ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ጐሓፍ እተረኽበ ጥንታዊ ዕንቊ

ኣብ ጐሓፍ እተረኽበ ጥንታዊ ዕንቊ

ብዛዕባ እተዀመረ ጐሓፍ ክትሓስብ ከለኻ፡ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚመጸካ፧ ዘይጠቅም ነገራትን ሕማቕ ጨናን ከም ዚመጸካ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ጐሓፍ፡ ይትረፍዶ ኽቡር ዕንቊስ፡ ዝዀነ ይኹን ዚጠቅም ነገር ክትረክብ ኣይትጽበን ኢኻ።

ይኹን እምበር፡ ሚእቲ ዓመት ይገብር፡ ኣብ ጐሓፍ ክቡር ነገር ተረኺቡ እዩ። እቲ ነገር እቲ፡ ቃል ብቓሉ ዕንቊ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ዓብዪ ዋጋ ዘለዎ ነገር እዩ። ንሱ እንታይ እዩ፧ ሎሚ ንዓና ዜገድሰናኸ ስለምንታይ እዩ፧

ዘይተሓስበ ርኽበት

ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ዚሰርሑ፡ በርናርድ ፒ. ግሬንፈልን ኣርቱር ኤስ. ሃንትን ዚብሃሉ ምሁራት፡ ናብ ግብጺ ኸዱ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኒል ኣብ ዘሎ እተዀመረ ጐሓፍ፡ ብርክት ዝበለ ቝርጽራጽ ጳጲሮስ ረኸቡ። ብ1920 ከኣ፡ እቶም ክልተ መሳርሕቲ ነቲ ዝረኸብዎ ነገራት ብዝርዝር ኪምዝግብዎ ኸለዉ፡ ግሬንፈል ኣብ ግብጺ ተዃዒቱ ዝወጸ ተወሳኺ ቝርጽራጽ ዓደገ። ንግሬንፈል ዝወከሎ፡ እቲ ኣብ ማንቸስተር፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዚርከብ ቤተ መጻሕፍቲ ዘ ጆን ራይላንድስ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝርዝር ቅድሚ ምውዳኡ፡ ክልቲኦም ምሁራት ሞቱ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ዝሰርሕ ኮሊን ኤች ሮበርትስ ዝስሙ ኻልእ ምሁር ነቲ ዕዮ ዛዘሞ። ነቲ ቝርጽራጽ በብደረጃኡ ኺፈላልዮ ኸሎ፡ 9 ብ6 ሰ.ሜ. ዝስፍሓቱ ጳጲሮስ ረኸበ። ኣብቲ ብግሪኽኛ እተጻሕፈ ኢደ ጽሑፍ፡ ንሱ ዝፈልጦ ቓላት ምስ ረኣየ ኣዝዩ ደንጸዎ። ኣብ ሓደ ሸነኽ እቲ ጳጲሮስ፡ ካብ ዮሃንስ 18:31-33 እተወስደ ቓላት፡ ኣብቲ ኻልኣይ ሸነኽ ከኣ፡ ካብ ፍቕዲ 37 ክሳዕ 38 ዘሎ ቓላት ተጻሒፍዎ ነበረ። ሮበርትስ ከይሓሰቦ ሓደ ኽቡር ዕንቊ ኸም ዝረኸበ ተገንዘበ።

ዝጸንሓሉ ዓመታት ብኸመይ ከም እተፈልጠ

ሮበርትስ፡ እዚ ተጓሒፉ ዝነበረ ጳጲሮስ ኣዝዩ ጥንታዊ ኸም ዝነበረ ተገንዘበ። ግናኸ ኽንደይ ዓመት እዩ ገይሩ፧ ነዚ ንኺፈልጥ፡ ፐይሎግራፊ ዚብሃል ዓይነት መጽናዕቲ ተጠቒሙ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ኢደ ጽሑፋት ምስ ካልእ ዕለቱ እተፈልጠ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ኣረኣኣዮ። * በዚ ሜላ እዚ ገይሩ ኸኣ፡ ግምታዊ ዕለት ኪህቦ ኽኢሉ እዩ። ግናኸ፡ ርግጸኛ ኪኸውን ደለየ። ስለዚ፡ ነቲ ቝራጽ ፎቶግራፍ ኣልዓሎ፡ ፎቶ ኮፒ ገይሩ ድማ መጽናዕቲ ጳጲሮስ ናብ ዘካይዱ ሰለስተ ምሁራት ለኣኾ፣ ክንደይ ዓመት ከም ዝገበረ ኺነግርዎ ኸኣ ሓተቶም። እዞም ምሁራት እዚኦም፡ ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዮም በጺሖም፧

እቶም ሰለስተ ምሁራት ንኣገባብ ኣጸሓሕፋን ኣወዳድቓ እቲ ፊደላትን ብምጽናዕ፡ እቲ ቝራጽ ኣብ መፋርቕ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ.፡ ማለት ድሕሪ ሞት ሃዋርያ ዮሃንስ ገለ ዓመታት ጸኒሑ እተጻሕፈ ኸም ዝዀነ ተሰማሚዖም እዮም። ይኹን እምበር፡ እዚ ኢደ ጽሑፋት መዓስ ከም እተጻሕፈ ንምውሳን ዚሕግዝ ሜላ ፐይሎግራፊ፡ ጕድለት ዘይብሉ ስለ ዘይኰነ፡ ካልእ ምሁር እቲ ጽሑፍ ኣብ ካልኣይ ዘመን ኣብ ዘይተፈልጠ ዓመት ተጻሒፉ ኪኸውን ከም ዚኽእል እዩ ዚኣምን። ግናኸ፡ እዚ ኻብ ጐሓፍ እተረኽበ ንእሽቶ ጳጲሮስ፡ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተረኸበ ቝርጽራጽ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ደረጃ ዝሓዘ እዩ።

ቍራጽ ራይላንድስ እንታይ ከም ዝገለጸ

እዚ ቝራጽ ወንጌል ዮሃንስ እዚ፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣፍቀርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እንተ ወሓደ ብኽልተ ምኽንያት እዩ። ቅድም ቀዳድም፡ ቅርጺ እቲ ቝራጽ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ንቕዱሳት ጽሑፋት ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢሮም ይርእይዎ ኸም ዝነበሩ ንኽንፈልጥ መንቋሕቋሕታ ይህበና እዩ።

እዚ ቝራጽ ወንጌል ዮሃንስ እዚ፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣፍቀርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ.፡ ጽሑፍ ብኽልተ መገዲ፡ ማለት ብጥቕላልን ብኮዴክስን ይዳሎ ነበረ። እቲ ጥቕላል፡ ክፋል ጳጲሮሳት ወይ ብራናታት ንሓድሕዱ ኣጣቢቕካ ወይ ሰፊኻ ዚዳሎ ነዊሕን ጸፊሕን ነገር እዩ። እቲ ነገር እቲ ኼድሊ ኸሎ ይጥቕለልን ይዝርጋሕን ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓደ ጥቕላል ብሓደ ሸነኹ ጥራይ ይጸሓፈሉ ነበረ።

እቲ ሮበርትስ ዝረኸቦ ቝራጽ ግና ብኽልቲኡ ሸነኽ ኢደ ጽሑፍ ነበሮ። በዚ መሰረት እዚ፡ እቲ ቝራጽ ካብ ጥቕላል ዘይኰነስ፡ ካብ ኮዴክስ እተቘርጸ ኪኸውን ኣለዎ። ኮዴክስ፡ ብራናታት ወይ ጳጲሮሳት ተሰፍዩ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ንዋት እዩ።

ኮዴክስ ካብ ጥቕላል እንታይ ሓለፋ ኣለዎ፧ ቀዳሞት ክርስትያናት ወንጌላውያን እዮም ነይሮም። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ኣብ ኣባይትን ኣብ ዕዳጋታትን ኣብ ጐደናታትን፡ ኰታስ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ዘበለ ቦታታት እናኸዱ፡ ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይዝርግሕዎ ነይሮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 17:17፣ 20:20) ስለዚ፡ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወ ቕዱሳት ጽሑፋት ንኽትሕዞ ዝያዳ ግብራዊ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

ብዘይካዚ፡ ኮዴክስ ንጉባኤታትን ንውልቀ ሰባትን ብቐሊሉ ናይ ገዛእ ርእሶም ቅዳሓት ኬዳልዉ የኽእሎም ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ወንጌላት ብተደጋጋሚ ይቕዳሕ ነበረ። እዚ ኸኣ ክርስትና ቐልጢፉ ንኼስፋሕፍ ኣበርክቶ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

ቍራጽ ራይላንድስ ብቕድሚትን ብድሕሪትን

ቍራጽ ራይላንድስ ሎሚ ንዓና ኣገዳሲ ዝዀነሉ ኻልኣይ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ብዜተኣማምን መገዲ ኸም እተመሓላለፈልና ዚገልጽ ምዃኑ እዩ። እቲ ቝራጽ ካብ ወንጌል ዮሃንስ ሒደት ፍቕድታት ጥራይ እኳ ዝሓዘ እንተ ዀነ፡ ትሕዝቶኡ ግና ምስቲ ሎሚ ኣብ ኢድና ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ ሕደ እዩ። ስለዚ፡ ቍራጽ ራይላንድስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብተደጋጋሚ ኪቕዳሕ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ትሕዝቶኡ ኸም ዘይተቐየረ ይሕብረና እዩ።

እቲ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ከይተቐየረ ኸም እተመሓላለፈ ዜረጋግጽ ብኣሽሓት ዚቝጸር ቍርጽራጻትን ኢደ ጽሑፋትን ስለ ዘሎ፡ እዚ ኽፋል ወንጌል ዮሃንስ ዝሓዘ ቝራጽ ራይላንድስ ነዚ ዜራጕድ ጥራይ እዩ። ወርነር ከለር፡ ኣብታ ዘ ባይብል ኣዝ ሂስትሪ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ “እዚ ጥንታዊ [ኢደ ጽሑፋት] እዚ፡ እቲ ሎሚ ኣብ ኢድና ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቅን ዜተኣማምንን ጽሑፍ ምዃኑ ንዚልዓል ዝዀነ ይኹን ምጥርጣራት፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዜእምን መልሲ ዚህብ እዩ” በለ።

ሓቂ እዩ፡ እምነት ክርስትያናት፡ ብስነ ጥንታዊ መጽናዕቲ ኣብ እተረኽበ ነገራት እተመስረተት ኣይኰነትን። ክርስትያናት፡ “ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ” ምዃኑ ይኣምኑ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ይኹን ደኣ እምበር፡ ጥንታዊ ዝዀነ ብዋጋ ዘይግመት ክቡር ኣዕናቍ ንሓቅነት እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ነዊሕ ዓመታት ይገብር፡ “ቃል የሆዋ ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዝበሎ ሓሳብ ዜረጋግጸልና ብምዃኑ፡ ንእምነትና ኣዝዩ እዩ ዜደልድላ።—1 ጴጥሮስ 1:25

^ ሕ.ጽ. 8 ብመሰረት እቲ፡ ማኑስክሪፕትስ ኦቭ ዘ ግሪክ ባይብል ዘርእስቱ መጽሓፍ፡ ፐይሎግራፊ፡ “ብዛዕባ ጥንታዊ ጽሑፋት ዜጽንዕ ስነ ፍልጠት እዩ።” ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ እውን ይቕየር እዩ። ብመሰረት እዚ ለውጥታት እዚ ድማ፡ ሓደ ጽሑፍ ምስ ካልእ ዕለቱ እተፈልጠ ዜተኣማምን ጽሑፍ ብምንጽጻር፡ ሓደ ኢደ ጽሑፍ ክንደይ ዓመት ከም ዝገበረ ኺፍለጥ ይከኣል እዩ።