ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧

ስለምንታይ ኢና እንሰብኽ፧

ስለምንታይ ኢና እንሰብኽ፧

በቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት፡ ኰታስ ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ቦታታት እነካይዶ ሰፊሕ ዝዀነ ዕዮ ስብከት ኢና ብፍሉይ እንልለ። ከምኡ እንገብር ግና ስለምንታይ ኢና፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንየሆዋ ኽብሪ ንምሃብን ስሙ ኸም ዚፍለጥ ንምግባርን እዮም ዚሰብኩ። (እብራውያን 13:15) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ነቲ የሱስ ክርስቶስ፡ “ስለዚ፡ ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ ምሃርዎም” ብምባል ዝሃቦ መምርሒ ኽንእዘዝ ንደሊ ኢና።—ማቴዎስ 28:19, 20

ኣብ ርእሲ እዚ ንብጻይና ነፍቅር ኢና። (ማቴዎስ 22:39) ልክዕ እዩ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ሃይማኖታዊ እምነታት ከም ዘለዎምን ኣብ መልእኽትና ተገዳስነት ዜርእዩ ዅሎም ሰባት ከም ዘይኰኑን ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ዜድሕን ምዃኑ ኢና እንኣምን። በዚ ምኽንያት ድማ ኢና ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ብዛዕባ ክርስቶስ፡ ከየቋረጽና እንምህርን እነበስርን’።—ግብሪ ሃዋርያት 5:41, 42

ኣንቶንዮ ኮቫ ማዱሮ ዚብሃል ስነ-ማሕበረኛ፡ ብዛዕባ እቲ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መልእኽቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ናብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ንምብጻሕ፡ ሓይሎም ክሳዕ ዚጽንቀቕ ዚገብርዎ ጻዕርን ዜሕልፍዎ ሽግርን” ጸሓፈ። —ጋዜጣ ኢል ዩኒቨርሳል፡ ቨነዝወላ

መብዛሕትኦም ኣንበብቲ ጽሑፋትና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰኑን። ምሳና ሓቢሮም መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እውን ኣባላት ካልኦት ሃይማኖታት እዮም። እንተዀነ ግና፡ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብሩሎም ምብጻሕ የሐጕሶም እዩ።

ርግጽ እዩ፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካልእ ሕቶታት እውን ኪህልወካ ይኽእል እዩ። በዚ ዚስዕብ መገድታት ኣቢልካ ነቲ መልሲ ኽትረኽቦ ንዕድመካ፦

  • ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ብምሕታት።

  • ነቲ www.mt1130.com/ti ዚብሃል ወብ ሳይትና ብምኽፋት።

  • ኣብቲ ንዅሉ ኽፉት ዝዀነን ብዘይ ክፍሊት ዚግበርን ኣኼባታትና ብምእካብ።