ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቂ ኣንስትዮ ዜሕልፋኦ ጸገማት

ደቂ ኣንስትዮ ዜሕልፋኦ ጸገማት

ደቂ ኣንስትዮ ዜሕልፋኦ ጸገማት

“ደቂ ኣንስትዮ ዚተሓዛሉ መገዲ ኽርኢ ኸለኹ፡ ጓል ኣንስተይቲ ምዃን እዩ ዚጽልኣኒ።” —ዛህራ ዝስማ ጓል 15 ዓመት ጐርዞ፡ ኣብ ሓንቲ ጂኢኦ እትብሃል መጽሔት ፈረንሳይኛ ዝሃበቶ ሓሳብ።

እዛ ኣብ የማን ተጠቒሳ ዘላ ጐርዞ እተዛረበቶ ቓላት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ንኣሽቱን ዓበይትን ደቂ ኣንስትዮ ዚወርድ ዘሎ ዓመጽን ኣድልዎን ዚገልጽ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ሓቅታት እስከ ንርአ።

ጾታዊ ኣድልዎ። ኣብ እስያ ዚነብሩ መብዛሕትኦም ወለዲ፡ ካብ ጓል ንላዕሊ፡ ወዲ ኺወልዱ ይመርጹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ2011 ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ እስያ ኣስታት 134 ሚልዮን ዚዀና ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰሪ ምንጻል ጥንስን ምቕታል ናጽላን ሸለልትነትን ይሞታ እየን።

ትምህርቲ። ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኽሳዕ ራብዓይ ክፍሊ ጥራይ እተማህሩ ሰባት፡ እተን ክልተ ሲሶ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ጾታዊ ማህሰይቲ። ልዕሊ 2.6 ቢልዮን ዚዀና ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብተን ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣገዲዱ ምስኣ ጾታዊ ርክብ እንተ ፈጸመ ኸም ገበን ዘይቍጸረሉ ሃገራት እየን ዚነብራ።

ጥዕና። ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት፡ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ደቒቕ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብሰንኪ መሰረታዊ ኽንክን ጥዕና፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ወይ ሕርሲ ትመውት።

መሰል ዋንነት። ልዕሊ ፍርቂ እቶት እኽሊ ዓለም ብደቂ ኣንስትዮ ዚፈሪ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዚነብራ ደቂ ኣንስትዮ ግና፡ ሕጋዊ መሰል ዋንነት ወይ ውርሻ የብለንን።

ደቂ ኣንስትዮ መሰረታዊ መሰለን ዚንፈጋ ስለምንታይ እየን፧ ገሊኡ ባህልታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዚወርድ ማህሰይትን ዓመጽን ዜተባብዕ ወይ ከም ቅቡል ገይሩ ዚርኢ ሃይማኖታዊ እምነትን ተግባራትን እዩ ዚስዕብ። ሓንቲ ፍሬንች ደይሊ እትብሃል ጋዜጣ፡ ሓደ ቻንድራ ራሚ ቾፕራ ዝስሙ ህንዳዊ ጠበቓ ዝበሎ ጠቒሳ ነበረት፣ ንሱ፡ “ኵሉ ሃይማኖታዊ ሕግታት፡ ሓደ ዜመሳስሎ ነገር ኣሎ፣ ንሱ ኸኣ፡ ንኣድልዎ ደቂ ኣንስትዮ ዚድግፍ ምዃኑ እዩ” በለ።

ንስኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከም ካልእ ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሒቱ ዚርእየን ድዩ ዚመስለካ፧ ገሊኦም ሰባት፡ ንእተወሰነ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣንበቡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሒቱ ዚርእየን ኰይኑ ይስምዖም። ኰይኑ ግና፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ኣምላኽ፡ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ፧ እዚ ጕዳይ እዚ ዜከራኽር እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ብጥንቃቐን ብቕንዕናን ምምርማርና ግና፡ መልሲ ንኽንረክብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© G.M.B. Akash/Panos Pictures