ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክንዮ መዲተራነያን ዚግበር ዝነበረ ጥንታዊ ጕዕዞ

ክንዮ መዲተራነያን ዚግበር ዝነበረ ጥንታዊ ጕዕዞ

ክንዮ መዲተራነያን ዚግበር ዝነበረ ጥንታዊ ጕዕዞ

ሎሚ ሰባት ብነፋሪት ገይሮም ካብ ሓደ ኽፍለ-ዓለም ናብ ካልእ ኪኸዱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት፡ ነዊሕ ጕዕዞ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ እንተ ትፈልጥሲ ኣይምተገረምካዶ፧

ክርስቶስ ቅድሚ ምምጻኡ ዳርጋ 1,000 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ንጉስ ሰሎሞን ምስ መራኽብ ንጉስ ጢሮስ ኰይነን ካብ ርሑቕ ቦታታት ናብ እስራኤል ክቡር ነገራት ሒዘን ዝመጻ መራኽብ ሰሪሑ ነበረ። (1 ነገስት 9:26-28፣ 10:22) ኣብ ታሽዓይ ዘመን ቅ.ክ. ነብዪ ዮናስ ናብታ ያፋ እትበሃል ኣብ መዲተራነያን እትርከብ ወደብ እስራኤል ወሪዱ፡ ናብ ተርሲስ a ኣብ እትኸይድ መርከብ ኣተወ። (ዮናስ 1:3) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ሃዋርያ ጳውሎስ ካብታ ኣብ እስራኤል እትርከብ ቂሳርያ ናብዛ ሕጂ ፓትስዋሊ እትበሃል ዘላ ኣብ ልሳን ባሕሪ ኔፕልስ፡ ኢጣልያ እትርከብ ጱተዮሉስ ተጓዕዘ።—ግብሪ ሃዋርያት 27:1፣ 28:13

ጸሓፍቲ ታሪኽ ከም ዚገልጽዎ፡ ብግዜ ጳውሎስ፡ ኣብ ከባቢ መዲተራነያን ዝነበሩ ነጋዶ ብቐይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ብተደጋጋሚ ናብ ህንዲ ይኸዱ ነበሩ፣ ኣብ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን እሞ ኸኣ ክሳብ ቻይና እውን ይጐዓዙ ነይሮም እዮም። b ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ መዲተራነያን ናብ ሸነኽ ምዕራብ ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞ ዚፍለጥ ነገር ኣሎዶ፧ ጥንታውያን ባሕረኛታት ናብ ምዕራብ ክሳዕ ኣበይ እዮም ከይዶም፧

ጥንታዊ ጕዕዞ ፊንቄኣውያን

ካብ ግዜ ጳውሎስ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ባሕረኛታት ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ሰፈር ንግዲ መስሪቶም ነበሩ። እቶም ኣብዚ ሕጂ ሊባኖስ እትርከበሉ ቦታ ዝነበሩ ፊንቄኣውያን፡ ኣብ ከባቢ 1200 ቅ.ክ. ናብ ኣትላንቲክ ከም ዚበጽሑ እዩ ዚእመን። ኣብ ከባቢ 1100 ቅ.ክ. ድማ ነታ ኣብ ክንዮ ወሽመጥ ጂብራልተር እትርከብ ጋዲር ደኰንዋ፣ እዛ ኸተማ እዚኣ ሕጂ ኣብ ስጳኛ ዘላ ወደብ ካዲዝ እያ። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ካብቲ ኸባቢ ተዃዒቱ ዝወጸ ብሩር ይርከብ ነበረ፣ ካብ ኣትላንቲክ ዚመጹ ነጋዶ ኸኣ መብሸልን (ታኒካ) ሒዞም ይመጹ ነበሩ።

ሄሮዶተስ ዚበሃል ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝጸብጸቦ፡ ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. ኔኮ ፈርኦን ግብጺ ብፊንቄኣውያን ዚምርሓ ጭፍራ መራኽብ ኣብ ጫፍ ቀይሕ ባሕሪ ኣኪቡ ነበረ። ዕላማኡ ድማ ንኣፍሪቃ ኻብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ብባሕሪ ንኺዞርዋ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ፊንቄኣውያን ንገማግም ኣፍሪቃ ኺድህስስዎ ኻብ ዚጅምሩ ዘመናት ሓሊፉ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ እቶም ኣብ ኣፍሪቃ ብገማግም ኣትላንቲክ ኣቢሎም ናብ ደቡብ ገጾም ዚኸዱ ዝነበሩ ባሕረኛታት፡ ብሰንኪ ንፋስን ማዕበልን ኣርሒቖም ኪጐዓዙ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ሄሮዶተስ ከም ዝገለጾ፡ ከምዚ ዓይነት ጸገም ስለ ዝነበረ፡ ፊንቄኣውያን ነዚ ሓድሽ ጕዕዞ ኺጅምሩ ኸለዉ፡ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ተበጊሶም ብምብራቓዊ ገማግም ኣፍሪቃ ኣቢሎም ናብ ሸነኽ ደቡብ ናብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ገጾም ከዱ። ኣብ ከባቢ ፍርቂ ዓመት፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ብምባል፡ እኽሊ ዘርኡ፣ ክሳዕ ዚበቍል ተጸብዮም ምህርቶም ድሕሪ ምእካቦም ከኣ እንደገና ጕዕዞ ጀመሩ። ሄሮዶተስ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ንብምልእታ ኣፍሪቃ ብምዛር ብመዲተራነያን ገይሮም ናብ ግብጺ ተመልሱ።

ሄሮዶተስ ንጸብጻቡ ኺዛዝም ከሎ፡ ፊንቄኣውያን ብደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ ኺጐዓዙ ኸለዉ ንጸሓይ ብሸነኽ የማን ከም ዝረኣይዋን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ከም እተዛረቡን ገለጸ። ከም ሓቂ ኸኣ፡ ንሓደ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዚነብር ዝነበረ ግሪኻዊ፡ እዚ ዘይእመን እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ሓደ ኣብ ሰሜናዊ ቕናት ምድሪ ዚነብር ሰብ፡ ጸሓይ ብሸነኽ ደቡብ እያ እትርኣዮ። ስለዚ፡ ናብ ምዕራብ ገጹ ኺጐዓዝ ከሎ፡ ጸሓይ ኣብ ጸጋሙ እያ እትኸውን። ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ቕናት ምድሪ ዚርከብ ጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ ምስ በጻሕካ ግን፡ እታ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ እትርአ ጸሓይ ብሸነኽ ሰሜን እያ እትኸውን፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ዝዀነ ይኹን ካብዚ ቦታ እዚ ናብ ሸነኽ ምዕራብ ዚጐዓዝ ሰብ፡ ጸሓይ ኣብ የማኑ እያ እትኸውን።

ንሓያሎ ዘመናት፡ እቲ ሄሮዶተስ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ንብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽ ዜካትዕ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ቅድሚ ሓያሎ ዘመናት፡ መርከበኛታት ንኣፍሪቃ ብባሕሪ ኸም ዝዞርዋ ዚገልጽ ሓሳብ፡ ንብዙሓት ሰባት ዘይእመን ኰይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ፈርኦን ኔኮ እዚ ጕዕዞ እዚ ኺግበር ኣዚዙ ኸም ዝነበረ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዝነበረ ኽእለትን ፍልጠትን ከኣ ከምዚ ዓይነት ጕዕዞ ኺግበር ይከኣል ከም ዝነበረ ምሁራት ይኣምኑ እዮም። ሊነል ካሰን ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ፡ “ከምዚ ዓይነት ጕዕዞ ኺግበር ይከኣል ነይሩ እዩ። ፊንቄኣውያን መርከበኛታት ኣብቲ ሄሮዶተስ ዝሓበሮ እዋንን በቲ ንሱ ዝገለጾ ሜላን ገይሮም ነዚ ጕዕዞ እዚ ኺገብርዎ ዘይክእሉሉ ምኽንያት የልቦን” በለ። ጸብጻብ ሄሮዶተስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ልክዕ ነይሩ ዚብል ሓሳብ፡ ኣፍካ መሊእካ እትዛረበሉ ኣይኰነን። ዝዀነ ዀይኑ ግን፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዘይፍለጡ ናብ ዝነበሩ ኸባቢታት ብባሕሪ ኣቢልካ ንምኻድ ብዛዕባ ዚግበር ዝነበረ ጻዕሪ ብእተወሰነ ይሕብረና እዩ።

ፒቲያስ ናብ ሰሜን ዝገበሮ ጕዕዞ

ንምዕራብ ናብ ኣትላንቲክ ገጾም እተጓዕዙ ነበርቲ መዲተራነያን፡ ፊንቄኣውያን ጥራይ ኣይኰኑን ነይሮም። ሓንቲ ኻብተን ግሪኻውያን ባሕረኛታት ኣብ ከባቢ መዲተራነያን ዝመስረትወን ሰፈር ንግዲ፡ እዛ ሕጂ ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ማርሰል እትበሃል ከተማ ማሳልያ እያ። ሳላ እቲ ብባሕርን ብመሬትን ዚግበር ንግዲ እታ ኸተማ ዓሚራ ነበረት። እቶም ነጋዶ ኻብ ማሳልያ ናብ ሰሜን፡ ኣብ ከባቢ መዲተራነያን እተሰርሐ ወይንን ዘይትን ብሮንዞን ይልእኩ ነበሩ፣ ካብ ሰሜን ከኣ ዘይተጻረየ ሓጺንን ካብ ዕንዲዳ ዚስራሕ ስልማትን ይመጽእ ነበረ። ነበርቲ ማሳልያ ንምንጪ እዚ ነገራት እዚ ኺፈልጡ ይደልዩ ኸም ዝነበሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ከባቢ 320 ቅ.ክ. ፒቲያስ ብዓል ማሳልያ ነዘን ኣብ ሸነኽ ሰሜን ኣብ ርሑቕ ቦታ ዚርከባ ዓድታት ኪረኽበን ጕዕዞ ጀመረ።

ፒቲያስ ምስ ተመልሰ፡ ኦን ዘ ኦሽን ዚብል ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ጕዕዞ ዚገልጽ ጸብጻብ ጸሓፈ። እቲ ብግሪኽኛ እተጻሕፈ በዅሪ ጽሑፍ እኳ እንተ ዘይተረኽበ፡ እንተ ወሓዱ 18 ጥንታውያን ጸሓፍቲ ኻብኡ ጠቒሶም እዮም። እቶም ጸሓፍቲ ዝጠቐስዎ ሓበሬታታት፡ ፒቲያስ ንባሕርታት፡ ንማዕበላት፡ ንኣቀማምጣ ቦታታት፡ ከምኡውን ንብዝሒ ህዝቢ እቲ ዝበጽሖ ኸባቢታት ተጠንቂቑ ኸም ዝገለጾ ዚሕብር እዩ። ብዘይካዚ፡ ሓንቲ ንቕየሳ እተገልግል መሳርሒ ኣብ ፍርቂ መዓልቲ ናይ እትፈጥሮ ጽላሎት ኵርናዕ ብምቕማር፡ ናብ ሸነኽ ሰሜን ክሳብ ክንደይ ከም እተጓዕዘ ይግምት ነበረ።

ፒቲያስ ነዚ ጕዕዞ እዚ ኣብ ስነ-ፍልጠት ካብ ዝነበሮ ተገዳስነት ተበጊሱ እዩ ገይርዎ። ይኹን እምበር፡ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ስነ-ፍልጠታዊ ዳህሳስ ኣይኰነን ነይሩ። ምሁራት ከም ዚገልጽዎ፡ ናብቲ ምንጪ ብዕንዲዳ ዚስራሕ ስልማትን መብሸልን ዝዀነ ገማግም ዚወስድ መገዲ ባሕሪ ንኺፈልጥ ዝለኣኽዎን ዝመወልዎን እቶም ኣብ ማሳልያ ዚነብሩ ነጋዶ እዮም ነይሮም። እሞኸ ፒቲያስ ናበይ እዩ ኸይዱ፧

ናብ ብሪታኒን ብሪጣንያን ክንዮኡን ተጓዕዘ

ፒቲያስ ብኣይበርያን ብገማግም ጎልን ኣቢሉ ኣብ ገማግም ብሪታኒ ዝበጽሐ እዩ ዚመስል። c ነዚ ኽንፈልጦ ዝኸኣልና፡ ሓደ ኻብቲ ጽላሎት ብዚፈጥሮ ዅርናዕ ገይሩ ዝሃቦ ዓቐን፡ ምስቲ ሕጂ ሰሜናዊ ብሪታኒ ዚርከበሉ ቦታ ተመሳሳሊ ስለ ዝዀነ እዩ። d

ነበርቲ ብሪታኒ፡ ምስ ብሪጣንያ ንግዲ ዚፍጽሙ ምኩራት ሃነጽቲ መርከብን ባሕረኛታትን እዮም ነይሮም። እታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ብሪጣንያ እትርከብ ኮርንወል፡ በቲ ቐንዲ ባእታ ብሮንዞ ዝዀነ መብሸል ሃብታም ነበረት፣ ፒቲያስ እውን እንተ ዀነ ቐጺሉ ናብዛ ቦታ እዚኣ እዩ ኸይዱ። እቲ ጸብጻቡ፡ ንግዝፍን ነቲ ስሉስ ኵርናዕ ዚመስል ቅርጺ ብሪጣንያን ዚገልጽ ኪኸውን ከሎ፣ እዚ ኸኣ ነታ ደሴት ዘይርዋ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዚሕብር እዩ።

ብዛዕባ እቲ ፒቲያስ ዝኸደሉ ትኽክለኛ መገዲ ርግጸኛታት እኳ እንተ ዘይኰንና፡ ብመንጎ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣቢሉ ተጓዒዙ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ድሕሪኡ ኣብ ደሴት ማን በጽሐ። እዛ ደሴት እዚኣ እትርከበሉ ላቲትዩድ፡ ምስቲ ጽላሎት ብዚፈጥሮ ዅርናዕ ገይሩ ፒቲያስ ዝሃቦ ዓቐን ይመሳሰል እዩ። እቲ ሳልሳይ ዓቐን ድማ ምስታ ኻብ ምዕራባዊ ገማግም ስኮትላንድ ፍንትት ኢላ ኣብ ኣውተር ሄብሪዲስ እትርከብ ሊዊስ ይመሳሰል እዩ። ካብዚ ቦታ እዚ፡ ናብተን ኣብ ሸነኽ ሰሜን ስኮትላንድ ዚርከባ ደሴታት ኦርክኒ ጕዕዞኡ ቐጺሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ እቲ ብፕሊኒ ዓብዪ እተጠቕሰ ጸብጻቡ፡ እዘን ደሴታት እዚኣተን 40 ኸም ዚዀና እዩ ዚሕብር።

ፒቲያስ፡ ንሽዱሽተ መዓልቲ ዚኣክል ካብ ብሪጣንያ ንሰሜን ገጹ ምስ ተጓዕዘ፡ ቱለ ተባሂሉ ኣብ ዚጽዋዕ ከባቢ ኸም ዝበጽሐ ጸሓፈ። ሓያሎ ጥንታውያን ጸሓፍቲ፡ እቲ ፒቲያስ ቱለ ኢሉ ዝጸውዖ ቦታ፡ ጸሓይ ኣብ ፍርቂ ለይቲ እውን ከይተረፈ እትረኣየሉ ኸባቢ ምዃኑ ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ካልእ እዋን፡ ካብቲ ቦታ ተበጊሱ ምስ ተጓዕዘ፡ “ዝደስከለ” ባሕሪ ኸም ዘጋጠሞ ጸሓፈ። ብዙሓት ሰባት፡ እቲ ፒቲያስ ቱለ ኸም ዚበሃል ዝገለጾ ትኽክለኛ ቦታ ኣየናይ ብዛዕባ ምዃኑ እተፈላለየ ሓሳብ እዩ ዘለዎም፣ ገሊኦም ደሴታት ፎሮ ኸም ዝረኣየ፡ ካልኦት ከኣ ኖርወይ ወይ ኣይስላንድ ከም ዝረኣየ እዮም ዚገልጹ። ዝዀነ ዀይኑ ግን፡ ጥንታውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ቱለ “ኣብ ሰሜን ብስም ይፍለጡ ኻብ ዝነበሩ ቦታታት እቲ ኣዝዩ ዝረሓቐ” ቦታ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ።

ምናልባት፡ ፒቲያስ በቲ ዝኸደሉ መስመር ጕዕዞ ኣቢሉ ነታ ደሴት ኰሊሉ ናብ ብሪጣንያ ተመሊሱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናብ መዲተራነያን ቅድሚ ምምላሱ፡ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ኤውሮጳ ተወሳኺ ዳህሳስ ገይሩ እንተ ዀይኑ እንፈልጦ ነገር የለን። ፕሊኒ ዓብዪ፡ ፒቲያስ ነቲ ኻብ ዕንዲዳ ዚስራሕ ስልማት ዚርከበሉ ኸባቢ ኸም ዝረኸቦ ጠቒሱ እዩ። ኣብ ግዜ ጥንቲ፡ እዚ ኽቡር ስልማት ኣብዛ ሎሚ ኽፋል ዴንማርክ ዝዀነት ጀትላንድን ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ቦልቲክን እዩ ዚርከብ ነይሩ። ሓቂ እዩ፡ ፒቲያስ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ብሪጣንያ ዚርከብ ዝዀነ ይኹን ወደብ እንተ ዚኸይድ ነይሩ፡ ብዛዕባ እቲ ስልማት ዚርከበሉ ኸባቢ ምፈለጠ ነይሩ፣ ኰይኑ ግን፡ ናብዚ ኸባቢ ብዛዕባ ምኻዱ እንፈልጦ ነገር የለን።

ካብ መዲተራነያን ተበጊሱ ኽሳብ ብሪጣንያ ብዛዕባ ዝገበሮ ጕዕዞ ዝጸሓፈ ኻልእ ተጐዓዛይ፡ ዩልዮስ ቄሳር እዩ፣ ኣብ 55 ቅ.ክ. ድማ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ እዛ ደሴት እዚኣ በጽሐ። ኣብ ከባቢ 6 ድ.ክ. እውን ሮማውያን ክሳብ ሰሜናዊ ጀትላንድ በጺሖም ነበሩ።

ብዛዕባ ዓለም ዘሎካ ፍልጠት ምስፋሕ

ፊንቄኣውያንን ግሪኻውያንን ዝገበርዎ ዳህሳስ፡ ኣብ መዲተራነያንን ኣትላንቲክን ጥራይ እተሓጽረ ዘይኰነስ፡ ክሳብ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ክሳብ እቲ ኣብ ሰሜን ዚርከብ ኣርክቲክን ዚበጽሕ እዩ ነይሩ። እወ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት፡ ኪድህስሱ፡ ኪነግዱ፡ ብዛዕባ ዓለም ዘለዎም ፍልጠት ኬስፍሑ፡ ከምኡውን ነዊሕ ርሕቀት ኪጐዓዙ ጻዕሪ ምግባሮም፡ ኣተሓሳስባኦምን ፍልጠቶምን ንኬኻዕብቱ ሓጊዝዎም እዩ።

ኣብ ግዜ ጥንቲ ብዛዕባ እተገብረ ዳህሳስ ዚገልጽ ጸብጻባት፡ ነቲ ተባዓት ባሕረኛታት ብዓወት ዝፈጸምዎ ጕዕዞ ብእተወሰነ ደረጃ ጥራይ እዩ ዚገልጸልና። ብዛዕባ እቲ ዝኸዱሉ ቦታ ዋላ ሓንቲ ኸይጸሓፉ ናብቲ ዝነበርዎ እተመልሱ ጥንታውያን ባሕረኛታት ክንደይ ኰን ይዀኑ፧ ናብ ርሑቕ ቦታታት እኳ እንተ ተጓዕዙ፡ ናብ ዓዶም ዘይተመልሱኸ ኽንደይ ይዀኑ፧ እዚ ገና መልሲ ዘይረኸበ ሕቶታት እዩ። ኰይኑ ግን፡ ክርስትና ኽሳዕ ክንደይ ተዘርጊሑ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይሕብረና እዩ።—ነቲ  ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሳጹን ርአ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እዚ ቦታ እዚ፡ ነቲ ግሪኻውያንን ሮማውያንን ጸሓፍቲ፡ ታርተሱስ ኢሎም ዚጽውዕዎ ኣብ ደቡባዊ ስጳኛ ዚርከብ ከባቢ እዩ ዜመልክት።

b ብዛዕባ እቲ ናብ ሸነኽ ምብራቕ ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 2009 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ሚስዮናውያን ናብ ምብራቕ ክሳዕ ኣበይ ኪኸዱ ይኽእሉ ነይሮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

c ኣይበርያ፡ ስጳኛን ፖርቱጋልን ንዚርከባሉ ኸባቢታት፡ ገማግም ጎል ንምዕራባዊ ገማግም ፈረንሳ፡ ብሪታኒ ኸኣ ንሰሜናዊ ምዕራብ ገማግም ፈረንሳ የመልክት።

d ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሰሜናዊ ብሪታኒ ብሸነኽ ሰሜን ኣብ 48° 42’ ላቲትዩድ እያ እትርከብ።

 [ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ሳጹን]

“ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል”

ካብ 60-61 ድ.ክ. ኣቢሉ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ከም እተሰብከ ጸሓፈ። (ቈሎሴ 1:23) ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ክርስትያናት ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ስጳኛ፡ ኣብ ጎል፡ ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣብ ሃገራት ቦልቲክ፡ ከምኡውን ኣብታ ፒቲያስ ቱለ ኢሉ ዝጸውዓ ዓዲ ሰቢኾም ነይሮም ማለት ድዩ፧ እዚ ዘይመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣፍና መሊእና ግን ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና።

ይኹን እምበር፡ እቲ ብስራት ብስፍሓት ከም እተሰብከ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንኣብነት፡ እቶም ኣብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ክርስትና እተቐበሉ ኣይሁድን ጵሮሴሊትን፡ ነዚ ሓድሽ እምነቶም ሒዞም ናብቲ ኣንበብቲ ጳውሎስ ዚፈልጥዎ ኸም ጴርቴ፡ ኤላም፡ ሜዶን፡ መሰጶታምያ፡ ዓረብ፡ ንእሽቶ እስያ፡ ጥቓ ቀሬን ዚርከብ ዓድታት ሊብያ፡ ከምኡውን ከም ሮሜ ዝኣመሰሉ ቦታታት ኣብጽሕዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:5-11

[ኣብ ገጽ 26, 27 ዘሎ ዲያግራም/ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ባሕረኛታት ብደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ ኺጐዓዙ ኸለዉ ንጸሓይ ብሸነኽ የማን ከም ዝረኣይዋ ሄሮዶተስ ጸብጸበ

[ካርታ]

ኣፍሪቃ

ባሕሪ መዲተራነያን

ህንዲ ውቅያኖስ

ኣትላንቲክ ውቅያኖስ

[ኣብ ገጽ 28, 29 ዘሎ ዲያግራም/ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

እቲ ግሪኻዊ ባሕረኛ ዝነበረ ፒቲያስ ዝገበሮ ሰፊሕ ጕዕዞ ባሕሪ

[ካርታ]

ኣየርላንድ

ኣይስላንድ

ኖርወይ

ሰሜናዊ ባሕሪ

ብሪታኒ

ብሪጣንያ

ሓውሲ ደሴት ኣይበርያ

ሰሜናዊ ገማግም ኣፍሪቃ

ባሕሪ መዲተራነያን

ማርሰል