ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ምርጫ ሂቡና

የሆዋ ምርጫ ሂቡና

ንኣምላኽ ቅረቦ

የሆዋ ምርጫ ሂቡና

ዘዳግም 30:11-20

“ን የሆዋ እምንቲ ኸይከውን እኽእል እየ ዚብል ዘይርትዓዊ ፍርሂ ነበረኒ።” ሓንቲ ክርስትያን፡ ቈልዓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዘጋጠማ ሕማቕ ተመክሮ ዘይትረብሕ ኰይኑ ስለ እተሰምዓ እያ ኸምኡ ዝበለት። ብሓቂ ግን ከምኡ ድዩ፧ ብሓቂዶ ናብራ ህይወትና ብዅነታት እዩ ዚውሰን፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ኣምላኽ ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዝሃበና፡ ብኸመይ ክንነብር ከም ዘሎና ባዕልና ኽንውስን ንኽእል ኢና። የሆዋ ቕኑዕ ምርጫታት ክንገብር ይደልየና እዩ፡ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ከመይ ጌርና ኸምኡ ኸም እንገብር ይነግረና እዩ። ነቲ ኣብ ዘዳግም ምዕራፍ 30 ዚርከብ ቃላት ሙሴ እስከ ንመርምር።

ኣምላኽ ካባና እንታይ ብቕዓት ከም ዝደሊ ኽንፈልጥን ምስ ፈለጥና ኸኣ ክንገብሮን ኣጸጋሚ ድዩ፧ * ሙሴ፡ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት፡ ንኣኻ ኣዝዩ ዚሽግርን ካባኻ ዝረሐቐን ኣይኰነን” በለ። (ቍጽሪ 11) የሆዋ ዘይክኣል ነገር ኣይሓትትን እዩ። እቲ ዚሓቶ ብቕዓታት ርትዓውን ኪብጻሕ ዚከኣልን እዩ። እንታይ ምዃኑ እውን ዚፍለጥ እዩ። ኣምላኽ ካባና እንታይ ብቕዓት ከም ዚሓትት ንምፍላጥ “ናብ ሰማይ” ክንድይብ ወይ “ባሕሪ” ኽንሳገር ኣየድልየናን እዩ። (ቍጽሪ 12, 13) መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክንነብር ከም ዘሎና ኣነጺሩ ይነግረና እዩ።—ሚክያስ 6:8

ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንኽንእዘዞ ኣየገድደናን እዩ። ሙሴ ብዛዕባ እዚ፡ “ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን፡ ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ አሎኹ” በለ። (ቍጽሪ 15) ካብ ህይወትን ሞትን ከምኡውን ካብ ጽቡቕን ሕማቕን ሓዲኡ ኽንመርጽ ንኽእል ኢና። በረኸት ክንረክብ እንተ ደሊና ንኣምላኽ ከነምልኾን ክንእዘዞን ክንመርጽ ንኽእል ኢና፣ ወይ ከኣ ዘይምእዛዝ ብምምራጽ ሳዕቤኑ ኽንዓጽድ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ እቲ ምርጫ ኣባና እተመርኰሰ እዩ።—ቍጽሪ 16-18ገላትያ 6:7, 8

ምርጫና ንየሆዋ የገድሶ ድዩ፧ እወ፡ የገድሶ እዩ። ሙሴ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ህይወት ሕረ” በለ። (ቍጽሪ 19) ከመይ ጌርና ኢና ግን ህይወት ክንሓሪ እንኽእል፧ ሙሴ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ” ኢሉ ገለጸ። (ቍጽሪ 20) ንየሆዋ ነፍቅሮ እንተ ዄንና፡ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ብተኣዛዝነት ክንሰምዖን ብተኣማንነት ናብኡ ኽንለግብን ኢና እንደሊ። በዚ ኸምዚ ጥራይ ኢና ህይወት ክንሓሪ እንኽእል፣ እዚ ህይወት እዚ ኸኣ እቲ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ኰይኑ ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ንምንባር ዜኽእል እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:11-13፣ 1 ዮሃንስ 5:3

ቃላት ሙሴ፡ ሓደ ሓቂ እየን ዚምህራና። ኣብዛ እክይቲ ዓለም ዘጋጠመ እንተ ኣጋጠመካ፡ ረዳኢ ዘይብልካ ወይ ዘይትረብሕ ኣይኰንካን። የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽቢሩካ እዩ። እወ፡ ንየሆዋ ኸተፍቅሮ፡ ክትሰምዖ፡ ንዕኡ ድማ እሙን ክትከውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እዚ ምርጫ እዚ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ኺባርኸካ እዩ።

እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ሰበይቲ፡ ነዚ ሓቂ እዚ፡ ማለት ንየሆዋ ንምፍቃርን ንምግልጋልን ክንመርጽ ከም እንኽእል ምፍላጣ ኣጸናኒዕዋ እዩ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ንየሆዋ አፍቅሮ እየ። ንየሆዋ አፍቅሮ ምዃነይ ዝያዳ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ሓድሓደ ግዜ እርስዕ እየ። እምበኣር፡ ንየሆዋ እምንቲ ኪኸውን እኽእል እየ።” ንስኻውን ብደገፍ የሆዋ እሙን ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “ንኣምላኽ ቅረቦ—የሆዋ ኻባና ዚደልዮ እንታይ እዩ፧” እትብል ዓንቀጽ ርአ።