ንቕሑ!
ኣብ 2024 ብኸመይ ተስፋ ትረክብ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ብ2024 ኣብ ዓለም ዜጋጥም ዘሎ ጸገማት ኪሓስቡ ኸለዉ፡ ፍታሕ ከም ዘይብሉ ዀይኑ እዩ ዚርኣዮም። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ መጻኢ ተስፋ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ነዚ ተስፋ እዚ ግና ካበይ ኢና እንረኽቦ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ይህብ
ኣምላኽ ነቲ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ተስፋ ዜቝርጽ ጸገማት ከም ዚፈትሖ፡ መጽሓፍ ቅዱስ የተስፉ እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ [ኣዒንትና] ኺደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4።
ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተስፍዎ ተስፋታት ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ “ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዚፍጸም ናይ ሓቂ ተስፋ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣሉታዊ ስምዒታት ክትቃለስን ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኽትሕዝን ዚሕግዝ ትስፉው መጻኢ ይህበና እዩ። (ሮሜ 15:13) ብዘይካዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ምኽሪ፡ ከም ድኽነትን ዘይፍትሓውነትን ሕማምን ንዝኣመሰለ ጸገማት ክትዋጽኣሉ ይሕግዝ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ንዝዓበየ ሰብ ብኸመይ ሰላምን ሓጐስን ኪረክብ ከም ዝሓገዞ ንምፍላጥ፡ ዃን ፓብሎ ዘርመኞ፦ የሆዋ፡ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ሂቡኒ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።
መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ስምዒት በደለኛነትን ጓህን ጭንቀትን ሓዘንን ብኸመይ ከም ዜጸናንዕ ንምፍላጥ፡ “ምጽንናዕ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክረክብ እኽእል ድየ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ሓንቲ ጽልሙት ኣረኣእያ ዝነበራ ገዲም ወተሃደር፡ ሳላ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ብሩህ ተስፋ ኸም ዝረኸበት ንምፍላጥ፡ ብረተይ ኣውሪደ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።
2024 ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ሰናይ ዓመት ከም እትዀነልካ ግበር። መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ፍለጥ። ነቲ ናጻ ዝዀነ ብሓገዝ መምህር ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፈትኖ። ኣምላኽ ሕጂ ብኸመይ “ሓሳብ ሰላም”ን “ብሩህ መጻእን ተስፋን” ኪህበካ ኸም ዚኽእል ርአ።—ኤርምያስ 29:11።