ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ኣንበብትና . . .

በዓል ትንሳኤ ብሓቂ ክርስትያናዊ በዓል ድዩ፧

በዓል ትንሳኤ ብሓቂ ክርስትያናዊ በዓል ድዩ፧

ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ንበዓል ትንሳኤ ወይ ፋስጋ፡ “ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ዚብዓለሉ ናይ ቤተ ክርስትያን ቀንዲ በዓል” ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። እንተዀነ ግና፡ በዓል ትንሳኤ ብሓቂ ክርስትያናዊ በዓል ድዩ፧

ንሓቅነት ሓደ ስርሓት ኢድ ንምርግጋጽ፡ ነቲ ዝርዝር ነገራት ብጥንቃቐ ኸተቕልበሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ በዓል ትንሳኤ ክርስትያናዊ በዓል እንተ ዀይኑ ንምርግጋጽ፡ ነቲ ምስ በዓል ትንሳኤ ዚተሓሓዝ ዝርዝር ነገራት ምምርማር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ቅድም ቀዳድም፡ የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ ትንሳኤኡ ዘይኰነስ ሞቱ ኼብዕሉ እዩ ኣዚዝዎም። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ነዚ በዓል እዚ፡ “ድራር ጐይታ” ብምባል ጸውዖ።—1 ቈረንቶስ 11:20፣ ሉቃስ 22:19, 20

ብተወሳኺ፡ ከምቲ ብሪታኒካ ዝገለጾ፡ መብዛሕትኡ ልምድታት በዓል ትንሳኤ፡ “ካብ ልምድታት ኣህዛብ ዝመነጨ ደኣ እምበር፡” ምስ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ “ምንም ምትሕሓዝ የብሉን።” ንኣብነት፡ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ብዛዕባ እቲ ህቡብ ምልክት ናይ በዓል ትንሳኤ ዝዀነ እንቋቝሖን ማንቲለን፡ “እቲ እንቋቕሖ ነቲ ኸም ሞት ዚምሰል (ተሪር) ቅራፍ እንቋቝሖ በሲዑ ዚወጽእ ሓዲሽ ህይወት የመልክት” ትብል። ቀጺላ ኸኣ፡ “ማንቲለ ኸም ሓንቲ ኣዝያ ፈራይት ፍጥረት እያ እትፍለጥ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እያ ድማ ንምጅማር ጽድያ እተመልክት” በለት።

ፊሊፕ ዎልተር ዚብሃል ፕሮፌሰር ናይ ማእከላይ ዘመን ስነ ጽሑፍ፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ልምድታት ከመይ ገይሩ ኽፍሊ በዓል ትንሳኤ ኸም ዝዀነ ገሊጹ እዩ። ንሱ ኸም ዝጸሓፎ “ንኣረማዊ ልምድታት፡ ክርስትና ንምልባስ ኣብ ዝግበር ዝነበረ መስርሕ” ነቲ ኣረማውያን ዜብዕልዎ ዝነበሩ “ኻብ ሞት ሓጋይ ናብ ህይወት ጽድያ ዜሰጋግር ግዜ” ምስ ትንሳኤ የሱስ ኪተኣሳሰር ቀሊል እዩ ነይሩ። ዎልተር ወሲኹ፡ “ክርስትያናዊ በዓላት” ኣብቲ ናይ ኣረማውያን ዓውደ ኣዋርሕ ምእታዉ፡ ንብዙሓት ሰባት ሃይማኖቶም ንኪቕይሩ ቐሊል ከም ዝገበረሎም ገለጸ።

እዚ “ንኣረማዊ ልምድታት፡ ክርስትና ንምልባስ” ዚግበር ዝነበረ መስርሕ፡ ሃዋርያት ብህይወት ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ኣይኰነን ጀሚሩ፣ ምኽንያቱ ሃዋርያት ንኣረማውነት ‘ዚኽልክሉ’ እዮም ነይሮም። (2 ተሰሎንቄ 2:7) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣነ ምስ ኣልገስኩ፡ . . . ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዚዛረቡ ኺትንስኡ እዮም” ብምባል ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን፡ ገለ ሰባት ድሮ ንክርስትያናት የስሕቱ ኸም ዝነበሩ ጽሒፉ እዩ። (1 ዮሃንስ 2:18, 26) ስለዚ፡ ጸኒሑ ኣረማዊ ልምድታት ንኺተኣታቶ መገዲ ተኸፊቱ ነይሩ እዩ

“ምስቶም ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ።”—2 ቈረንቶስ 6:14

ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ሰባት፡ ገሊኡ ልምድታት በዓል ትንሳኤ ናብ ክርስትና ምእታዉ ጌጋ ኸም ዘይነበረ፡ እኳ ደኣስ “ንኣረማውያን” ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ዝሓሸ ግንዛበ ንኺህልዎም ከም ዝሓገዞም ኰይኑ ይስምዖም። ግናኸ፡ ጳውሎስ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣይምተሰማምዓሉን። ከመይሲ፡ ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኺጐዓዝ ከሎ ንብዙሕ ኣረማዊ ልምድታት እተቓልዐ እኳ እንተ ነበረ፡ ሰባት ንየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺርድእዎ ኢሉ ግና ንዋላ ሓደ ኻብዚ ልምድታት እዚ ናብ ክርስትና ኣየተኣታተወን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ንክርስትያናት ከምዚ ብምባል እዩ ኣጠንቂቕዎም፦ “ምስቶም ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፡ ጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ርክብ ኣለዎ፧ ወይስ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣለዎ፧ ‘ስለዚ፡ ካብ መንጎኦም ውጹን ተፈለዩን’ ይብል የሆዋ፡ ‘ርኹስ እውን ኣይትተንክዩ’፣ ‘ኣነ ኸኣ ክቕበለኩም እየ።’”—2 ቈረንቶስ 6:14, 17

ኣብዚ ዝርዝር ነገራት ብዝገበርናዮ ሓጺር ምርምር ኣብ እንታይ መደምደምታ ኢና በጺሕና፧ በዓል ትንሳኤ ክርስትያናዊ በዓል ኣይኰነን።