ንቕሑ!
ፖለቲከኛታት ኣርማጌዶን ከም ዜጋጥም የጠንቅቑ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ሰኑይ ንግሆ 10 ጥቅምቲ 2022፡ ካብ ሩስያ እተወንጨፈ ሚሳይላት ኣብ ዩክረይን ዚርከባ ኸተማታት ሃሪሙ። እዚ ኸኣ፡ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ቕድሚ ኽልተ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ፡ ንክሪምያን ሩስያን ዜራኽብ ድልድል ዘጋጠመ ዓብዪ ነትጒ እዩ። እዚ ፍጻመ እዚ፡ ደድሕሪ እቲ ፖለቲከኛታት፡ ኣርማጌዶን ኬጋጥም ከም ዚኽእል ዝገለጽሉ እዋን ዘጋጠመ እዩ።
“ድሕርቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ጆን ኤፍ ኬነዲን ኩባን ዝነበረ ናይ ሚሳይል ምትፍናን፡ ናብ ኣርማጌዶን ከም ዝቐረብና ገይሩ ዜርኢ ፍጻመታት፡ ከም ሎሚ ገይሩ ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን እዩ። . . . ከም ዝመስለኒ፡ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እንተ ተጠቒምና ናብ ኣርማጌዶን ምምራሕና ዘይተርፍ እዩ።”—ጆ ባይደን፡ ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣ.፡ 6 ጥቅምቲ 2022።
“ኣርማጌዶን ከም ዝቐረበ እሰማማዕ እየ፡ እዚ ድማ ምድርና ናብ ሓደጋ ተምርሕ ከም ዘላ ዜርኢ እዩ።”—ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኬውርዶ ዚኽእል ሳዕቤን ብዚምልከት፡ ብ8 ጥቅምቲ 2022፡ ብቢቢሲ ኒውስ ንዝቐረበሉ ሕቶ ዝሃቦ ምላሽ።
ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ኣርማጌዶን ኬስዕብ ይኽእል ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ኣርማጌዶን ኬስዕብ ድዩ፧
ኣይፋል። እታ “ኣርማጌዶን” እትብል ቃል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ራእይ 16:16 ጥራይ እያ እትርከብ። እታ ቓል እቲኣ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዜጋጥም ውግእ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ‘ነገስታት ብዘላ ዓለምን’ ዜጋጥም ውግእ እያ እተመልክት። (ራእይ 16:14) ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ኬጥፍአን እዩ።—ዳንኤል 2:44።
ብዛዕባ ኣርማጌዶን ዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ውግእ ኣርማጌዶን እንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣንብብ።
ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንምድርን ነበርታን ኬጥፍኦም ድዩ፧
ኣይፋሉን። ሰብኣውያን መንግስትታት ኣብ መጻኢ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዋላ እኳ እንተ ተጠቐሙ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ኼጥፍእዋ ኣይኪፈቕደሎምን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦
“ምድሪ . . . ንዘለኣለም ትነብር።”—መክብብ 1:4።
“ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29።
ይኹን እምበር፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስን ሎሚ ዘሎ ፍጻመታትን፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኣብ ምድሪ ዓብዪ ለውጢ ኸም ዜጋጥም የመልክት እዩ። (ማቴዎስ 24:3-7፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) በቲ ብናጻ ዚውሃብ ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ከም ዚብል መርምር።