ይቕረታ እንታይ እዩ፧
መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
ይቕረ ምባል፡ ንበዳሊ ምሕረት ምግባር ማለት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ይቕረ ምባል” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ “ምሕዳግ” ማለት እያ፣ እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ነቲ ኣለቂሕዎ ዝነበረ ሰብ ዕዳኡ ዚሓድገሉ ማለት እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንሕና ንሰብ ዕዳና ዅሎም ንሓድገሎም ኢና እሞ፡ ሓጢኣትና ሕደገልና” ኢሎም ኪጽልዩ ኺምህሮም ከሎ፡ ነዚ ንጽጽር እዚ እዩ ተጠቒሙ። (ሉቃስ 11:4፡ እግረ ጽሑፍ) ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ ብዛዕባ እቲ ምሕረት ዘይገብር ባርያ ዚገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ፡ የሱስ ንይቕረ ምባል ምስ ዕዳ ምስራዝ ኣመሳሲልዎ ኣሎ።—ማቴዎስ 18:23-35።
ንኻልኦት ይቕረ እንብል፡ ቂም ምስ ዘይንሕዝን ስለቲ ዝወረደና ጕድኣት ወይ ጓሂ ብዝዀነ መገዲ ኽንከሓስ ምስ ዘይንጽበን ኢና። ኣብ ጥቕሚ ርእሳ ዘይተተኵር ፍቕሪ፡ መሰረት ልባዊ ይቕረታ ምዃና መጽሓፍ ቅዱስ ይምህር እዩ፣ ከመይሲ፡ ፍቕሪ “ኣይትቕየምን እያ።”—1 ቈረንቶስ 13:4, 5።
ይቕረ ምባል እንታይ ማለት ኣይኰነን፧
ንበደል ዕሽሽ ምባል። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ንሕማቕ ተግባራት ከም ዘይጐድእ ነገር ወይ ከም ቅቡል ገይሮም ዚርእዩ ሰባት ይዅንኖም እዩ።—ኢሳይያስ 5:20።
በደል ከም ዘይተፈጸመ ዄንካ ምምልላስ። ኣምላኽ ነቲ ንጉስ ዳዊት ዝፈጸሞ ኸቢድ ሓጢኣት ይቕረ እኳ እንተ በለሉ፡ ንዳዊት ግና ካብ ሳዕቤናት ተግባራቱ ኣየዕቈቦን። ሓጢኣት ዳዊት ምእንቲ ኺዝከር ኢሉ እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምዝገብ ገይሩ እዩ።—2 ሳሙኤል 12:9-13።
ካልኦት ኪብለጹልካ ምፍቃድ። ንኣብነት፡ ንሓደ ሰብ ገንዘብ ኣለቂሕካዮ ንበል። እቲ ሰብ ነቲ ገንዘብ ይሕሽሾ፣ ከምቲ ቓል ዝኣተወልካ ድማ ገንዘብካ ኣይመልሰልካን። ብዙሕ ተጣዒሱ ኸኣ ይቕረ ይሓትተካ። ቂም ብዘይምሓዝ፡ ደጊምካ ነቲ ጕዳይ ብዘይምልዓል፡ ምናልባት እውን ንዅሉ እቲ ዕዳ ብምስራዝ ይቕረ ኽትብለሉ ትውስን ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ደጊም መሊስካ ገንዘብ ከይተለቅሖ እውን ክትውስን ትኽእል ኢኻ።—መዝሙር 37:21፣ ምሳሌ 14:15፣ 22:3፣ ገላትያ 6:7።
ብዘይ ብቑዕ መሰረት ይቕረ ምባል። ኣምላኽ ነቶም ደይ መደይ ኢሎም ብኽፍኣት ሓጢኣት ዚፍጽሙ፡ ጌጋኦም ዘይእመኑ፡ ኣካይዳኦም ዘይልውጡ፡ ነቶም ዚጐድእዎም ሰባት ድማ ይቕረታ ዘይሓትቱ ሰባት ምሕረት ኣይገብረሎምን እዩ። (ምሳሌ 28:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 26:20፣ እብራውያን 10:26) ከምዚኣቶም ዝበሉ ዘይንስሑ ሰባት፡ ጸላእቲ ኣምላኽ እዮም ዚዀኑ፣ ንሱ ይቕረ ንዘይበለሎም ሰባት፡ ንሕና ይቕረ ኽንብለሎም ድማ ኣይጽበየናን እዩ።—መዝሙር 139:21, 22።
ሓደ ሰብ ገፊዑካ ኽነሱ ይቕረታ ምሕታት እንተ ኣብዩ ወይ እውን ነቲ ዝገበሮ ነገር ዘይእመነሉ እንተ ዀይኑኸ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቍጥዓ ሕደግ፡ ነድሪ ድማ ግደፍ” ብምባል ይመክር እዩ። (መዝሙር 37:8) ነቲ በደል ከም ቅቡል እኳ እንተ ዘይረኣኻዮ፡ ብቝጥዓ ኸይትዕብለል ግና ክትውስን ትኽእል ኢኻ። ኣምላኽ ነቲ ሰብ ብተግባራቱ ተሓታቲ ኺገብሮ ኸም ዝዀነ እመን። (እብራውያን 10:30, 31) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ጾር ዝዀነና ኸቢድ ስቓይ ወይ ጕድኣት ደጊም ዘይህልወሉ እዋን ከም ዜምጽእ ምፍላጥካ ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ።—ኢሳይያስ 65:17፣ ራእይ 21:4።
‘ተበዲለ’ ኢልካ ንእትሓስቦ ዘበለ “ይቕረ ምባል።” ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ‘በዲሉኒ’ እንብሎ ሰብ ይቕረ ኽንገብረሉ ኣብ ክንዲ እንፍትን፡ ብቐደሙ እውን ከም እንቕየም ዚገብረና ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘይነበረ ኽንእመን የድልየና ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵራ መለለዪ ዓሻ እዩ እሞ፡ ንዅራ ኣይትተሃወኽ” ይብል እዩ።—መክብብ 7:9፡ እግረ ጽሑፍ።
ንሓደ ሰብ ብኸመይ ይቕረ ኽትብለሉ ትኽእል፧
ይቕረታ እንታይ ከም ዜጠቓልል ዘክር። ነቲ ሕማቕ ተግባር ከም ቅቡል ጌርካ ትርእዮ ወይ ድማ ከም ዘየጋጠመ ዄንካ ትመላለስ ማለት ዘይኰነስ፡ ዕሽሽ ክትብሎ ትውስን ማለት እዩ።
ይቕረታ ዘለዎ ጥቕሚ ተገንዘብ። ዘይትቝጣዕን ቂም ዘይትሕዝን እንተ ዄንካ፡ ህድኣት ኪህልወካን ጥዕናኻ ኸተመሓይሽን ሓጐስካ ኸተዛይድን ይሕግዘካ እዩ። (ምሳሌ 14:30፣ ማቴዎስ 5:9) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ንኻልኦት ይቕረ ምስ እንብል፡ ኣምላኽ ንሓጢኣትና ይቕረ ይብለልና እዩ።—ማቴዎስ 6:14, 15።
ደንጋጺ ኹን። ኵላትና ዘይፍጹማት ኢና። (ያእቆብ 3:2) ከምቲ ሰባት ይቕረ ኺብሉልና እንደሊ፡ ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ንጌጋታት ካልኦት ይቕረ ኽንብል ኣሎና።—ማቴዎስ 7:12።
ሚዛናዊ ኹን። ቅር ዜብል ንእሽቶ ነገር እንተ ኣልዩና፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱ” ብምባል ዚህቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል ኢና።—ቈሎሴ 3:13።
ቀልጢፍካ ስጕምቲ ውሰድ። ቍጥዓኻ ኺዓቢ ስቕ ኢልካ ኣብ ክንዲ እትርኢ፡ ብእተኻእለካ መጠን ቀልጢፍካ ይቕረ ኽትብል ጽዓር።—ኤፌሶን 4:26, 27።