ነበራ፣ እዚ ኸኣ ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትት እዩ ነይሩ። ብሬድ፡ ዋይን፡ ዎልስ ኤንድ ስክሮልስ እትበሃል መጽሓፍ፡ “ሓርጭ ንነዊሕ እዋን ምቕማጥ ኣጸጋሚ ስለ ዝነበረ፡ ሓንቲ ሰበይቲ መዓልታዊ እያ እትጥሕን ነይራ” ብምባል ገለጸት። ከምዚ ምግባር ክንደይ ሰዓት ይወስድ ነበረ፧ ጸሓፊ እታ መጽሓፍ፡ “ንሓደ ሰዓት [ብናይ ኢድ] መጥሓን ካብ እተጣሕነ 1 ኪሎ ግራም ስርናይ ካብ 0.8 ኪሎ ግራም ሓርጭ ንላዕሊ ኣይርከብን እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ዚበልዖ እኽሊ ዳርጋ 1/2 ኪሎ ግራም ስለ ዝዀነ፡ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኣባላት ንዘለውዋ ስድራ ቤት ንምምጋብ፡ እታ ሰበይቲ ንሰለስተ ሰዓት ዚኸውን ክትጥሕን ነበራ” በለ።

ብዛዕባ ማርያም ኣደ የሱስ እሞ ሕስብ ኣብል። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ቤታ እትዓዮ ኻልእ ዕዮታት፡ ንሰብኣያ ኸምኡውን ንሓሙሽተ ኣወዳትን እንተ ወሓደ ንኽልተ ኣዋልድን ደቃ ዚኸውን እንጌራ ኸተዳሉ ነበራ። (ማቴዎስ 13:55, 56) እወ፡ ማርያም ልክዕ ከም ካልኦት ኣይሁዳውያን ኣንስቲ ‘ናይ ዕለት እንጌራ’ ንምድላው ኣበርቲዓ ትዓዪ ነበረት።

“ንዑ ቝረሱ”

የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ሓደ ንግሆ ንገለ ደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምሉእ ለይቲ ዓሳ ይደልዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ዋላ ሓንቲ ግን ኣይረኸቡን። የሱስ ነቶም ደኺሞም ዝነበሩ ኣዕሩኹ፡ “ንዑ ቝረሱ” ኢሉ ጸውዖም። ድሕሪኡ፡ ዓሳን እንጌራን ኣቕረበሎም። (ዮሃንስ 21:9-13 ትርጕም 1990) ኣብ ወንጌላት ብዛዕባ ቝርሲ እተገልጸ ኣብዛ ጥቕሲ ጥራይ እኳ እንተ ዀነ፡ ንግሆ ኸም እንጌራ፡ ካዕካዕ፡ ዘቢብ፡ ወይ ፍረ ኣውልዕ ዝኣመሰለ ምግቢ ምምጋብ ልሙድ ነበረ።

ብዛዕባ ምሳሕከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ሰራሕተኛታት እንታይ እዮም ዚበልዑ ነይሮም፧ ላይፍ ኢን ቢብሊካል እዝራኤል እትበሃል መጽሓፍ፡ “ኣብ እዋን ምሳሕ ዚብላዕ ዝነበረ ምግቢ ቕልል ዝበለ ዀይኑ፡ እንጌራ፡ እኽሊ፡ ፍረ ኣውልዕ፡ ከምኡውን በለስ ዘጠቓልል እዩ ነይሩ” በለት። እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ የሱስ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ኣብ ጥቓ ዔላ እናተዛረበ ኸሎ ኻብ ሲካር ሒዞምዎ ዝመጹ ምግቢ እውን እንተ ዀነ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። “ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ” ወይ ፍርቂ መዓልቲ ዀይኑ ስለ ዝነበረ፡ እቶም “ደቀ መዛሙርቱ . . . ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።”—ዮሃንስ 4:5-8

ምሸት ምሸት ነቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ቐንዲ መኣዲ ዝዀነ ድራር ኪበልዑ፡ ስድራ ቤታት ብሓንሳእ ይእከቡ ነበሩ። ፖቨርቲ ኤንድ ቻሪቲ ኢን ሮማን ፓለስታይን፡ ፈርስት ስሪ ሰንችሪስ ሲ.ኢ. ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ስገም፡ ካብ እተፈላለየ ኣእካልን ጥረታትን፡ ወይ ሓሓሊፉ ኻብ ስርናይ እተዳለወ እንጌራ ወይ ገዓት ይበልዑ ነበሩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ፍረ ኣውልዕ ወይ ጨውን ዘይትን የእትዉሉ ነበሩ፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ስጎ፡ መዓር፡ ወይ ምቍር ጽማቝ ፍረታት ይቐርብ ነበረ” በለት። ጸባ፡ ጅብና (ፎርማጆ)፡ ኣሕምልቲ፡ ሓድሽ ወይ ዝነቐጸ ፍረታት እውን ይቐርብ ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ከም እኒ ሽጉርቲ፡ ጻዕዳ ሽጉርቲ፡ ቀይሕ ሱር፡ ካሮቲ፡ ካውሎ ዝኣመሰለ ዳርጋ 30 ዓይነት ኣሕምልቲ ነበረ፣ ከም እኒ (1) በለስ፡ (2) ተምሪ፡ (3) ሮማን ዝኣመሰለ ልዕሊ 25 ዓይነት ፍረታት እውን ኣብቲ ኸባቢ ይበቍል ነበረ።

የሱስ ምስ ማርታን ማርያምን ከምኡውን ምስ ኣልኣዛር ሓወን ኰይኑ ነቲ ቐሪቡ ዝነበረ ድራር ኪበልዕ ከሎ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእልዶ፧ ማርያም ንኣእጋር የሱስ ብ“ጽሩይ ናርዶስ” ምስ ለኸየቶ እቲ ዝነበርዎ ኽፍሊ ብጥዑም መኣዛ ኺምላእ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ፣ እቲ ጥዑም ሽታ ምግብታት ምስ መኣዛ እቲ ኽቡር ዝዋጋኡ ቕብኢ ተሓዋዊሱ ጥዑም ጨና ኸም ዝፈጠረ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ዮሃንስ 12:1-3

“ምሳሕ እንተ ገበርካ”

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ የሱስ “ኣብ ቤት ሓደ ኻብ ሓላቑ ፈሪሳውያን” እንጌራ ኺበልዕ ምስ ኣተወ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ መሃሮም። “ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ፡ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ” ኢሉ ተዛረበ። (ሉቃስ 14:1-14) ፈሪሳውያን ከምቲ የሱስ ዝመኸሮም እንተ ገይሮም፡ ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምሳሕ እንታይ ዓይነት ምግቢ እዮም ኬቕርቡ ዚኽእሉ ነይሮም፧

ሓደ ሃብታም ሰብ፡ ብእተፈላለየ ቕርጺ እተሰንከተ ፍሉይ እንጌራ ምስ ወይንን መዓርን ጸባን ቅመማትን ገይሩ ኬቕርብ ይኽእል ነይሩ እዩ። ጠስምን ጅብናን እውን ምስቲ መኣዲ ኪቐርብ ይኽእል ነበረ። ሓድሽን ተዓቂቡ ዝጸንሐን ፍረ ኣውልዕ፡ ወይ ዘይቲ ኣውልዕ ይቐርብ ከም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ፉድ ኣንቲኩሪ ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ዓመት ዕስራ ኪሎ ግራም ዘይቲ ኣውልዕ ንምግቢ ይጥቀም ነበረ፣ ንኵሕለ-ምሕልን ንመብራህትን እውን ዘይቲ ኣውልዕ ይጥቀሙ ነይሮም እዮም።”

እቲ ፈሪሳዊ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዚነብር እንተ ነይሩ፡ ንሱን ኣጋይሹን ካብ ዚግፈፍ ብዙሕ ዘይጸንሐ ዓሳ ኺበልዑ ይኽእሉ ነበሩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ እቶም ካብ ገማግም ባሕሪ ርሒቖም ዚነብሩ ሰባት ብጨው ወይ ብኻልእ ነገር ተዓቂቡ ዝጸንሐ ዓሳ እዮም ኪምገቡ ዚኽእሉ ነይሮም። እቲ ኣአንጋዲ፡ ስጋ ኼዳሉ ይኽእል ነበረ፡ እዚ ግን ንድኻታት ኣጋይሽ ሓሓሊፉ ጥራይ እዩ ዚቐርብ ነይሩ። በብዓይነቱ እንቋቝሖ ኣብ መኣዲ ተቐሪቡ ምርኣይ ዝያዳ ልሙድ ነበረ። (ሉቃስ 11:12) ከም እኒ ጨና ኣዳም፡ ሽላን፡ ካሙን፡ ኣድሪ ዝኣመሰለ ኣትክልትን ቀመማትን፡ ነቲ ምግብታት መቐረት ይውስኸሉ ነበረ። (ማቴዎስ 13:31፣ 23:23፣ ሉቃስ 11:42) ኣብ መወዳእታ እቲ መኣዲ ኸኣ እቶም ዕዱማት፡ ጥቡስ ስርናይ፡ ለውዚ፡ መዓር፡ ከምኡውን እተፈላለየ ቐመማት ኪበልዑ ይኽእሉ ነይሮም።

እቶም ኣብ መኣዲ ዚቕመጡ ዕዱማት፡ ሓድሽን ዝደረቐን ፍረ ወይኒ ወይ ዚስተ ወይኒ ይቐርበሎም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብኣሽሓት ዚቝጸር መጽመቝ ወይኒ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤም ተረኺቡ እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ እዚ መስተ እዚ ማዕረ ኽንደይ ህቡብ ከም ዝነበረ ዜረጋግጽ እዩ። ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ፡ ኣብ ከባቢ ጊብዖን ካብ ከውሒ ተዃዒቱ እተሰርሐ 100,000 ሊትሮ ወይኒ ዚሕዝ 63 ኣብ ትሕቲ ቤት ዚርከብ መኽዘን ረኺቦም እዮም።

“ኣይትጨነቑ”

ወንጌላት ከተንብብ ከለኻ፡ የሱስ ኣብ ምሳሌታቱ ብዛዕባ ምግብን መስተ ኽንደይ ሳዕ ከም ዝጠቐሰ ወይ ከኣ ምግቢ ኺበልዕ ከሎ ንገለ ኣገዳሲ ትምህርትታት ብኸመይ ከም ዝመሃረ ኣስተውዕል። የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ብፍላይ ምስ ናይ ቀረባ ኣዕሩኾም ኰይኖም ምብላዕን ምስታይ ባህ የብሎም እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ግን ኣብ ህይወቶም ኣገዳሲ ቦታ ኣይነበሮን።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እምበኣርከ ‘እንታይ ክንበልዕ ኢና፧ እንታይ ክንሰቲ ኢና፧ እንታይ ክንክደን ኢና፧’ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣሕዛብውን ይደልይዎ እዮም እሞ፥ ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ከም ዜድልየኩም፥ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ” ብምባል ብዛዕባ ምግብን መስተን ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ኺህልዎም ሓገዞም። (ማቴዎስ 6:31, 32 ትርጕም 1990) እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ልቦም ኣሕደርዎ፡ ኣምላኽ ድማ ዜድልዮም ዘበለ ኣማልኣሎም። (2 ቈረንቶስ 9:8) ሓቂ እዩ፡ ኣመጋግባኻ ኻብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንኣምላኽ ምግልጋል ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት እንተ ሂብካዮ፡ ንሱ ኸም ዚሓልየልካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—ማቴዎስ 6:33, 34