ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ብዛዕባ ርእሱ ዝመሃሮ ትምህርቲ

የሱስ ብዛዕባ ርእሱ ዝመሃሮ ትምህርቲ

የሱስ ብዛዕባ ርእሱ ዝመሃሮ ትምህርቲ

“የሱስ፡ ብዛዕባ መንነቱ፡ ብዛዕባ ዝመጽኣሉ ቦታ፡ ናብዛ ዓለም ብዛዕባ ዝመጽኣሉ ምኽንያት፡ ከምኡውን ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዜጋጥሞ ነገራት ፈጺሙ ተጠራጢሩ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ።”—ሀርበርት ሎክየር ዝስሙ ደራሲ

ነቲ የሱስ እተዛረቦ ነገራት ቅድሚ ምቕባልናን ኣብኡ እምነት ቅድሚ ምሕዳርናን፡ ብዛዕባኡ ኽንፈልጦ ዘሎና ነገራት ኣሎ። የሱስ መን እዩ ነይሩ፧ ካበይከ እዩ መጺኡ፧ ዕላማ ህይወቱ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ነቲ መልሲ ብምሳልያዊ መገዲ ኻብ ኣፍ የሱስ፡ ማለት ካብ ጸብጻብ ወንጌላት ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።

ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ኸይተወልደ ኸሎ፡ ብህይወት ይነብር ነበረ፦ የሱስ፡ “ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከም ዘለኹ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” በለ። (ዮሃንስ 8:58) ኣብርሃም፡ ካብቲ የሱስ እተወልደሉ ኣስታት 2,000 ዓመት ኣቐዲሙ ይነብር ነበረ። ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ እዚ እሙን ኣበው እዚ ገና ኸይተወልደ ኸሎ እውን ብህይወት ነይሩ እዩ። ካበይ እዩ ግን መጺኡ፧ የሱስ፡ “ካብ ሰማይ ወሪደ” በለ።—ዮሃንስ 6:38

ወዲ ኣምላኽ፦ ብዙሓት ደቂ የሆዋ ዝዀኑ መላእኽቲ ኣለዉ። የሱስ ግን ካብዚኣቶም ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። ንርእሱ “ሓደ ወዲ ኣምላኽ” ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ጠቒስዋ ዘሎ። (ዮሃንስ 3:18) እዚ መግለጺ እዚ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ጥራይ ብቐጥታ ኸም ዝፈጠሮ ዚሕብር እዩ። በዚ ሓደ ወዱ ኣቢሉ ኸኣ ንዅሉ ነገራት ፈጠሮ።—ቈሎሴ 1:16

“ወዲ ሰብ”፦ የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኺገልጽ ከሎ፡ ነዛ መግለጺት እዚኣ ኻብ ካልኦት ሰባት ንላዕሊ ብዝያዳ ተጠቕመላ። (ማቴዎስ 8:20) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ስጋ ዝለበሰ መልኣኽ ከም ዘይኰነ ኣርኣየ። እወ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰብ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንህይወት ወዱ ኻብ ሰማይ ናብ ማህጸን ድንግል ማርያም ኣመሓላለፎ። የሱስ ከኣ፡ ሓጢኣት ዘይብሉ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ተወልደ።—ማቴዎስ 1:18፣ ሉቃስ 1:35፣ ዮሃንስ 8:46

መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ፦ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ንየሱስ፡ “መሲህ ከም ዚመጽእ፡ እፈልጥ አሎኹ” በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ” በላ። (ዮሃንስ 4:25, 26) እታ “መሲህ” እትብል ቃል፡ ልክዕ ከምታ “ክርስቶስ” እትብል ቃል፡ “ቅቡእ” ማለት እያ። የሱስ ኣብ ምፍጻም መብጽዓ ኣምላኽ ፍሉይ ግደ ንኺህልዎ ተባሂሉ ብኣምላኽ ተቐቢኡ ወይ ተሸይሙ እዩ።

ቀንዲ ተልእኾኡ፦ ሓደ እዋን፡ የሱስ፡ “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” በለ። (ሉቃስ 4:43) ብዙሕ ሳዕ ንዝጸገሞም ሰባት እኳ እንተ ሓገዘ፡ ህይወቱ ግን ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ እንታይ ከም ዝመሃረ ጸኒሕና ኽንርእዮ ኢና።

ብሓቂ እምበኣር፡ የሱስ ተራ ሰብ ኣይኰነን ነይሩ። a ቀጺልና ኸም እንርእዮ፡ ኣብ ሰማይ ዘሕለፎ ህይወት፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኸሎ እተዛረቦ ቓላት ዝያዳ ትርጕም ከም ዚህልዎ ገበረ። ህይወት ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ዝጸለወ መልእኽቲ ምስባኹ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ የሱስን ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘለዎ ግደን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 4 ርአ።