ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሞት ንመጻምድትኻ ኺምንዝዓካ ኸሎ

ሞት ንመጻምድትኻ ኺምንዝዓካ ኸሎ

ሞት ንመጻምድትኻ ኺምንዝዓካ ኸሎ

ብዙሓት ሰብ ሓዳር፡ ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ክሳዕ ዕለት ሞቶም ፈጺሞም ከም ዘይፈላለዩ ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። ኰይኑ ግን፡ እርጋን፡ ሕማም፡ ወይ ከኣ ሓደጋ ንሓደ እተፍቅሮ ሰብ ብሞት ኪምንዝዓካ ይኽእል እዩ፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ እቲ ብህይወት ዘሎ መጻምድቲ ብጽምዋ ይብላዕ፡ ከቢድ ሓዘን ድማ የጋጥሞ።—መክብብ 9:11፣ ሮሜ 5:12

ኣሃዛዊ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ዳርጋ ፍርቂ ኻብተን ዕድሚአን 65 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ፡ መበለታት እየን። ደቂ ኣንስትዮ ኻብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብሰለስተ ዕጽፊ መጻምድተን ስለ ዚሞትወን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሞት መጻምድቲ “ንደቂ ኣንስትዮ ዜጋጥመን ተርእዮ” ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚጥቀስ። ደቂ ተባዕትዮ ኻብዚ ናጻ እዮም ማለት ግን ኣይኰነን። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብሰንኪ ሞት፡ መጻምድቶም ስኢኖም እዮም። ንስኻኸ ሓደ ኻብኦም ዲኻ፧

ሰብኣይ ኩን ሰበይቲ ብዘየገድስ፡ መጻምድትኻ ኺሞተካ ኸሎ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓዘንካ ኽትክእሎ ኺሕግዘካ ይኽእል ድዩ፧ ገሊኦም መጻምድቶም ዝሰኣኑ ሰባትከ ብኸመይ ኪጻወርዎ ኽኢሎም፧ ኣብ ኵሉ ሰብ ብማዕረ ኺዓዪ ዚኽእል ሓደ ዓይነት መፍትሒ እኳ እንተ ዘየለ፡ ኪሕግዘካ ዚኽእል ሓያሎ ርእይቶን ስርዓትን ግን ኣሎ።

ነቲ ዅነታት ምኽኣሉ

ገሊኦም ሰባት፡ ንምብካይ ከም ድኽመት ወይ ከኣ ከም ጐዳኢ ገይሮም ይርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ እታ ንባዕላ መበለት ዝዀነት ዶክተር ጆይስ ብራዘርስ ዝስማ ተመራማሪት ስነ-ኣእምሮ ኸም ዝገለጸቶ ግን፡ ምብካይ ንስምዒትካ ኼህድኦ ይኽእል እዩ። አረ ኣብ ግዜ ሓዘን ምብካይሲ ንቡር እዩ፣ ከመይሲ፡ ንጓሂኻ ኺንክዮ ይኽእል እዩ። ብምንባዕካ ሕፍረት ኪስምዓካ የብሉን። ምስዚ ብዚተሓሓዝ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ኣብነት ተጠቒሱልና ኣሎ። ኣብርሃም እተደንቕ እምነት ዝነበረቶን ዓርኪ ኣምላኽ ከም ዝዀነ እተነግረሉን ሰብ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ እታ ዚፈትዋ ሰበይቱ ምስ ሞተቶ፡ “ኪሐዝነላን ኪበኽየላን መጸ።”—ዘፍጥረት 23:2

ንእተወሰነ እዋን በይንኻ ኽትከውን ምድላይ ንቡር እኳ እንተ ዀነ፡ ርእስኻ ኣይትፍለ። ምሳሌ 18:1፡ “እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ” ዚብል መጠንቀቕታ ትህበና። ስለዚ፡ ካብቶም ዚሓልዩልካ ኣዝማድን ፈተውትን ሓገዝ ድለ።  እቲ ዜደንቕ መሰናድዎ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ ብሱላት መንፈሳውያን ሰብኡት፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ሓገዝን ምኽርን ኪህቡ ይኽእሉ እዮም።—ኢሳይያስ 32:1, 2

ገሊኦም ሰባት ነቲ ዚለኣኸሎም መግለጺ ሓዘን ዝሓዘ ደብዳበን ካርድን ኣንቢቦም ምላሽ ምጽሓፎም ሓጊዝዎ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ብዛዕባ መጻምድትኻ እትዝክሮ ጽቡቕ ጐድንታትን ምስኡ ብዛዕባ ዘሕለፍካዮ ግዜን ንኽትጽሕፍ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ። ስእልታትን ደብዳበታትን መዘኻኸሪታትን ዝሓዘ ኣልበም ምድላው እውን ንኽትጸናናዕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሓዘን ዘጋጠመካ እንተ ዄንካ፡ እትገብሮ ኺጠፍኣካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ናብቲ መጻምድትኻ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረካ መደባትን ንጥፈታትን ምምላስ ሓጋዚ እዩ። ንኣብነት፡ እትድቅሰሉ፡ እትትንስኣሉ፡ እትበልዓሉ፡ ወይ ከኣ ገለ ንጥፈታት እተካይደሉ ውሱን ሰዓት እንተ ነይሩካ፡ ቀልጢፍካ ናብኡ ተመለስ። ኣብ ቀዳመ-ሰናብትን ኣብ ከም ዝኽሪ ዓመት መርዓኹም ዝኣመሰለ ፍሉያት መዓልትታትን ሓዘንካ ኺደግሰካ ስለ ዚኽእል፡ ሽዑ ኽትገብሮ ብዛዕባ እትኽእል ነገራት ኣቐዲምካ መደብ ኣውጽእ። ብፍላይ ድማ ንመንፈሳዊ ንጥፈታትካ ኣይተቋርጾ።—1 ቈረንቶስ 15:58

ሓደ ሰብ ብሰሪ ብርቱዕ ስምዒታዊ ጸቕጢ ግጉይ ውሳነ ኺገብር ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሕማቕ ድራኸ ዘለዎም ሰባት ከኣ ነዚ ተጠቒሞም ኪብለጹ ይፍትኑ እዮም። ስለዚ፡ ቤትካ ብዛዕባ ምሻጥ፡ ገንዘብካ ብዛዕባ ምውፋር፡ ናብ ካልእ ቦታ ብዛዕባ ምግዓዝ፡ ወይ ከኣ እንደገና ብዛዕባ ምምርዓው ተሃዊኽካ ውሳነ ኣይትግበር። ሓደ ጥበብ ዝሓዘለ ምስላ፡ “ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ፡ እቲ ዚህወኽ ዘበለ ግና ናብ ስእነት ጥራይ ይህወኽ” ይብል። (ምሳሌ 21:5) ብስምዒታዊ መዳይ ክሳዕ እትሃድእ፡ ኣብ ህይወትካ ዓብዪ ለውጢ ኣይትግበር።

ንንብረት መጻምድትኻ እንታይ ከም እትገብሮ ምውሳን፡ ብፍላይ እሞ ኸኣ ኣብ ሓዳር ንነዊሕ ዓመታት እንተ ጸኒሕኩም፡ ኣዝዩ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ እዚ ኽፍሊ እቲ ሓዘን ብምዃኑ፡ ሎሚ ጽባሕ እናበልካ እንተ ተደናጒኻ፡ ንሓዘንካ ኻብ ምንዋሕ ሓሊፉ ኻልእ ፋይዳ የብሉን። (መዝሙር 6:6) ገሊኦም ሰባት ነቲ ናይ መጻምድቶም ንብረት በይኖም ኪኣልይዎ ዚደልዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኦም ግን ነዚ ኺገብሩ ኸለዉ ንዚፍጠር ተዘክሮታት ኬካፍልዎ ምስ ዚኽእሉ ሰብ ኰይኖም ምዕያይ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ሓደ ፈታዊኻ ወይ ዘመድካ ንሓድሓደ ጕዳያት ኬሳልጠልካ እውን ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ኸኣ ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ምርካብ፡ ንመንግስታዊ ትካላትን ባንክን ምሕባር፡ ዋንነት ንብረት ምቕያር፡ ናይቲ ዝሞተ መጻምድትኻ ናይ ህይወት መድሕን ምቕባል፡ ከምኡውን ምስ ሕክምና እተተሓሓዘ ወጻኢታት ምኽፋል ዜጠቓልል እዩ።

ብስነ-ምግባር ተባላሽያ ኣብ ዘላ ዓለም ንነብር ከም ዘለና ኣይትረስዕ። ሕጂ በይንኻ ስለ ዝዀንካ፡ ንጽህናኻ ኺፍተን ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት እዋናዊ እዩ፦ “ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም [“ንኣካላቱ፡” NW] ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።” (1 ተሰሎንቄ 4:4, 5) ስለዚ፡ ካብ ናይ ፍቕሪ ወይ ከኣ ካብ ብዕሉግ ፊልምታትን መጻሕፍትን ሙዚቃን ርሓቕ።

ልዕሊ ዅሉ፡ ንኽትጸናናዕ ግዜ ኸም ዜድልየካ ኣይትረስዕ። ሓንቲ ዩኤስኤ ቱደይ እትበሃል መጽሔት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚሺጋን ዚርከብ ትካል ምርምር ሕብረተሰብ ብዛዕባ ዝገበሮ መጽናዕቲ ጸብጻብ ሒዛ ወጺኣ ነበረት። እዚ መጽናዕቲ እዚ ኸም ዝሓበሮ፡ ሓደ መጻምድቱ ዝሞቶ ሰብ ብኣካላዊ ዀነ ብስነ-ኣእምሮኣዊ መዳይ ናብ ናይ ቀደሙ ንኺምለስ፡ እንተ ወሓደ ዓመትን መንፈቕን የድልዮ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ብፍረ መንፈስ ኣምላኽ እናደልደለ ዚኸይድ ጽንዓት ምእንቲ ኺህበካ ናብ ኣምላኽ ጸሊ። (ገላትያ 5:22, 23) ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ከም እትጸናናዕ ድማ ርግጸኛ ኹን።

ገሊኦም ኪጻወሩ ዝኸኣሉሉ መገዲ

ኣና እትበሃል ን40 ዓመት ሕጉስ ሓዳር ዝነበራ ሰበይቲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ዘጋጠማ ሞት ሰብኣያ ስምዒታ ተደቝሰ። ከምዚ ድማ በለት፦ “ጓል 13 ዓመት ከለኹ ኣደይ ሞተት፡ ድሕሪኡ እውን ኣቦይን ክልተ ኣሕዋተይን ሓንቲ ሓብተይን ብሞት ስኢነ እየ። ካብዚ ዅሉ ንላዕሊ ግን፡ ሞት ሰብኣየይ እዩ ሕርር ኵምትር ኣቢሉኒ። እቲ ሓዘን ኣዝዩ ስለ ዝኸበደኒ፡ ኣብ ክልተ ስንጥቕ ዝበልኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።” ነዚ ንኽትጻወሮ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ብዛዕባ እቲ ዳሪል ዝነበሮ ጽቡቕ ባህርያት ዚገልጽ፡ መግለጺታት ፍቕርን ሞሳን እተጻሕፎ ኢ-መይልን ካርድታትን ዝሓዘ ዓብዪ መጽሓፍ ኣዳለኹ። ነፍሲ ወከፍ ኢ-መይልን ካርድን ብዛዕባኡ ገለ ነገር ዚጠቅስ እዩ ነይሩ። የሆዋ እውን ልክዕ ከማና ኸም ዚዝክሮን ከም ዜተንስኦን ርግጸኛ እየ።”

እታ ጓል 88 ዓመት ዝዀነት ኤስተር እውን እንታይ ከም ዝሓገዛ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ በለት፦ “ምስ ብዓል ቤተይ ን46 ዓመት ብሓደ ስለ ዝነበርና፡ ንዓይ ኣዝዩ ዝኸበደኒ፡ ጽምዋ እዩ ነይሩ። ብመንፈሳዊ ጕዳያት ትሑዝ ምዃን ሓጋዚ ምዃኑ ግን ርእየዮ እየ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምስታፍ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምክፋል፡ ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ኣየቋረጽኩን። ንርእሰይ ካብ ካልኦት ዘይምፍላለይ እውን ሓጊዙኒ እዩ። ምስቶም ጽን ኢሎም ዝሰምዑኒ ሰባት እቀራረብ እየ። ኵሉ ግዜ ዜጸናንዕ ነገር እኳ እንተ ዘይተዛረቡኒ፡ ግዜኦም ሰዊኦም ጽን ኢሎም ኪሰምዑኒ ንዚገብርዎ ጻዕሪ ግን አማስወሉ እየ።”

ሮበርት ን48 ዓመት ሓቢራቶ ዝነበረት ብዓልቲ ቤቱ ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ምስ ሞተት ከምዚ በለ፦ “መዓልታዊ ዜዕልለካን ምሳኻ ሓቢሩ ውሳነ ዚገብርን ዚጐዓዝን ዚዘናጋዕን ዝነበረ መጻምድትኻ ምስኣን ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ነዚ ስምዒት እዚ ምኽኣሉ ቓልሲ ዀይኑኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ተስፋ ኸይቈርጽን ህይወተይ ከም ንቡር ክመርሕን ቈራጽነት ገበርኩ። ብኣካላውን ኣእምሮኣውን መዳይ ንጡፍ ምዃነይ ሓጊዙኒ እዩ። ጸሎት እውን እንተዀነ ብዙሕ ኣጸናኒዑኒ እዩ።”

ድሕሪ ሞት መጻምድቲ፡ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ምንባር

እተፍቅሮ መጻምድትኻ ብሞት ምስኣን ኣዝዩ ዜጕሂ እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሉ ነገር ኣብቂዑ ማለት ግን ኣይኰነን። ኣብቲ ቕድሚ ሕጂ ኽትገብሮ ዘይትኽእል ዝነበርካ ኸም ንመሕለፍ ግዜ ዚግበር ዕዮን መገሻን ዝኣመሰለ ንጥፈታት ክትካፈል ትኽእል ኢኻ። እዚ ንጥፈታት እዚ ነቲ ዜጋጥመካ ናይ ባዶነት ስምዒት ኬወግዶ ይኽእል እዩ። ንገሊኦም ሰባት ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብዝያዳ ንኺካፈሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኪዀነሎም ይኽእል እዩ። የሱስ በዚ መገዲ እዚ ንኻልኦት ምሕጋዝ ብዛዕባ ዜምጽኦ ሓጐስን ዕግበትን ኪገልጽ ከሎ፡ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

እንደገና ሕጉስ ክትከውን ከም እትኽእል ኣይትጠራጠር። ናብ የሆዋ ኣምላኽ እንተ ቐሪብካ፡ ብርግጽ ኪሓልየልካ እዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “እግዚኣብሄር ንዘኽታምን መበለትን ይአልዮም” በለ። (መዝሙር 146:9) መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ኺገልጾ ኸሎ፡ “ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ኢድካ ትኸፍት እሞ፡ ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ” እውን ይብል እዩ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! (2 ቈረንቶስ 1:3፣ መዝሙር 145:16) እወ፡ እቲ ፈቃር ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ፡ ነቶም ሓገዙ ደልዮም ብዕቱብ ዜናድይዎ ሰባት ኪሕግዞም ይኽእል እዩ፣ ከምኡ ንኺገብር እውን ፍቓደኛን ድሉውን እዩ። ከምቶም፡ “ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል አሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ” ኢሎም ዝዘመሩ ጥንታውያን እስራኤላውያን ዝነበሮም ዓይነት ስምዒት ኪህልወካ ንምነ።—መዝሙር 121:1, 2

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ብሰንኪ ሞት መጻምድቶም ጓህን ጽምዋን ይስምዖም እዩ። ንስኻኸ ሓደ ኻብኦም ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ሳጹን]

እንደገና ኽትምርዖ ኣሎካዶ፧

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓደ መጻምድቲ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ብህይወት ዘሎ ኻብ ማእሰር መውስቦ ናጻ ስለ ዚኸውን፡ እንደገና ኺምርዖ ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:39) እንደገና ኽትምርዖ ዲኻ ኣይትምርዖን ባዕልኻ እትውስኖ ጕዳይ እኳ እንተ ዀነ፡ ውሉዳትካ ንውሳነኻ ኺፈልጥዎን ብዚከኣሎም ዓቕሚ ኺድግፍዎን ግን ኣገዳሲ እዩ። (ፊልጲ 2:4) ነቲ ኣቦኡ እንደገና ብምምርዓዉ ዘይተሓጐሰ ኣንድረስ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ንኣዲኡ ኣዝዩ ይፈትዋ ብምንባሩ፡ ብኻልእ ክትትካእ ዘይብላ ዀይኑ ይስምዖ ነበረ። ከምዚ በለ፦ “ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኣቦይ ጽቡቕ ውሳነ ኸም ዝገበረ ተረዳእኩ። ምኽንያቱ፡ ኣቦይ እንደገና ሕጉስ ኪኸውንን ነቲ ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ኸም መገሻ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ኪገብርን ጀመረ። እታ ሓዳስ ሰበይቱ እውን እንተ ዀነት ብኣካላዊ ይኹን ብስምዒታዊ መዳይ ስለ እትከናኸኖ ኣዝየ እየ ዘመስግና።”

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ብዕዮ ትሑዝ ምዃንን ጽንዓት ኪህበካ ናብ ኣምላኽ ምጽላይን ንኽትጸናናዕ ይሕግዝ