ከይተመርዓኻ ብሓባር ብዛዕባ ምንባር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
‘ፍቓድ ኣምላኽ ሰባት ካብ ምንዝርና ኺርሕቁ’ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:3) መጽሓፍ ቅዱስ “ምንዝርና” ኺብል ከሎ፡ ንዝሙትን ንግብረ ሰዶምን ኣብ መንጎ ዘይተመርዓዉ ሰባት ንዚግበር ጾታዊ ርክብን የመልክት።
ተጻመድቲ ምምርዓዎም ወይ ዘይምምርዓዎም ንኣምላኽ ዜገድሶ ስለምንታይ እዩ፧
መውስቦ ኻብ ኣምላኽ እዩ። ነቶም ናይ መጀመርያ ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ጸመዶም ከኣ እዩ ንመውስቦ ኣቚምዎ። (ዘፍጥረት 2:22-24) ሰብኣይን ሰበይትን ብዘይ ቃል ኪዳን ብሓባር ኪነብሩ ኣይሓለነን።
ኣምላኽ ንሰባት ዚሓይሽ ይፈልጥ እዩ። ንመውስቦ ኸኣ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዚህሉ ነባሪ ጥምረት ከም ዚኸውን ገይሩ እዩ መስሪትዎ። እዚ ድማ ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት ዚጠቅምን ዜዕቍብን እዩ። ቀሊል ኣብነት እስከ ንርአ። ከምቲ ንሓደ ኣቕሓ ኽትገጣጥሞ ኸለኻ ናይ ሰራሒኡ መምርሒ እትኽተል፡ ዕዉት ስድራ ቤት ንምህናጽ እውን ናይ ኣምላኽ መምርሒ የድልየና እዩ። ስርዓታት ኣምላኽ ነቶም ዚስዕብዎ ዅሉ ግዜ ይጠቕሞም እዩ።—ኢሳይያስ 48:17, 18።
ካብ መርዓ ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ከቢድ ሳዕቤናት ኣለዎ። ንኣብነት፡ ዘይተደልየ ጥንስን ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማትን ስምዒታዊ ነውጽን ኬስዕብ ይኽእል እዩ። a
ኣምላኽ ንሰብኡትን ንኣንስትን ብጾታዊ ርክብ ኣቢሎም ምእንቲ ኺፋረዩ፡ ናይ ምውላድ ክእለት ሂብዎም እዩ። ኣምላኽ ንህይወት ከም ቅዱስ ገይሩ እዩ ዚርእዮ። ናይ ምውላድ ክእለት ከኣ ክቡር ውህበት እዩ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ንመውስቦ ኣኽቢርና ብምሓዝ፡ ነዚ ውህበት እዚ ኽብ ኣቢልና ኽንርእዮ ይደልየና እዩ።—እብራውያን 13:4።
ዚሳነዩ ምዃኖም ንምፍታን ቅድሚ መርዓ ብሓባር ምንባርከ፧
ተጻመድቲ ድልዱል ሓዳር ኪሃንጹ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
ፍጹም ዚብሃል ሓዳር የለን። እንተዀነ ግና፡ ተጻመድቲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ድልዱል ሓዳር ኪሃንጹ ይኽእሉ እዮም። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦
ንጥቕሚ መጻምድትኻ ኻብ ጥቕምኻ ኣቐድም።—1 ቈረንቶስ 7:3-5፣ ፊልጲ 2:3, 4።
ንሓድሕድኩም ተፋቐሩን ተሓባበሩ።—ኤፌሶን 5:25, 33።
ዘረባኻ ተቘጻጸር።—ምሳሌ 12:18።
ዕጉስን ይቕረ በሃልን ኩን።—ቈሎሴ 3:13, 14።
a “መንእሰያት ዚሓትትዎ—ጾታዊ ርክብ ክገብር ንዚወርደኒ ጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክጻረሮ እኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
b “ንስድራ ቤታት ዜዐውት—ቃል ኪዳን” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።