ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቘልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ እትምህረሉ መገዲ ኣየናይ ሜላ እዩ ብዝበለጸ ዚዓዪ፧

ንቘልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ እትምህረሉ መገዲ ኣየናይ ሜላ እዩ ብዝበለጸ ዚዓዪ፧

ንቘልዑ ብዛዕባ ኣምላኽ እትምህረሉ መገዲ ኣየናይ ሜላ እዩ ብዝበለጸ ዚዓዪ፧

“እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።”​—ዘዳግም 6:6, 7

ሓድሓደ ግዜ ወለዲ፡ እቲ ንቘልዑ ምስልጣን ዜምጽኦ ሓላፍነት ልዕሊ ዓቕሞም ከም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ ይዀኑ። ብዛዕባኡ ዚገልጽ ምኽሪ ኼናድዩ ኸለዉ ግና፡ እቲ ዚረኽብዎ ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ መሊሱ የደናግሮም ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ብተደጋጋሚ ብኣዝማድን ብፈተውትን ዚወሃብ ርእይቶታት ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ምኽሪ ዚህብ መጻሕፍትን መጽሔታትን ወብ ሳይትን እውን ኣሎ።

ብኣንጻሩ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ፡ ንደቆም እንታይ ከም ዚምህርዎም ዚገልጽ ዜተኣማምን ምኽሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ከም ዚምህርዎም እውን ዚሕብር ግብራዊ መምርሒ ሒዙ ኣሎ። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትሕብሮ፡ ወለዲ በብመዓልቱ ንደቆም ብዛዕባ ኣምላኽ ዜዘራርቡሉ መገዲ ኼናድዩ ኣለዎም። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ኣምላኽ ንኺምህርዎም ዝሓገዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣርባዕተ ሓሳባት እስከ ንርአ።

1. ንፍጥረት ተጠቒምካ ንደቅኻ ምሃሮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ” በለ። (ሮሜ 1:20) ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ፍጥረት ኣምላኽ ኪሓስቡን እቲ ፍጥረት ነየናይ ባህርይ ኣምላኽ ከም ዜጕልሕ ኬስተውዕሉን ብምሕጋዝ፡ ኣምላኽ ጋህዲ ኸም ዝዀነሎም ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺምህሮም ከሎ፡ ከምኡ እዩ ገይሩ። ንኣብነት፡ “ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከነንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧” በሎም። (ማቴዎስ 6:26) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምኡ ኺብሎም ከሎ፡ ንፍቕርን ንድንጋጽን የሆዋ የጕልሓሎም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ብኸመይ ነተን ባህርያቱ ንደቁ ኸም ዜርእዮም ንኼስተውዕሉ እውን ይሕግዞም እዩ ነይሩ።

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንጻጸ ዝሃቦ ባህረታዊ ጥበብ ብምጥቃስ፡ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኣጕልሐ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ፦ “ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን። ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሉን፡ ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፡ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።” (ምሳሌ 6:6-8) ጠቓሚ ሸቶ ኸነውጽእ፡ ኣብቲ ሸቶ እቲ ንምብጻሕ ከኣ ክንጽዕር ከም ዘሎና ዚሕብር ብሉጽ ትምህርቲ እዩ።

ወለዲ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ከም የሱስን ሰሎሞንን ብውጽኢታዊ መገዲ ኺምህሩ ይኽእሉ እዮም፦ (1) ንደቆም፡ ብዛዕባ ዚፈትውዎ ተኽልታት ወይ እንስሳታት ምስ ዚሓትትዎም። (2) ብዛዕባ እቲ ተኽልታት ወይ እንስሳታት ዘለዎም ፍልጠት ምስ ዜስፍሑ። (3) ነቲ ፍጥረት ተጠቒሞም ንደቆም ብዛዕባ ኣምላኽ ምስ ዚምህሩ።

2. ከም ናይ የሱስ ዓይነት ኣረኣእያ ይሃሉኻ። የሱስ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ ሰባት ንላዕሊ፡ ዚዛረቦ ኣገዳሲ ነገራት ነበሮ። ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኡ እዋን ሕቶታት ይሓትት ነበረ። ርእይቶን ስምዒትን እቶም ዚምህሮም ዝነበረ ሰባት የገድሶ ነበረ። (ማቴዎስ 17:24, 25፣ ማርቆስ 8:27-29) ወለዲ እውን ብተመሳሳሊ፡ ንደቆም ብዙሕ ኣገዳሲ ነገራት ኪምህርዎም የድሊ ይኸውን። ውጽኢታውያን ምእንቲ ኪዀኑ ግና፡ ንየሱስ ኪመስልዎን ንደቆም ብናጽነት ንኺዛረቡ ኼተባብዕዎምን ኣለዎም።

ቈልዑ ሕማቕ ጠባይ ምስ ዜርእዩ ወይ ነቲ ዚመሃርዎ ኣገዳሲ ትምህርቲ ብቕልጡፍ ምላሽ ምስ ዘይህቡሉ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧ የሱስ ንሃዋርያት ብኸመይ ከም ዝመሃሮም እስከ ንርአ። ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጎኦም ከቢድ ክርክር ይለዓል ነበረ፡ ነቲ ትሑታት ንኪዀኑ ዚመሃርዎ ዝነበሩ ትምህርቲ ድማ ቅልጡፍ ምላሽ ኣይህብሉን ነበሩ። የሱስ ግና ብትዕግስቲ ብዛዕባ ኣድላዪነት ትሕትና ደጋጊሙ ይነግሮም ነበረ። (ማርቆስ 9:33, 34፣ ሉቃስ 9:46-48፣ 22:24, 25) ንየሱስ ኪመስልዎ ዚጽዕሩ ወለዲ፡ ንደቆም ብትዕግስቲ እዮም ዚእርምዎም፣ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ውሉዳቶም ንኣገዳስነት እቲ ትምህርቲ ኽሳዕ ዚርድእዎ ይደጋግሙሎም እዮም። *

3. ብኣብነት ምሃር። ወለዲ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ይነብሩ ንዝነበሩ ክርስትያናት ዝሃቦም ምኽሪ ኬቕልቡሉ ኣለዎም። ጳውሎስ፡ “እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ፡ ኣይትስረቑ፡ ኢልካ እትሰብኽ፡ ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧” ኢሉ ጸሓፈ።​—ሮሜ 2:21

ቈልዑ ብዝያዳ ብዘረባ ወለዶም ዘይኰነስ፡ ብተግባር ወለዶም ስለ ዚትንከፉ፡ እቲ ምኽሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዚብልዎ ነገራት ዚትግብሩ ወለዲ፡ ነቲ ወለዶም ዚምህርዎም ነገራት ዚሰምዑ ቘልዑ እዮም ዜዕብዩ።

4. ንደቅኻ ኻብ ሕጻንነቶም ጀሚርካ ምሃሮም። እቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ ሚስዮናዊ ብጻዩ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ ኣብቲ ዝዓበየሉ ማሕበረሰብ ጽቡቕ ስም ነበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:1, 2) ከምኡ ዝዀነሉ ሓደ ምኽንያት፡ ‘ካብ ቍልዕነቱ’ ጀሚሩ ብዛዕባ “ቕዱሳት ጽሑፋት” ስለ እተማህረ እዩ። ኣዴኡን ዓባዩን፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት የንብባሉ ጥራይ ዘይኰናስ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዚርከብ ሓቂ ንኺሓስብ እውን ይሕግዝኦ ነበራ።​—2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:14, 15

ካበይ ኢኻ ሓገዝ ክትረክብ እትኽእል፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ንኺምህርዎም ዚሕግዝ ሓያሎ ጽሑፋት የዳልዉ እዮም። ገሊኡ ጽሑፋት ንቘልዑ ተባሂሉ እዩ ተጻሒፉ። ገሊኡ ኸኣ፡ ወለዲ ምስ ዝጐበዙ ደቆም እሂን ምሂን ንኺበሃሃሉ ምእንቲ ኺሕግዞም ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። *

ሓቂ እዩ፡ ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ ኣምላኽ ቅድሚ ምምሃሮም፡ ንመልሲ እቲ ቘልዑ ኼበግስዎ ዚኽእሉ ኸቢድ ሕቶታት ኪፈልጥዎ ኣለዎም። ንኣብነት፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እንታይ ኢልካ ምመለስካዮ፦ ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧ ምዉታት ኣበይ እዮም ዘለዉ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይዝን ናይ ካልእን ሕቶታት መልሲ ንኽትፈልጥ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ከኣ ናብ ኣምላኽ ንኽትቀርቡ፡ ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።​—ያእቆብ 4:8

[እግረ-ጽሑፋት]

^ ሕ.ጽ. 10 እታ ኣብ ዘዳግም 6:7 “ምሃሮም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ንሓደ ነጥቢ ደጋጊምካ ምዝራብ ተመልክት።

^ ሕ.ጽ. 15 ንኣሽቱ ቘልዑ ዘለውዎም ወለዲ፡ ነታ ንትምህርትታት የሱስ ክርስቶስ እተጕልሕ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ወይ ከኣ ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣገዳሲ ትምህርትታት ብቐሊል መገዲ እትምህር መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ዝጐበዙ ውሉዳት ዘለውዎም ወለዲ ድማ፡ ነታ 1ይን 2ይን ጥራዝ ዘለዋ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን እትበሃል መጽሓፍ ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።