ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ቘልዑ

ቈልዑን ሞባይልን—1ይ ክፋል፦ ውሉደይ ሞባይል ኪውንን ክፈቕደሉዶ፧

ቈልዑን ሞባይልን—1ይ ክፋል፦ ውሉደይ ሞባይል ኪውንን ክፈቕደሉዶ፧

 ብዙሓት ቈልዑ ሞባይል a ኣለዎም፣ መብዛሕትኦም ከኣ ኣብ መደቀሲኦም ኰይኖም ብሞባይሎም ኢንተርነት ይጥቀሙ እዮም። ውሉድካ ሞባይል ኪውንን ምፍቃድ እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧ እንታይ ጥቕሚኸ ኣለዎ፧ ኣብ መዓልቲኸ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ሞባይል ኪጥቀም ዘለዎ፧

 ክትፈልጦ ዘሎካ

 ጥቕምታቱ

  •   ድሕንነት ንቘልዑ፡ ቅሳነት ንወለዲ። በተኒ እተባህለት፡ ኣደ ኽልተ መንእሰያት፡ “ኣብ ኣዝያ ሓደገኛ ዓለም ንነብር ስለ ዘለና፡ ውሉዳት ምስ ወለዶም ብቐሊሉ ኺራኸቡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” ትብል።

     ካተሪን እተባህለት ኣደ ኸኣ፡ “ኣብ ናይ ውላድካ ሞባይል ገለ ኣፕሊኬሽን ብምጽዓን፡ ውላድካ ኣበይ ከም ዘሎ፡ ይዝውር እንተ ኣልዩ ድማ ፍጥነቱ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ብቐሊሉ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ” ብምባል ነቲ ሓሳብ ተራጕዶ።

  •   ንዕዮ ትምህርቲ ይሕግዝ። መሪ እተባህለት ኣደ፡ “ቈልዑ ብኢ-መይል ወይ ብመልእኽቲ ሞባይል ዕዮ ገዛ ይልኣኸሎም፡ ምስ መምህራኖም ከኣ ብኸምኡ እዮም ዚራኸቡ” ትብል።

 ጕድኣቱ

  •   ብዙሕ ሰዓታት ኣብ ሞባይል ምጥፋእ። መንእሰያት ምስ ሞባይሎም ዘይተኣደነ ሰዓታት እዮም ዜሕልፉ። ወለዲ እውን እንተ ዀኑ፡ ምስ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታቶም ዜሕልፍዎ ግዜ፡ ካብቲ ምስ ደቆም ዜሕልፍዎ ግዜ ዚውሕድ ኣይኰነን። ሓደ በዓል ሞያ፡ “ገለ ስድራ ቤታት ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ መሳሪሒታቶም ተተኺሎም ዚጥምቱ፡ ንሓድሕዶም ዘይፋለጡ እኩባት ሰባት” b ኢሉ ገሊጹዎም ኣሎ።

  •   ስእለ ጽዩፍ። ብመሰረት ሓደ ገምጋም፡ ልዕሊ ፍርቂ መንእሰያት ኣብ ወወርሒ ስእለ ጽዩፍ ይርእዩ እዮም። ስእለ ጽዩፍ ብቐሊሉ ኣብ ሞባይልካ ኽትርእዮ ዘሎ ተኽእሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ጸብጻብ እዚ ዜገርም ኣይኰነን። ዊሊያም እተባህለ፡ ኣቦ ኽልተ መንእሰያት፡ “ወለዲ ንውሉዳቶም ሞባይል ብምሃብ፡ ከይተረድኦም ደቆም ኣብ ዚኸድዎ ዘበለ፡ ስእለ ጽዩፍ ኪርእዩ ኣጋጣሚ ኸም ዚረኽቡ ይገብርዎም” ይብል።

  •   ወልፊ። ብዙሓት ሰባት ክቱር ወልፊ ሞባይል እዩ ዘለዎም። ሞባይሎም እንተ ስኢኖማ ይጭነቑ፡ ዚገብርዎ ይጠፍኦም፡ ከም ዝሓመሙ ዀይኑ እውን ይስምዖም። ገለ ወለዲ ደቆም ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታቶም ኪሕዙ ኸለው ስርዓት ዘይብሎም ከም ዝዀኑ ይገልጹ። ካርመን፡ “ሓድሓደ ግዜ ወደይ ሞባይሉ እናተጠቕመ ኸሎ እንተ ኣዛሪበዮ፡ ኪመናጐ ስለ ዘይደሊ፡ ዓይኑ የፍጥጠለይን የንጸርጽረለይን” ትብል።

  •   ተወሳኺ ጕድኣት። ሞባይል ምጥቃም ንተወሳኺ ጕድኣት የቃልዕ። እዚ ኸኣ፡ ብኢንተርነት ዚግበር መጥቃዕቲ፡ ብሞባይል ዚልኣኽ ብዕሉግ ነገራት፡ ከምኡ እውን ብሕማቕ ኮፍ ኣበሃህላ ዚመጽእ ናይ ጥዕና ጸገማት የካትት። ገሊኦም መንእሰያት ወለዶም ኪርእይዎ ዘይደልይዎም ነገራት ንምስዋር “ጎስት ኣፕ” ዚብሃል ኣፕሊኬሽን ይጥቀሙ እዮም። እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ፡ ልክዕ ከም ካልኩሌተር ዝኣመስለ ነገራት፡ ጕድኣት ዘይብሉ እዩ ዚመስል።

     ዳኒኤል እተባህለ፡ ኣቦ ሓንቲ መንእሰይ፡ “ሞባይል ምጥቃም፡ ኣብ ኢንተነት ንዚርከብ ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ነገራት መገዲ ዚኸፍት እዩ” ብምባል ይድምድም።

 ክትሓትቶ ዘሎካ

  •   “ውሉደይ ሞባይል የድልዮ ድዩ፧”

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ጐራሕ ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።” (ምሳሌ 14:15) ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

     ‘ውሉደይ ብምኽንያት ድሕንነትን ካልእ ነገራትን ሞባይል ኪህልዎ ጥበባዊ ድዩ፧ ብዛዕባ ጥቕሙን ጕድኣቱን ኣርዚነ ሓሲበሉ ድየ፧ ምስ ኢንተርነት ዘይራኸብ፡ ካልእ ኣማራጺ ሞባይል ኣሎዶ፧’

     ቶድ እተባህለ ኣቦ፡ “ሎሚ እውን ምስ ኢንተርነት ዘይራኸብ፡ ምስ ውላድካ ብጽሑፍን ብምድዋልን ጥራሕ ዜራኽብ ሞባይል ኣሎ። ንእግረ መገድኻ ኸኣ ብዙሕ ገንዘብ ትቝጥብ” በለ።

  •   ውሉደይ ነዚ ሓላፍነት እዚ ኪስከም ድሉው ድዩ፧

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንጥበበኛስ ልቡ ብቕኑዕ መገዲ ይመርሖ።” (መክብብ 10:2) ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

     ‘ንውሉደይ ክኣምኖ ዚገብረኒ እንታይ እዩ፧ ናጻ ዀይኑ ድዩ ዚቐርበኒ፧ ወይስ ቅንዕና ይጐድሎ እዩ፧ ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣዕሩኹ ይሓባብኣለይ ድዩ፧ ካልእ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታት ከም እኒ ቲቪ፡ ታብለት፡ ኮምፒተር ዝኣመሰለ ኺጥቀም ከሎ፡ ርእሰ ግትኣት የርኢ ድዩ፧’ ሓንቲ ሰረና እተባህለት ኣደ፡ “ሞባይል ኣዝዩ ጠቓሚ መሳርሒ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ እውን እዩ። ብዛዕባ እቲ ንውሉድካ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ተስክሞ ዘለኻ ሓላፍነት ክትሓስበሉ ኣሎካ” ትብል።

  •   ‘ነዚ ሓላፍነት እዚ ድሉው ድየ፧’

     መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ።” (ምሳሌ 22:6) ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

     ‘ውሉደይ ነቲ ኼጋጥም ዚኽእል ሓደጋ ተረዲኡ ኼወግድ ምእንቲ ኽሕግዞ፡ እኹል ፍልጠት እታ ሞባይል ኣሎኒ ድዩ፧ ኣብታ ሞባይል ግቡእ ምቍጽጻር ኽገብር ዚሕግዘኒ ኣፕሊኬሽን ብኸመይ ከም ዚጸዓን እፈልጥ ድየ፧ ውሉደይ ሞባይል ኪጥቀም ከሎ፡ ጥበባዊ ውሳነ ምእንቲ ኺገብር ብኸመይ እሕግዞ፧’ እቲ ኣቐድም ኣቢሉ እተጠቕሰ ዳንኤል፡ “እቲ ዜሕዝን፡ ብዙሓት ወለዲ ንውሉዳቶም ሞባይል ይህብዎም፡ ብኸመይ ይጥቀምሉ ኸም ዘለዉ ግና ኣይቈጻጸርዎምን” በለ።

 ቀንዲ መልእኽቲ፦ ቈልዑ ንሞባይል ብሓላፍነት ምእንቲ ኺጥቀሙሉ፡ ስልጠና የድልዮም እዩ። ኢንዲስትራክታብል እተባህለት መጽሓፍ፡ “ውሉዳት ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታት ብዙሕ ግዜ ንምሕላፍ ዘለዎም ጸቕጢ፡ ባዕሎም ኪዋጽኡሉ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ግቡእ ኣይኰነን፣ ብፍላይ ከኣ ወለዲ ግቡእ መምርሒ ዘይህብዎምን ዘይከታተልዎምን እንተ ዀይኖም” ትብል።

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እታ “ሞባይል” እትብል ቃል ምስ ኢንተርነት ኪራኸብ ዚኽእል ስልኪ ተመልክት።

b ካብታ ብቶማስ ከርስቲንግ እተጻሕፈት፡ ዲስኮኔክትድ እተባህለት መጽሓፍ እተወስደ።