ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተቘጻጻሪ ድሕንነት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኢድዎም

ተቘጻጻሪ ድሕንነት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኢድዎም

ሓደ ኻብ መንግስታዊ ትካል ዝመጸ ተቘጻጻሪ ድሕንነት፡ ንሓደ ኣብ ከባቢ ሲድኒ፡ ኣውስትራልያ ዚህነጽ ዝነበረ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ምብጻሑ፡ “ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝበጻሕክዎ ህንጸት፡ ብድሕንነት ዝመጸ ኻብ ኵሉ ዚበልጽ እዩ” ኢሉ እዩ።

እቲ ተቘጻጻሪ፡ “እቲ ህንጸት ብጽቡቕ እዩ ዚካየድ . . . ጽሩይን ጽፉፍን እዩ፡ ግቡእ መተሓላለፍን መውጽእን ኣለዎ፡ ኵሉ እቲ መሰኵዒ ኤሌክትሪክ ድማ ካብ ፕላስቲክ ብእተሰርሐ ዓንቃሪቦ ብስርዓት እተንጠጠለ እዩ፡ መጥፍእ ሓዊ ኣብ ቦታኡ እተቐረበ እዩ። . . . ኵሎም እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ነዊሕ ዝእጅገኡ ናይ ላዕሊ ኽዳንን ነዊሕ ስረን፡ ተሪር ቆብዕን ንዓይኒ ዚከላኸል መነጽርን ገይሮም ነይሮም። . . . ኵሎም ድማ ተሓባበርቲ እዮም” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።

ተቘጻጻሪ እቲ ህንጸት ዝዀነ ቪክተር ኦተር ድማ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ድሕንነት ኣዝዮም እዮም ዚግደሱ። ብዘይ ጕድኣት ክንሰርሕ ምስ እንጽዕር፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ነንጸባርቕ፡ ሓድነትን ሓጐስን እውን ንረክብ። ምሉእ መዓልቲ ኽሰርሕ ውዒለ፡ ናብ ቤተይ ፍሽሑው ገጽ ሒዘ እየ ዝምለስ” ኢሉ።

እቲ 127 ኮፍ መበሊ ዘለዎ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብሚያዝያ 2012 ተሰሪሑ ተወዲኡ።