ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

ሓደ እዋን፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዚህቦ፧ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፧ ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧” ኢሉ ሓተቶም። (ሉቃስ 11:11, 12) ኣብ ገሊላ ዝነበሩ ውሉዳት፡ እንቋቝሖን ዓሳን ይፈትዉ ነበሩ፣ እንታይ ኪበልዑ ኸም ዚደልዩ ይፈልጡ ነበሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ከምቲ ዝጠመየ ውሉድ ምግቢ ኺወሃቦ ዚልምን፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና ኸይተሓለልና ኽንልምን ከም ዘሎና፡ የሱስ ገለጸ። (ሉቃስ 11:9, 13) ባህርይ መንፈስ ቅዱስ ምርዳእና፡ ኣብ ህይወትና ኺህልዎ ዚኽእል ኣገዳሲ ግደ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ፈለማ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር እስከ ንመርምር።

“ሓይሊ ልዑል”

መንፈስ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ዚጥቀመሉ ሓይሊ ምዃኑ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብንጹር ይገልጽ እዩ። ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም፡ ድንግል ክነሳ ወዲ ኽትወልድ ምዃና ኺነግራ ኸሎ፡ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ” በላ። (ሉቃስ 1:35) ብመሰረት ቃላት ገብርኤል፡ ኣብ መንጎ መንፈስ ቅዱስን “ሓይሊ ልዑል”ን ምትእስሳር ኣሎ።

ኣብ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ኣሎ። ነብዪ ሚክያስ፡ “ብመንፈስ እግዚኣብሄር ሓይሊ . . . መሊኤ አሎኹ” በለ። (ሚክያስ 3:8) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ . . . ኢኹም” ኢሉ ተመባጽዓሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ፡ ብዛዕባ “ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ” ተዛሪቡ እዩ።—ሮሜ 15:13, 19

ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝረኣናዮ፡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና እንበጽሕ፧ መንፈስ ቅዱስን ሓይሊ ኣምላኽን ኣጸቢቑ ይተኣሳሰር እዩ። የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ እዩ ንሓይሉ ዚጥቀመሉ። ብሓጺሩ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ተግባር ዝወዓለ ሓይሊ ኣምላኽ፡ ወይ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። ብሓቂ ኸኣ ዜደንቕ ሓይሊ እዩ! ንምሉእ ዩኒቨርስ ንምፍጣር ዜድሊ ሓይሊ ኽንግምቶ ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ገይሩ፡ ነዚ ዚስዕብ ነገር ክንሓስበሉ ሓሳብ ሂቡና ኣሎ፦ “ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ፡ በብስሞም ዚጽውዖም እዩ፡ ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።”—ኢሳይያስ 40:26

ስለዚ፡ ዩኒቨርስ ምስ ኵሉ ስርዓቱን ስኒቱን ኪህሉ ዝኸኣለ፡ ሳላ “ዕቤት ምልኪ” ወይ ሓይሊ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እዩ። ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ዓብዪ ምዃኑን ህላወና ኣብኡ ኸም ዚምርኰስን ብንጹር ክንግዘብ ንኽእል ኢና።—“ተግባራት መንፈስ ቅዱስ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

የሆዋ ንመንፈስ ቅዱሱ፡ ኣብ ከም ፍጥረት ዩኒቨርስ ብዓብዪ ደረጃ ኺጥቀመሉ ይኽእል እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ግን፡ ንሰብኣውያን ፍጡራቱ ንምድጋፍ እውን ኪጥቀመሉ ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ንኣገልገልቱ፡ ንጡፍ ሓይሉ ብምሃብ፡ ከመይ ገይሩ ብሓይሊ ኸም ዝመልኦም ዚገልጽ ጸብጻባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ ኣሎ።

“መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ”

ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንኣገልገልቱ ብኸመይ ሓይሊ ኸም ዚህቦም፡ ኣብ ኣገልግሎት የሱስ ኣጸቢቑ ተራእዩ እዩ። የሱስ ንሰብ ናዝሬት፡ “መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ” ኢሉ ነገሮም። (ሉቃስ 4:18) የሱስ “ብሓይሊ መንፈስ” ገይሩ እንታይ ገበረ፧ (ሉቃስ 4:14) ኵሉ ዓይነት ሕማም ኣሕወየ፡ ንማዕበል ባሕሪ ኣህድአ፡ ብሒደት እንጌራን ዓሳን ገይሩ ኣሽሓት መገበ፡ ምዉታት እውን ኣተንስአ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “እቲ ኣምላኽ . . . ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:22

ኣብዚ ግዜና፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣምራት ኣይገብርን እዩ ዘሎ። ኰይኑ ግን፡ ዜደንቕ ነገር ኪገብረልና ይኽእል እዩ። ከምቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘረጋገጸሎም፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ብፍታው መንፈስ ቅዱስ ሂብዎም እዩ። (ሉቃስ 11:13) ስለዚ ድማ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኺብል ከኣለ። (ፊልጲ 4:13) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ኸምኡ ኺገብር ይኽእልዶ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሲ ኽትህበላ እያ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ኣይኰነን

መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈስ ቅዱስ ምስ ማይ የመሳስሎ እዩ። ኣምላኽ ንህዝቡ ኣብ መጻኢ ኸም ዚባርኾም ኪመባጻዕ ከሎ፡ “ማይ ኣብቲ ጽሙእ፡ ወሓይዝ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ከፍስስ እየ፡ መንፈሰይ ኣብ ዘርእኻ፡ በረኸተይ ከኣ ኣብ ሓድግኻ ኸፍስሶ እየ” በለ።—ኢሳይያስ 44:3

ኣምላኽ ኣብ ኣገልገልቱ መንፈሱ ምስ ኣፍሰሰ፡ ‘መንፈስ ቅዱስ ይመልኦም።’ የሱስ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ጴጥሮስ፡ ጳውሎስ፡ በርናባስ፡ ከምኡውን ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝመልኦም ጌርካ ተዘሪብሎም ኣሎ።—ሉቃስ 1:15፣ 4:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:8፣ 9:17፣ 11:22, 24፣ 13:9

ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ ሓደ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ኣብ ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ‘ኪፈስስ’ ይኽእል ድዩ፧ ሓደ ኣካል ንሓደ ጕጅለ ሰባት ‘ኪመልኦም’ ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ እዚ ዚወሓጠልካ ነገር ኣይኰነን። ሰባት ብጥበብ፡ ብኣእምሮ፡ ወይ ብፍልጠት ከም እተመልኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ እኳ እንተሎ፡ ብኻልእ ኣካል ከም እተመልኡ ዚገልጽ ነገር ግን ከቶ ኣይንረክብን ኢና።—ዘጸኣት 28:3፣ 1 ነገስት 7:14፣ ሉቃስ 2:40፣ ቈሎሴ 1:9

እታ “መንፈስ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽ ቃል ኒውማ እትብል ኰይና፡ ንዘይርአ ሓይሊ ተመልክት። ብመሰረት እቲ ብቫይን እተዳለወ፡ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሽነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ዎርድስ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት፡ እታ ኒውማ እትብል ቃል፡ “ብቐዳምነት ንንፋስን . . . ትንፋስን ተመልክት፣ ድሕሪኡ፡ ብፍላይ ነቲ ኸም ንፋስ ዘይርአን ረቂቕን ሓያልን ዝዀነ መንፈስ ተመልክት።”

ብንጹር እምበኣር፡ መንፈስ ቅዱስ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ኣይኰነን። *

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 19 ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 201-204 ዚርከብ “ብዛዕባ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ርአ።

[ምንጪ ስእሊ]

Photodisc/SuperStock